ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓለም ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧

ዓለም ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧

ዓለም ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧

ሓድነት ዓለም: ንኽትሰምዖ ጥዑም እዩ። ኵሉ ሰብ ሃረር ዚብሎዶ ኸይኰነ፧ እወ: ብዛዕባ ሓድነት ብዙሕ ተዘሪቡ እዩ። መራሕቲ ዓለም ዚገብርዎ ኣኼባታት ብተደጋጋሚ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣተኲሩሉ እዩ። ኣብ ነሓሰ 2000: ካብ 1,000 ዚበዝሑ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ሽሕ ዓመት ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሰላም ንምግባር ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብኡ ድማ ኣብ ዓለም ዘሎ ግጭታት ዚውገደሉ መገድታት ዘተዩሉ። ይኹን እምበር: እቲ ዋዕላ ንባዕሉ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ግጭታት ዜንጸባርቕ ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ዚነብር ሙፍቲ: ሓደ ናይ ኣይሁድ ረቢ ወይ መምህር ኣብቲ ኣኼባ ስለ ዘሎ ኢሉ ምምጻእ ኣበየ። ገሊኦም ከኣ ቻይና ንኸይትቕየም ተባሂሉ ነቲ ዳላይ ላማ ዚበሃል ናይ ሓደ ዓይነት ቡድህና መራሒ ኣብተን ናይ መጀመርታ ኽልተ መዓልቲ ኸይተጸውዐ ብምትራፉ ጕህዮም እዮም።

ኣብ ጥቅምቲ 2003 ምስ ፓሲፊክ ዚዳወባ ሃገራት ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝገበራኦ ዋዕላ ቝጠባዊ ምትሕብባር እስያ-ፓሲፊክ: ናይ ዓለም ድሕነት ተዘትዩሉ ነይሩ። እተን ኣብኡ እተረኽባ 21 ሃገራት ንግብረ-ሽበራውያን ኪበታትናኦም ተመባጽዓ: ዓለምለኻዊ ጸጥታ ንኺመሓየሽ ኣብ ዜኽእል መገድታት ድማ ተሰማምዓ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ዋዕላ ሓደ ቐዳማይ ሚኒስተር እተዛረቦ ነገር: ንኣይሁድ ብጽልኢ ዚነቅፍ ምዃኑ ስለ እተኣምነሉ: ገሊኦም ተወከልቲ ኣዕዘምዚሞም እዮም።

ሓድነት ዘየልቦ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ዓለም ሓድነት ንምምጻእ ብዙሕ ዚዝረብ እኳ እንተዀነ: ዚጠቅም ጭቡጥ ፍረ ግን ኣይንርእን ኢና። ብዙሓት ሓድነት ዓለም ንምምጻእ ካብ ልቦም እናጸዓሩ ኽነሶም: ስለምንታይ እዩ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ዘለዉ ደቅሰብ ኪበጽሕዎ ዘይክእሉ ዚኸውን ዘሎ፧

ኣብቲ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ዋዕላ ቝጠባዊ ምትሕብባር እስያ-ፓሲፊክ እተሳተፉ ቐዳሞት ሚኒስተራት ዝሃቦ ሓሳባት: ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብኸፊል ዚሕብረና ነገር ንረክብ ኢና። እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር “እዚ ሃገራዊ ሓበን ዚበሃል ነገር ኣሎ” በለ። እወ: ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሃገራውነት ተኣሊኹ እዩ ዘሎ። ኵለን ሃገራት ኰና ብሔራት ርእሰ-ውሳነ ንምግባር ብዘለወን ባህጊ እየን ዚድፍኣ ዘለዋ። ሃገራዊ ልዑላውነት ምስ ውድድርን ስስዐን ምስ ተሓወሰ: ብቐሊሉ ናብ ግጭት ዚመርሕ ኵነታት እዩ ዚፍጠር። ኣብ ሓያሎ መዳያት: ሃገራዊ ጥቕሚ ምስቲ ዓለምለኻዊ ጥቕሚ ኺጋጮ ኸሎ: ሃገራዊ ጥቕሚ እዩ ዜሰንፍ።

ሃገራውነት በቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዜጥፍእ ፌራ” ዝበሎ ቓላት ብዚግባእ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። (መዝሙር 91:3) ከም ሓደ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ስቓይ ዜምጽእ መቕዘፍቲ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ሃገራውነትን እቲ ንሱ ኣብ ካልኦት ህዝብታት ዜሕድሮ ጽልእን ንዘመናት ዝቐጸለ እዩ። ኣብዚ ግዜና ሃገራውነት ነቲ ኸም ባርዕ ዚልሕም ዘሎ ምክፍፋል የምበድብዶ እዩ ዘሎ: ገዛእቲ ደቅሰብ ከኣ ደው ኬብልዎ ኣይከኣሉን።

ብዙሓት ሰበ-ስልጣን ሃገራውነትን ጥቕሚ ርእሲ ጥራይ ምድላይን: ሱር ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ንኣብነት: ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነበር ዩ ታንት: “እቲ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎ ሓያሎ ጸገማት ብሰሪ ወይ ብሰንኪ ግጉይ ኣረኣእያ ዝመጸ እዩ። . . . ሓደ ኻብዚ ኸኣ ጸቢብ ሃገራውነት: ማለት ‘ቅንዕቲ ትኹን ጌጋ: ሃገረይ ደኣ’ ዚብል ኣተሓሳስባ እዩ” በለ። ሎሚ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ጥቕሚ ርእሰን ስለ ዜተኵራ: ብዛዕባ ልዑላውነተን ብዝያዳ እየን ዚጭድራ። እቶም እተወሰነ ጥቕሚ ዘለዎም ከኣ ካብቲ ዝረኸብዎ ሓለፋ ሒደት እውን ይኹን ኬካፍሉ ኣይደልዩን እዮም። ንኣብነት: ኢንተርናሽናል ሄራልድ ትሪቡን ብዛዕባ ሕብረት ኣውሮጳ ኸምዚ በለት:- “ውድድርን ጥርጣረን ኣብ ፖለቲካ ኣውሮጳ ዚርአ መሰረታዊ ነገር እዩ ዀይኑ ዘሎ። መብዛሕትአን ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ: ሓንቲ ኻብተን ኣባላት ዝያዳ ጽልዋ ኣልይዋ መራሒት ክትከውን ኣይደልያኣን እየን።”

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅሉ ሰብኣዊ ግዝኣት ኪዛረብ ከሎ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” ብምባል ብዚግባእ ገሊጽዎ ኣሎ። (መክብብ 8:9) ጕጅለታት ደቅሰብ ንዓለም ናብ ባዕሎም ዝሓንጸጽዎ ሃገራት ብምክፍፋል ንፍጻመ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ: ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት እዮም ዚርእዩ ዘለዉ።—ምሳሌ 18:1

እቲ ንዓና ዚሕሸና ዚፈልጥ ፈጣሪና: ንሰባት ናይ ርእሶም መንግስትታት ኣቚሞም ንርእሶም ኬመሓድሩ ኢሉ ኣይፈጠሮምን። ደቅሰብ ከምዚ ብምግባሮም ንዕላማ ኣምላኽ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም: ኵሉ ነገራት ናቱ ምዃኑ ድማ ኣፍልጦ ኣይሃቡን። መዝሙር 95:3-5 “እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ: ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ: መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ኢዱ: ምብራኽ ኣኽራን ከኣ ናቱ እዩ። ባሕሪ ናቱ እዩ: ንሱ ፈጠሮ: ንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳዉ ገበራኦ” ትብል። ኣምላኽ ኵሉ ኺግዝኦ ዚግባእ ልዑላዊ እዩ። ሃገራት ናይ ርእሰን ልዑላውነት ብምድላየን: ምስ ፍቓዱ እየን ዚጻረራ ዘለዋ።—መዝሙር 2:2

እንታይ እዩ ዜድሊ፧

ኣብ ዓለም ሓድነት ዚህልወሉ እንኮ መገዲ: ንጥቕሚ ዅሎም ደቅሰብ ዚዓዪ ሓደ ዓለምለኻዊ ስልጣን ምስ ዚህሉ ጥራይ እዩ። ብዙሓት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዜተሓሳስቦም ሰባት: ነዚ ኣፍልጦ ይህቡሉ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግጉይ ምንጪ እዮም ዜተኵሩ። ንኣብነት: ብዙሓት ሰባት: እንተላይ መራሕቲ ሃይማኖት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት እዮም ናይ ዓለም ሓድነት ኬምጽእ ዚምሕጸኑ። ኰይኑ ግን: ሰብኣውያን ውድባት ዚሓስባኦ ሓሳባት ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ይኹን ብዘየገድስ: ኣህጉራዊ ጸገማት ደቅሰብ ከቶ ፈቲሐን ኣይፈልጣን እየን። ኣብ ክንዳኡስ: መብዛሕትአን እዘን ውድባት እዚኣተን ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ፍልልያት ዚንጸባረቐለን መድረኽ እየን ኰይነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰብኣዊ ትካላት ፍታሕ ከይንጽበ ኼጠንቅቐና ኸሎ: “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ይብል። (መዝሙር 146:3) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ሓድነት ዓለም ከቶ ኺብጻሕ ዘይከኣል ድዩ፧ ኣይፋሉን። ካልእ መገዲ ኣሎ።

ብዙሓት ሰባት: ኣምላኽ ኣብ ዓለም ሓድነት ከተምጽእ እትኽእል መንግስቲ ኣቚሙ ኸም ዘሎ ኣይፈልጡን እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ኣምላኽ “ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ: . . . ኣህዛብ ንርስትኻ: ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ: ለምነኒ” ኢሉ ኸም እተዛረበ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 2:6, 8) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንየሆዋ ኣምላኽ ‘ንጉሱ ኸም ዝሸመ’ ገይራ ኸም እትገልጾ ኣስተብህል። ኣብ ቍጽሪ 7 ኸኣ ነዚ ንጉስ እዚ “ወደይ” ኢሉ ይጽውዖ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ስልጣን እተዋህቦ ኣውራ መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ: ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

ዓለምለኻዊ ሓድነት ብኸመይ ከም ዚመጽእ

መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዘቘሞ ሰማያዊ ግዝኣት ኣይፈልጥዎን እዮም። ሃገራት ነቲ ባዕለን ዝመስረታኦ ልዑላውነት ከይፍንዋ ብድርቅና ኣብየን ኣለዋ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነቶም ንልዑላውነቱን ነታ ዘቘማ መንግስትን ኣፍልጦ ምሃብ ዚኣብዩ ዕሽሽ ኢሉ ኣይኪርእዮምን እዩ። መዝሙር 2:9 ብዛዕባ እቶም ነዚ ምቕባል ዚኣብዩ ኽትገልጽ ከላ: ነቲ ወዲ ማለት ንየሱስ ክርስቶስ “ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም: ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ” ትብሎ። ሃገራት ወይ ኣህዛብ የስተብህሉሉ ኣየስተብህሉሉ ብዘየገድስ: ምስ ኣምላኽ ንኺጋጨዉ ብሓባር ይምርሹ እዮም ዘለዉ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ “ነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ” ይእከቡ ኸም ዘለዉ ትገልጽ። (ራእይ 16:14) ሃገራትን እቲ ኸፋፋሊ መገድታትን መወዳእታ ኺግበረሉ እዩ። እዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ዕዮኣ ንኽትፍጽም መገዲ ኺጸርገላ እዩ።

የሆዋ ኣምላኽ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ ብምዃኑ ብወዱ ኣቢሉ ሓድነት ዘለዋ ዓለም ንምምስራት ዜድሊ ለውጢ ኺገብር ዜኽእሎ ሓይሊ ብጥበብ ኪጥቀም እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሓድነት ከተምጽእ: ንዅሎም ኣፍቀርቲ ጽድቂ ድማ ክትባርኾም እያ። ንምንታይ ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ መዝሙር 72 ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዘይተንብባ፧ ኣብኣ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዚህሉ ግዝኣት ንደቅሰብ እንታይ ከም ዚገብረሎም ብትንቢት ተገሊጹ ኣሎ። ደቅሰብ ናይ ሓቂ ሓድነት ዓለም ኪረኽቡ እዮም: ከም እኒ ጭቈና: ዓመጻ: ድኽነት: ዝኣመሰለ ዅሉ ጸገማት ከኣ ኪውገድ እዩ።

ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም እዚኣ ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ኸቶ ዘይከውን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግን ጌጋ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸይተፈጸመ ተሪፉ ኣይፈልጥን: ብሕጂውን ብርግጽ ኪፍጸም እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) ነዚ ለውጢ እዚ ኽትርእዮ ትደሊዶ፧ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። አረ ኣብዚ ግዜና እኳ ነቲ ግዜ እቲ ዚዳለዉ ዘለዉ ህዝቢ ኣለዉ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ኪዀኑ ኸለዉ: ኣብ ክንዲ ውግእ ዚገብሩ: ንልዑላውነት የሆዋ ብሓድነት ይግዝኡ እዮም ዘለዉ። (ኢሳይያስ 2:2-4) እዚኣቶም ደኣ መን እዮም፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም እዮም ዚፍለጡ። እሞ ደኣ: ንምንታይ ነቲ ዜቕርቡልካ ዕድመ ተቐቢልካ ናብ መአከቢኦም ዘይትኸይድ፧ ምስቶም ንልዑላውነት ኣምላኽ ንኽትግዛእን ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሓድነት ንኽትኣቱን ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ሰባት ክትራኸብ ብምኽኣልካ: ባህ ከም ዚብልካ ኣየጠራጥርን እዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ህዝቢ ኣብታ ሓድነት ዘለዋ ዓለም ንምንባር ይዳለዉ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Saeed Khan/AFP/Getty Images

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Woman grieving: Igor Dutina/AFP/Getty Images; protesters: Said Khatib/AFP/Getty Images; armored cars: Joseph Barrak/AFP/Getty Images