ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

ንልዑላውነት የሆዋ ኣፍልጦ ኽንህብ ኪበሃል ከሎ: ፍጹም ተኣዛዝነት ከነርኢ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ድዩ ዚገብር፧ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኸመይ ዝኣመሰለ ሰብ እዩ “ከም ልቡ” ገይሩ ዚርእዮ፧ (1 ሳሙኤል 13:14) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ነዚ ሕቶታት እዚ ዜዕግብ መልሲ ትህበሉ እያ።

ንኻልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል: ጋድን ናታንን ዚበሃሉ ምስ ዳዊት ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዚቀራረቡ ዝነበሩ ኽልተ ነብያት እዮም ጽሒፎምዋ። a እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብ1040 ቅ.ኣ.ዘ.: ማለት ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ 40 ዓመት ንግስነት ዳዊት እተዛዘመት ኰይና: ብቐዳምነት ብዛዕባ ዳዊትን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብን እያ እትገልጽ። እቲ መሳጢ ታሪኽ ከኣ እታ ብህውከት ተሃዊጻ ዝነበረት ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓደ ጅግና ንጉስ ከመይ ኢላ ብልጽግትን ስምርትን መንግስቲ ኸም ዝዀነት ይሕብር። እቲ ማራኺ ዛንታ እውን ንሰብኣዊ ስምዒታት ብዕምቈት ይገልጽ።

ዳዊት “እናዐበየ ኸደ”

(2 ሳሙኤል 1:1–10:19)

ዳዊት ሞት ሳኦልን ዮናታንን ምስ ሰምዐ ዝገበሮ ነገር: ብዛዕባኦምን ብዛዕባ የሆዋን ከመይ ከም ዚስምዖ ይሕብር። ድሕርዚ: ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣብ ይሁዳ ኺነግስ ተቐብአ። ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ከኣ ኣብ ዝተረፈ ኽፋል እስራኤል ነገሰ። ዳዊት “እናዐበየ ኸደ:” ድሕሪ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ።—2 ሳሙኤል 5:10

ዳዊት ንይቡሳውያን ሰጒጉ ንየሩሳሌም ሓዛ: ርእሰ ኸተማ መንግስቱ ድማ ገበራ። ነቲ ታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ኬግዕዞ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ፈተነ መቕዘፍቲ ኣስዓበ። ኣብ ካልኣይ ግዜ ግን ተዓወተ: ዳዊት እውን ብሓጐስ ሳዕስዐ። የሆዋ ንዳዊት ኪዳን መንግስቲ ኣተወሉ። ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ድማ: ዳዊት ንጸላእቱ ሰዓሮም።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:18—ዮኣብን ክልተ ኣሕዋቱን: ሰለስተ ደቂ ጽሩያ ተባሂሎም በዲኦም እተጸውዑ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ መስመር ወለዶ መብዛሕትኡ ግዜ በቦ እዩ ዚምዝገብ ነይሩ። ሰብኣይ ጹርያ ኣቐዲሙ ሞይቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ወይ ኣብቲ ቕዱስ ጽሑፍ ኪምዝገብ ዘይበቅዕ ጌርካ ተወሲዱ ይኸውን። ምናልባት እውን ጽሩያ ሓብቲ ዳዊት ብምዃና ተጠቒሳ ኽትከውን ትኽእል። (1 ዜና መዋእል 2:15, 16) ኣቦ እዞም ሰለስተ ኣሕዋት ተጠቒሱ ዚርከበሉ እንኮ ቦታ ምስቲ ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበረ መቓብሩ ብምትሕሓዝ ጥራይ እዩ።—2 ሳሙኤል 2:32

3:29—“ምርኩስ ዚምርኰስ” ወይ ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም “መፍተል ዚሕዝ” ዚብል መግለጺ እንታይ ማለት እዩ፧ ብልምዲ ዓለባ ዚኣልማ ዝነበራ ኣንስቲ እየን ነይረን። ስለዚ: እዚ መግለጺ እዚ ነቶም ንውግእ ብቑዓት ብዘይምዃኖም ዕዮ ሰበይቲ ዚዓዩ ሰብኡት ዜመልክት እዩ ነይሩ።

5:1, 2—ኢሽ-ቦሸት ምስ ተቐትለ: ዳዊት ድሕሪ ኽንደይ ዚኣክል እዋን እዩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ዝነገሰ፧ ኢሽ-ቦሸት ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ንግስናኡ: ድሕሪ ሞት ሳኦል ነዊሕ ከይጸንሐ ጀሚርዎ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ዝነገሰሉ እዋን ኣቢሉ እዩ። ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ነገሰ። ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ምስ ነገሰ ነዊሕ ከይጸንሐ: ንየሩሳሌም ርእሰ ኸተማኡ ገበራ። ስለዚ: ኢሽ-ቦሸት ድሕሪ ሙማቱ ሓሙሽተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ እዩ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ዝነገሰ።—2 ሳሙኤል 2:3, 4, 8-11፣ 5:4, 5

8:2—ሞኣባውያን ምስ እስራኤላውያን ድሕሪ ምውጋኦም: ክንደይ ዚኣኽሉ እዮም ተቐቲሎም፧ ቍጽሮም ኣብ ክንዲ በብሓደ ብምቝጻር: ብምልካዕ እዩ ተገምጊሙ ኪኸውን ዘለዎ። ዳዊት ንሞኣባውያን ተር ኣቢሉ ኣብ ምድሪ በጥ ዘበሎም እዩ ዚመስል። ድሕሪኡ: ብገመድ ገይሩ ሰፈሮም። ክልተ ገመድ ወይ ክልተ ሲሶ ሞኣባውያን ተቐትሉ: ሓደ ገመድ ወይ ሓደ ሲሶ ድማ ተናሕፉ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

2:1፣ 5:19, 23 ዳዊት ናብ ኬብሮን ቅድሚ ምግዓዙን ምስ ጸላእቱ ቕድሚ ምውጋኡን ንየሆዋ ሓተተ። ንሕናውን ንመንፈሳውነትና ዚጸሉ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና መምርሒ የሆዋ ኽንደሊ ኣሎና።

3:26-30 ሕነ ምፍዳይ ሕማቕ ሳዕቤን ኣለዎ።—ሮሜ 12:17-19

3:31-34፣ 4:9-12 ዳዊት ሕነ ምፍዳይን ጽልእን ዘይፈቱ ብምንባሩ ኣብነት ይዀነና።

5:12 የሆዋ መገድታቱ ኸም ዝመሃረናን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት ከም ዘኽኣለናን ክንርስዕ የብልናን።

6:1-7 ዳዊት ነቲ ታቦት ብሰረገላ ኼግዕዞ ዝገበሮ ፈተነ: ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሱ እኳ እንተ ገበሮ: ንትእዛዝ የሆዋ ዚጥሕስ ስለ ዝነበረ ግን ኣይሰለጦን። (ዘጸኣት 25:13, 14፣ ዘሁልቍ 4:15, 19፣ 7:7-9) ዑዛ ነቲ ታቦት ብምሓዙ ዝመጾ ሳዕቤን እውን: ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊስካ ዚግበር ነገራት ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ነገር ከም ዘይቅይሮ ይሕብረና።

6:8, 9 ዳዊት ኣብቲ ፈታኒ እዋን ፈለማ ብጓሂ ሓረረ: ደሓር ድማ ፈርሀ። ምናልባት እውን የሆዋ በቲ ዜሕዝን ፍጻመ ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ገይሩ ሓሲቡ ነይሩ ይኸውን። ንየሆዋ በቲ ትእዛዛቱ ብምጥሓስ ዜጋጥመና ጸገማት ተሓታቲ ኸይንገብሮ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

7:18, 22, 23, 26 ነቲ ዳዊት ዝነበሮ ትሕትና: ንየሆዋ በይኑ ዝነበሮ ተወፋይነት: ከምኡውን ንስም ኣምላኽ ኬዕቢ ዝነበሮ ተገዳስነት ክንቀድሖ ኣሎና።

8:2 ኣስታት 400 ዓመት ኣቐዲሙ እተነግረ ትንቢት ተፈጸመ። (ዘሁልቍ 24:17) ቃል የሆዋ ወትሩ ይፍጸም እዩ።

9:1, 6, 7 ዳዊት መብጽዓኡ ሓለወ። ንሕናውን ቃልና ንምሕላው ክንጽዕር ኣሎና።

የሆዋ ንቕቡኡ ኽፉእ ኣተንስኣሉ

(2 ሳሙኤል 11:1–20:26)

የሆዋ ንዳዊት “እንሆ: ካብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስኣልካ እየ: ነንስትኻ ኣብ ቅድሜኻ ወሲደ ንብጻይካ ኽህቦ እየ: ንሱ ኸኣ ምስተን ኣንስትኻ: ኣብ ቅድሚ እዛ ጸሓይ እዚኣ ኺድቅስ እዩ” በሎ። (2 ሳሙኤል 12:11) ከምዚ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ ዳዊት ምስ ባትሴባ ሓጢኣት ስለ ዝፈጸመ እዩ። ብምንስሑ ሓጢኣቱ እኳ እንተ ተሓድገሉ: ካብቲ ሓጢኣቱ ዘስዓበሉ ሳዕቤናት ግን ኣይተናሕፈን።

ፈለማ እቲ ባትሴባ ዝወለደቶ ሕጻን ሞተ። ድሕሪኡ እታ ድንግል ዝነበረት ታማር ጓል ዳዊት በቲ በቦ ሓዋ ዝነበረ ኣምኖን ተዓመጸት። እቲ በቦ ዀነ በደ ሓዋ ዝነበረ ኣቤሴሎም ሕነ ሓብቱ ንኣምኖን ቀተሎ። ኣቤሴሎም ነቦኡ ንምግምጣል ተመሻጠረ: ኣብ ኬብሮን ንጉስ ምዃኑ ድማ ኣወጀ። ዳዊት ካብ የሩሳሌም ኪሃድም ተገደደ። ኣቤሴሎም ምስተን ቤት ኪሕልዋ እተሓድጋ ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ ጾታዊ ርክብ ፈጸመ። ኣቤሴሎም ምስ ተቐትለ: ዳዊት ናብ ንግስናኡ ተመልሰ። ሸባዕ ዚበሃል ብንያማዊ ሰብኣይ ዘበገሶ ዕልዋ: ብሞቱ ተዛዘመ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

14:7—“እያድ” ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ እቲ ቐስ ኢሉ ዚነድድ እያድ ነቲ ህያው ወራሲ እዩ ዜመልክት።

19:29—ዳዊት ነቲ መፊቦሸት ዝሃቦ መግለጺ በዚ ኣገባብ እዚ ዝመለሰሉ ስለምንታይ እዩ፧ ዳዊት ንመፊቦሸት ምስ ሰምዖ: ነቲ ጺባ ዝበሎ ኸም ዘለዎ ምቕባሉ ጌጋ ኸም ዝገበረ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ። (2 ሳሙኤል 16:1-4፣ 19:24-28) እዚ ኸኣ ንዳዊት ኣበሳጭይዎ ይኸውን: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ተወሳኺ ነገር ኪሰምዕ ኣይደለየን።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

11:2-15 ጕድለት ዳዊት ብግሁድ ተመዝጊቡ ምርካብና: መጽሓፍ ቅዱስ ብመሪሕነት መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ የረጋግጸልና።

11:16-27 ከቢድ ሓጢኣት ክንፍጽም ከለና: ከም ዳዊት ክንሽፍኖ ኽንጽዕር የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ: ሓጢኣትና ንየሆዋ ኽንናዘዝን ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ሓገዝ ክንደልን ይግባእ።—ምሳሌ 28:13፣ ያእቆብ 5:13-16

12:1-14 ናታን ነቶም ኣብ ጉባኤ እተሸሙ ሽማግለታት ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀኖም። ሽማግለታት ነቶም ኣብ ሓጢኣት ዝወደቑ: መገዶም ኬዐርዩ ኺሕግዝዎም እዩ ዘለዎም። ነዚ ሓላፍነት እዚ ኸኣ ብጥበብ ኪፍጽምዎ ይግባእ።

12:15-23 ዳዊት እንታይ ከም ዘጋጠሞ ብትኽክል ይፈልጥ ምንባሩ: ነቲ ጸበባኡ ግቡእ ምላሽ ንኺህብ ሓገዞ።

15:12፣ 16:15, 21, 23 ኣቤሴሎም ናብ ዝፋን ከም ዚወጽእ ምስ ተፈልጠ: እቲ በሊሕ ኣማኻሪ ዝነበረ ኣሒቶፌል ካብ ትዕቢትን ህርፋን ስልጣንን ተላዒሉ ኸድዐ። በሊሕ ኣእምሮ ብዘይ ትሕትናን ተኣማንነትን ከም መፈንጠራ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

19:24, 30 መፊቦሸት ነቲ ዳዊት ዘርኣዮ ሳህሊ ብሓቂ የማስወሉ እዩ ነይሩ። ነቲ ንጉስ ብዛዕባ ጺባ ዝወሰኖ ውሳነ ብፍታው ተገዝኦ። ንየሆዋን ንማሕበሩን ዘሎና ሞሳ እውን ተገዛእቲ ኽንከውን ኪድርኸና ኣለዎ።

20:21, 22 ናይ ሓደ ሰብ ጥበብ ወይ ብልህነት: ንብዙሓት ካብ ጥፍኣት ኬድሕን ይኽእል።—መክብብ 9:14, 15

‘ኣብ ኢድ የሆዋ’ ንውደቕ

(2 ሳሙኤል 21:1–24:25)

ሳኦል ንጊብዖናውያን ብምቕታሉ ናይ ደም ገበነኛ ስለ ዝነበረ: ንሰለስተ ዓመት ጥሜት ኰነ። (እያሱ 9:15) ጊብዖናውያን ሕነኦም ንምፍዳይ ሸውዓት ደቂ ሳኦል ኪቕተሉ ኺወሃብዎም ሓተቱ። ዳዊት ከኣ ናብ ኢድ ጊብዖናውያን ኣሕሊፉ ሃቦም: እቲ ድርቂ ኸኣ ብኸቢድ ዝናም ኣብቅዐ። ኣርባዕተ ገዘፍቲ ፍልስጥኤማውያን “ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን . . . ወደቑ።”—2 ሳሙኤል 21:22

ዳዊት ዘይሕጋዊ ቘጸራ ህዝቢ ኺግበር ብምእዛዙ: ከቢድ ሓጢኣት ፈጸመ። ድሕርዚ ተነስሐ: “ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር” ኪወድቕ ድማ መረጸ። (2 ሳሙኤል 24:14) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ 70,000 ዝዀኑ ብፌራ ተቐዝፉ። ዳዊት ትእዛዝ የሆዋ ሰዓበ: እቲ መቕዘፍቲ ድማ ደው በለ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

21:8—ኣብ 2 ሳሙኤል 6:23 ሚካል ጓል ሳኦል ክሳዕ ዝሞተትላ መዓልቲ ወሉድ ከም ዘይነበራ ተገሊጹ ክነሱ: ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ሓሙሽተ ኣወዳት ከም ዝነበርዋ እተጠቕሰ፧ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበ መግለጺ: እዞም ኣወዳት እዚኣቶም እታ ንዓርድኤል እተመርዓወት ሜራብ ሓብቲ ሚካል ዝወለደቶም እዮም ዚብል እዩ። ሜራብ ብንእስነታ ሞይታ ኽትከውን ኣለዋ: ሚካል ከኣ ነቶም ኣወዳት ኣዕበየቶም።

21:9, 10—ሪጽጳ ነቶም ብጊብዖናውያን እተቐትሉ ኽልተ ደቃን ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ደቁ ንሳኦልን ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እያ ሓልያቶም፧ እዞም ሾውዓተ “በቲ ዓጺድ ስገም ዚጅምረሉ . . . ብጊዜ ቐውዒ:” ማለት መጋቢት ወይ ሚያዝያ ተሰቕሉ። ሬሳኦም ኣብ ኣኽራን እዩ ነይሩ። ሪጽጳ ኽሳዕ እቲ የሆዋ ነቲ ድርቂ ብምዝዛም ቍጥዓኡ ኸም ዝዘሓለ ዝገለጸላ እዋን መዓልትን ለይትን ሓለወቶም። ክሳዕ እቲ ቐውዒ ዚዛዘመሉ ወርሒ ጥቅምቲ ኣቢሉ: ከቢድ ዝናም ኪወቅዕ ዘይመስል እዩ ነይሩ። ስለዚ: ሪጽጳ ንሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ሓልያቶም ክትከውን ትኽእል እያ። ድሕሪኡ: ዳዊት ነዕጽምቶም ከም ዚቕበር ገበረ።

24:1—ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምቝጻሩ ኸቢድ ሓጢኣት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንህዝቢ ምቝጻር: በቲ ሕጊ ኽልኩል ኣይነበረን። (ዘሁልቍ 1:1-3፣ 26:1-4) ዳዊት ካብ ምንታይ ዕላማ ተበጊሱ ነዚ ኸም ዝገበሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሕብርን እዩ። ይኹን እምበር: 1 ዜና መዋእል 21:1 ሰይጣን ነዚ ኺገብር ከም ዘለዓዓሎ ትገልጽ። እቲ ሓለቓ ሰራዊት ዝነበረ ዮኣብ እውን ነቲ ዳዊት ነቲ ህዝቢ ንኪቘጽር ዝገበሮ ውሳነ ጌጋ ምዃኑ ፈሊጡ ነይሩ: ንዳዊት እውን ካብዚ ኼታርፎ ፈቲኑ ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

22:2-51 ዳዊት ኣብ ዝዘመሮ መዝሙር: ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንውከሎ ዘሎና ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ ብጽቡቕ ይገልጾ።

23:15-17 ዳዊት ነቲ ንህይወትን ደምን ዚምልከት ሕጊ ኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮ: ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ ምጥሓስ ሕጊ ዚመስል ነገር እኳ ኻብ ምግባር ነፍሱ ገትአ። ንሕናውን ንዅሉ ሕግታት ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኣሎና።

24:10 ሕልና ዳዊት ንኺንሳሕ ደረኾ። ሕልናናኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምላሽ ይህብ ድዩ፧

24:14 የሆዋ ኻብ ሰባት ንላዕሊ መሓሪ ምዃኑ: ዳዊት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ኣሎናዶ፧

24:17 ዳዊት ሓጢኣቱ ኣብ ብምሉኡ እቲ ህዝቢ ስቓይ ምምጻኡ ኣጠዓሶ። ሓደ ዚንሳሕ ኣበሰኛ እውን እቲ ተግባራቱ ኣብታ ጉባኤ ብዘምጸኦ ጸርፊ ኺጠዓስ ኣለዎ።

‘ከም ልቢ ኣምላኽ ዝበልና’ ሰባት ክንከውን ንኽእል ኢና

እቲ ኻልኣይ ንጉስ እስራኤል ‘ከም ልቢ እግዚኣብሄር ዝበለ ሰብኣይ’ እዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 13:14) ዳዊት ንጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ኣብ ሕቶ ኣእቲዎ ኣይፈልጥን እዩ: ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ብርእሱ ኺምራሕ እውን ኣይደለየን። ጌጋ ኣብ ዝገበረሉ ዘበለ: ሓጢኣቱ ተኣመነ: ተግሳጽ ተቐበለ: መገድታቱ ድማ ኣዐረየ። ብንጽህና ዚመላለስ ሰብ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ክንጋገ ኸለና: ከምኡ እንተደኣ ዄንና ጥበብዶ ኸይኰነ፧

ንልዑላውነት የሆዋ ኣፍልጦ ምሃብ ኪበሃል ከሎ: ነቲ ንጽቡቕን ክፉእን ዚምልከት ስርዓታቱ ምቕባል ከምኡውን ንጽህናኻ ሓሊኻ ምእንቲ ኽትመላለስ ነቲ ስርዓታት ምሕላው ከም ዜጠቓልል: ታሪኽ ህይወት ዳዊት ብንጹር ይገልጽ። እዚ ኸኣ ክንገብሮ እንኽእል ነገር እዩ። ነቲ ኻብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል እንመሃሮ ትምህርትስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ብሓቂ ህያውን መስለጥን እዩ።—እብራውያን 4:12

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሳሙኤል ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ምጽሓፍ ግደ እኳ እንተ ዘይነበሮ: እተን ቀዳማይን ካልኣይን ሳሙኤል ዚበሃላ ኽልተ መጻሕፍቲ ኣብ ቀኖና እብራይስጢ ኣብ ሓደ ጥቕላል ስለ ዝነበራ እየን: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብስሙ እትጽዋዕ። ሳሙኤል መብዛሕትኡ ኽፋል ቀዳማይ ሳሙኤል ጽሒፉ እዩ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ መን ከም ዘቘሞ ምዝካሩ: ትሑት ኰይኑ ኪቕጽል ኣኽኣሎ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

“እንሆ: ካብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስኣልካ እየ”

ባትሴባ

ታማር

ኣምኖን