ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓዊረ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣዒንተይ ተኸፍታ!

ዓዊረ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣዒንተይ ተኸፍታ!

ታሪኽ ህይወት

ዓዊረ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣዒንተይ ተኸፍታ!

ኤጎን ሃውሰር ዘዘንተዎ

ንኽልተ ወርሒ ዚኣክል ቃል ብቓሉ ምስ ዓወርኩ: ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዕሽሽ ኢለዮ ዝነበርኩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ንምርኣይ ኣዒንተይ ተኸፍታ።

ነቲ ኻብ ዝውለድ ኣትሒዘ ዘሕለፍክዎ ልዕሊ ሰብዓ ዓመት ሕስብ ከብሎ ኸለኹ: መብዛሕትኡ ዝገበርክዎ ነገራት የሐጕሰኒ እዩ። እንተዀነ ግን: ምልስ ኢለ ንህይወተይ ክልውጥ እንተ ዝኽእል: ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኣቐዲመ ኽፈልጥ ምደለኹ።

ብ1927 ኣብ ኡራጋይ ተወለድኩ። ኡራጋይ ኣብ መንጎ ኣርጀንቲናን ብራዚልን እትርከብ ባህ ዜብል ገማግም ኣትላንቲክ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር እያ። መብዛሕትኦም ካብቶም ህዝባ ዘርኢ እቶም ካብ ጣልያንን ስጳኛን ዝፈለሱ ህዝቢ እዮም። ወለደይ ግን ካብ ሃንጋሪ ዝፈለሱ ነበሩ። ንእሽቶ ኸለኹ ኸኣ ደቂ ገዛውትና ተራ ሰባት እኳ እንተ ነበሩ ኣጸቢቖም ግን ዚቀራረቡ ነበሩ። መዓጹና ብመፍትሕ ክንዓጽዎ ወይ መሳዅትና ኽንሽጕሮ ኣየድልየናን እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎና ዓሌታዊ ጽልኢ ኣይነበረን። ወጻእተኛታት ንኹን ደቀባት: ጸለምቲ ንኹን ጸዓዱ—ኵላትና ኣዕሩኽ ነበርና።

ወለደይ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ እዮም ነይሮም: ኣነውን ኣብ ዓሰርተ ዓመተይ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከገልግል ጀመርኩ። ምስ ዓበኹ: ምስቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ሰበኻ እዓዪ ነበርኩ: ኣባል እቶም ንኣቡን ዜማኽሩ ጕጅለ ድማ ኰንኩ። ኣብ ዓውዲ ሕክምና ኽኣቱ ስለ ዝመረጽኩ: ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ቨነዝወላ ኣብ ዘዳለወቶ ሰሚናር ክሳተፍ ተጸዋዕኩ። ነቶም ናይ ማሕጸን ሓካይም ዘበልና: ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዚተኣታቶ ዝነበረ ብኣፍ ዚውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ንኸነጽንዕ ሓላፍነት ተዋህበና።

ናይ ሕክምና ተማሃራይ ከለኹ ዝመሰጠኒ ነገራት

ገና ናይ ሕክምና ተማሃራይ ኰይነ ብዛዕባ ኣካላት ወድሰብ ክመሃር ከለኹ: በቲ ኣካላትና ኣብ እተፈጥረሉ ኣገባብ እተራእየ ጥበብ ብዝያዳ ተመሰጥኩ። ንኣብነት: ጸላም ከብዲ ወይ ገሊኡ መሰንገለ ምስ ተቘርጸ ናብቲ ንቡር መጠኑ ኽዓቢ ምኽኣሉን ካልእ ክፋል ኣካላትና እውን ባዕሉ ናይ ምሕዋይ ክእለት ዘለዎ ምዃኑን ኣስደመመኒ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኸቢድ ሓደጋታት ዘጋጠሞም ሓያሎ ሰባት ኣጓነፉኒ: ደም ስለ እተዋህቦም ኪሞቱ ብምርኣየይ እውን ሓዘንኩ። ነዝማድ እቶም ብሰንኪ ደም ምውሳዶም ዚሞቱ ሕሙማት ምዝርራቦም ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ኽሳዕ ሕጂ እዩ ትዝ ዚብለኒ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ኣዝማድ እቲ ዜፍቅርዎ ሰብ ደም ስለ እተዋህቦ ኸም ዝሞተ ዘይኰነስ: ካልእ ምኽንያት እዩ ዚንገሮም። ሓያሎ ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ: ምምሕልላፍ ደም ይርብሸኒ ምንባሩ ትዝ ይብለኒ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ እዚ ነገር እዚ ገለ ሽግር ኣለዎ ኣብ ዚብል መደምደምታ በጻሕኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ብዛዕባ ቕድስና ደም ዘውጽኦ ሕጊ እንተ ዚፈልጥ ነይረ እሞ መን ምሃበ! ሽዑ ነዚ እንተ ዝፈልጥ ነይረ: እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ነገር ንምንታይ ይርብሸኒ ኸም ዝነበረ ምተረድኣኒ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:19, 20

ንሰባት ብምሕጋዝ ዚርከብ ዕግበት

ድሕሪ ግዜ ኣብ ማእከል ሕክምና ሳንታ ሉስያ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪምን ዳይረክተርን ኰንኩ። ኣብ ሃገራዊ ትካል መጽናዕቲ ስነ-ህይወት እውን ሓላፍነት ነበረኒ። እዚ ብዙሕ ዕግበት እዩ ኣምጺኡለይ። ንሕሙማት ሓገዝክዎም: ካብ ስቓዮም እፎይታ ኸም ዚረኽቡ ገበርኩ: ብዙሕ ሳዕ ህይወት ሰባት ኣድሓንኩ: ነዴታት አሕርሰን ብምንባረይ ድማ ዕሸላት ናብዛ ዓለም ኣምጻእኩ። ኣቐዲመ ንምምሕልላፍ ደም ብዚምልከት ዘጋጠመኒ ነገራት ስለ ዝነበረ: ኣብ መጥባሕቲ ደም ምጥቃም ኣቋረጽኩ: በሽሓት ዚቝጸር መጥባሕትታት ድማ ብዘይ ደም ገበርኩ። ምፍሳስ ደም ልክዕ ከም በርሚል ምስ ዚነኵል ዜጋጥም ነገር እዩ ዚብል ኣረኣእያ ነበረኒ። እቲ እንኮ ናይ ሓቂ መፍትሒ ነቲ ነዃል ምዕባስ ደኣ እምበር: ነቲ በርሚል መመሊስካ ምምላእ ኣይኰነን።

ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕሙማት ምሕካም

ፈለማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፋለጥኩ: ብዘይ ደም መጥባሕቲ ኺግበረሎም ደልዮም ናብ ክሊኒክና ኺመጹ ኻብ ዝጀመሩሉ 1960ታት ኣትሒዘ እየ። ንሓንቲ መርሴዴስ ጎንዛለዝ እትበሃል ፓይነር (ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት) ዘጋጠማ ነገር ክሳዕ ሕጂ ኻብ ኣእምሮይ ኣይጠፍአን። መጠን ደማ ኣዝዩ ብምውሓዱ: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ዚርከቡ ሓካይም ካብ ሞት ዘይተምልጥ ኰይኑ ስለ እተሰምዖም: መጥባሕቲ ኺገብሩላ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ደም ይፈሳ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ክሊኒክና መጥባሕቲ ገበርናላ። እቲ መጥባሕቲ ኣዝዩ ዕዉት ኰነ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ 86 ዓመታ ኽሳዕ እትመውት ከኣ ንልዕሊ 30 ዓመት ፓይነር ኰይና ኣገልገለት።

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ዜርእይዎ ፍቕርን ሓልዮትን ይምስጠኒ ነበረ። ኣብ ሆስፒታል ንሕሙማት ክበጽሖም ከለኹ: ዕላሎም ባህ ይብለኒ ነበረ: ነቲ ዚህቡኒ ጽሑፋት ድማ እቕበሎም ነበርኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ሓኪሞም ጥራይ ዘይኰነስ: ብመንፈስ ሓዎም ኪኸውን ምዃነይ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

ንቢያትሪስ እትበሃል ጓል ሓደ ዝሓከምክዎ ሕሙም ምስ ተመርዓኹ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ርክብ ዝያዳ ጠበቐ። መብዛሕትኦም ኣባላት ስድራቤታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይሓብሩ ነበረ። ምስ ተመርዓና ኸኣ ንሳውን ንጥፍቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት። ኣነ ግን ጻዕቒ ስራሕ ነበረኒ: ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዝረኸብክዎ ዝና ድማ የሐጕሰኒ ነበረ። ህይወተይ እተማልአ ይመስል ነበረ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ከቢድ ሽግር ኬጋጥመኒ ምዃኑ ግን ኣይፈልጥኩን ነይረ።

ሽግር ኣጋጠመኒ

ሓደ ኻብቲ መጥባሕቲ ንዚገብር ሓኪም ኬጋጥሞ ዚኽእል ዝኸፍአ ነገራት ዑረት እዩ። እዚ ኸኣ ንዓይ ኣጋጢሙኒ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ረቲናይ (ኣብ ውሽጢ ዓይኒ ዚርከብ ህዋስ ብርሃን) ምብታኽ ሱር ደም ስለ ዘጋጠመኒ ዓወርኩ: እንደገና ኽርኢ እንተ ዀይነ ኽፈልጠሉ ዝኽእል መገዲ እውን ኣይነበረን። መጥባሕቲ ምስ ተገብረለይ እሞ ክልቲኡ ዓይነይ ተሸፊኑ ኣብ ዓራት ደቂሰ ኸለኹ ሕልናይ ዓረበኒ። ዋላ ሓንቲ ዋጋ ዘይብለይን ባዶን ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ: ህይወተይ ከጥፍእ ከኣ መደብኩ። ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ስለ ዝነበርኩ: ካብ ዓራተይ ተንሲአ መንደቕ መንደቕ እናዳህሰስኩ ነቲ መስኮት ክረኽቦ ፈተንኩ። ካብኡ ዘሊለ ህይወተይ ከጥፍእ ደልየ ነይረ። ይኹን እምበር: ከይተረድኣኒ ናብ ኮሪደር እቲ ሆስፒታል እየ ኸይደ: ሓንቲ ነርስ ድማ መሪሓ ናብ ዓራተይ መለሰትኒ።

እንደገና ህይወተይ ከጥፍእ ኣይፈተንኩን። እንተዀነ ግን: ዓዊረ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ሕልናይ ብቐሊሉ ዚዓርበንን ዝበሳጮን ነበርኩ። እንደገና ኽርኢ እንተ ኽኢለ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ንጫፍ ከንብብ ምዃነይ ንኣምላኽ ተመባጻዕኩ። በብቕሩብ ዓይነይ ብእተወሰነ መዳይ ተኸፍተለይ: ከንብብ ከኣ ከኣልኩ። ናይ መጥባሕቲ ሓኪም ግን ክኸውን ኣይከኣልኩን። ይኹን እምበር: ኣብ ኡራጋይ “ኖ ሃይ ማል ኬ ፖር ብየን ኖ ቨንጋ” ማለት “ጽቡቕ ዚበሃል ዘይብሉ ኣዝዩ ሕማቕ ነገር የልቦን” ዚብል ብሂል ኣሎ። እዚ ብሂል እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣብ ህይወተይ ዝረኣኹሉ እዋን ይመጽእ እዩ ነይሩ።

ሕማቕ ኣጀማምራ

ድሕርዚ: ብፍሩይ ፊደላት እተጻሕፈ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ክዕድግ ደለኹ። እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋጋኡ ዝሓሰረ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዎም ፈለጥኩ: ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤተይ ከምጽኣለይ ፍቓደኛ ዀነ። ንጽብሒቱ ንግሆ: መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ናብ ቤተይ መጸ። ብዓልቲ ቤተይ ነቲ ማዕጾ ኸፊታ ኣዘራረበቶ። ኣብ ውሽጢ ቤትና ዀይነ ዋጋ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኸፊላቶ: ኣብ ቤትና ዚጸንሓሉ ምኽንያት ስለ ዘይብሉ ኪኸይድ ከም ዘለዎ ዓው ኢለ ተዛረብክዋ። እቲ ዜሕዝን ከኣ ብኡንብኡ ተመሊሱ ኸደ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ግደ ኺህልዎ ምዃኑ ግን ኣይፈለጥኩን ነይረ።

ሓደ መዓልቲ ንብዓልቲ ቤተይ መብጽዓ ኣተኹላ: ክፍጽሞ ግን ኣይከኣልኩን። ስለዚ: ምእንቲ ክኽሕሳን ከሐጕሳን ኢለ ናብቲ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምስኣ ክኸይድ ምዃነይ ነገርክዋ። እታ መዓልቲ ምስ ኣኸለት: መብጽዓይ ዘኪረ ምስኣ ናብቲ ኣኼባ ኸድኩ። እቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎ ምቅርራብን ጽቡቕ ኣቀባብላን መሰጠኒ። እቲ ተዛራባይ ዝርርብ ኬቕርብ ምስ ጀመረ: እቲ ሕማቕ ዘረባ ብምዝራብ ካብ ቤተይ ዝሰጐጕክዎ መንእሰይ ምዃኑ ምስ ረኣኹ ሰምበድኩ። ዝርርቡ ውሽጠይ ተንከፈኒ: ጽቡቕ ገይረ ስለ ዘይተቐበልክዎ ድማ ሓዘንኩ። ብኸመይ እየ እሞ ክኽሕሶ ዝኽእል፧

ንብዓልቲ ቤተይ ድራር ክትዕድሞ ሓተትክዋ: ንሳ ግን “ባዕልኻ እንተ ትዕድሞዶ ኣይምሓሸን፧ ስቕ ኢልካ ጥራይ ተጸበ: ባዕሉ ናባና ኺመጽእ እዩ” በለትኒ። ከምቲ ዝበለቶ ድማ ኰነ። ሰላም ኪብለና መጸ: ተሓጒሱ ድማ ነቲ ዕድመ ተቐበሎ።

ካብታ ኽበጽሓና ዝመጸላ ምሸት ዝገበርናዮ ምይይጥ ኣትሒዘ ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ለውጥታት ክገብር ጀመርኩ። ነታ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ a ዘርእስታ መጽሓፍ ኣርኣየኒ: ኣነውን ሽዱሽተ ቕዳሓት እታ መጽሓፍ እቲኣ ኸም ዘሎኒ ኣርኣኽዎ። እተፈላለዩ ዝሕክሞም ዝነበርኩ ሕሙማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሆስፒታል ዝሃቡኒ እየን ነይረን። እንተዀነ ግን: ነታ መጽሓፍ ኣንቢበያ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ድራር እናተደረርናን ድሕሪ ድራርን ብዙሕ ሕቶታት ሓተትክዎ: ንሱውን ንዅሉ ሕቶታተይ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ መለሰለይ። እቲ ምይይጥ ፍርቂ ለይቲ ኽሳዕ ዚሓልፍ ቀጸለ። እቲ መንእሰይ ቅድሚ ምኻዱ ብመጽሓፍ ሐቂ ጌርና ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጽንዕ ሕቶ ኣቕረበለይ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ነታ መጽሓፍ ኣጽኒዕና ወዳእናያ: ድሕሪኡ ኸኣ በታ “ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ!” መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!* ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርና መጽናዕትና ቐጸልና። ድሕሪኡ: ህይወተይ ንየሆዋ ኣምላኽ ወፍየ ተጠመቕኩ።

ከም ብሓድሽ ዋጋ ዘሎኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ

ቃል ብቓሉ ኣዒንተይ ብምዕዋሩ: ‘ኣዒንቲ ልበይ’ ተኸፍታ: ነቲ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዕሽሽ ኢለዮ ዝነበርኩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ድማ ክርእዮ ኸኣልኩ። (ኤፌሶን 1:18) ንየሆዋን ነቲ ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ዕላማኡን ምፍላጠይ ንብምሉኡ ህይወተይ ቀየሮ። ከም ብሓድሽ ዋጋ ዘሎኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ: ሓጐስ እውን ረኸብኩ። ንሰባት ብኣካላውን ብመንፈሳውን መዳይ ክሕግዞም ጀመርኩ: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ንሒደት ዓመታት ብኸመይ ህይወቶም ከም ዜናውሑን ኣብ ሓድሽ ኣገባብ ብኸመይ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩን ክሕብሮም ጀመርኩ።

ማዕረ ማዕረ እቲ ዚግበር ሕክምናዊ ምዕባለታት እውን እጐዓዝ ነበርኩ። ምምሕልላፍ ደም ብዛዕባ ዘለዎ ጕድኣት: ብዛዕባ ኣማራጺ ሕክምናታት: ብዛዕባ መሰላት ሕሙማት: ከምኡውን ብዛዕባ ባዮኤቲክስ ምርምር ገበርኩ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ናይ ሕክምና ሰሚናራት ዝርርብ ንኽህበሉ ምስ ተዓደምኩ: ነቶም ኣብ ዓድና ዘለዉ ሰብ ሞያ ሕክምና ነኸካፍሎም ኣጋጣሚታት ረኸብኩ። ብ1994 ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ: ብራዚል: ኣብ እተገብረ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና ተኻፈልኩ: ንምፍሳስ ደም ብኸመይ ክትሕክሞ ኸም ዚግባእ ድማ ዝርርብ ሃብኩ። ገለ ኽፋል እቲ ሽዑ ዝሃብክዎ ሓበሬታ ኣብታ ሄሞተራፒ እትበሃል ናይ ሕክምና መጽሔት “ኡና ፕሮፕወስታ፤ ኢስተራተኽያስ ፓራ ኢል ተራታምየንቶ ዴ ላስ አይማራኸያስ (“ንሕክምና ጸረ-ምፍሳስ ደም ዚኸውን ስልቲ ዝሓዘ ርእይቶ”) ኣብ ዘርእስታ ባዕለይ ዝጸሓፍክዋ ዓንቀጽ ወጸ።

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንጽህናይ ምሕላው

ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደም ዝሓደረኒ ምጥርጣራት ብዓብዪኡ ኣብቲ ዝነበረኒ ስነ-ፍልጠታዊ ምርዳእ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣነ ንባዕለይ ሓሚመ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተኹ: ደም ንኸይወሃበኒ ምእባይን ካብ ሓካይም ከቢድ ጸቕጢ እናወረደኒ እምነተይ ሒዘ ምቕጻልን ከቢድ ኰይኑ እየ ረኺበዮ። ድኻም ልቢ ምስ ኣጋጠመኒ: ንሓደ መጥባሕቲ ዚገብር ሓኪም ንልዕሊ ኽልተ ሰዓት ኣቕዋመይ ክገልጸሉ ነበረኒ። ወዲ ሓደ ዚቐርበኒ ፈታውየይ ብምንባሩ: ደም ብምሃብ ህይወተይ ኬድሕን ዚኽእል እንተ ዀይኑ: ክመውት ስቕ ኢሉ ኸም ዘይርእየኒ ነገረኒ። እቲ ሓኪም ነቕዋመይ ዋላ እውን እንተ ዘይደገፎ ንኺርድኦን ንኬኽብረለይን የሆዋ ምእንቲ ኪሕግዞ: ብልበይ ጸለኹ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ሓኪም ድሌተይ ከማልኣለይ ተመባጽዐ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ካብ ጽኪ ፕሮስተይት ዓብዪ ጥረ ብመጥባሕቲ ወጺኡለይ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ደም ፈሰሰኒ። ሽዑውን ደም ዘይወስደሉ ምኽንያት ክገልጽ ነይሩኒ: ክልተ ሲሶ ደመይ እኳ እንተ ፈሰሰ: እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ነቕዋመይ ኣኽበሩለይ።

ናይ ኣረኣእያ ለውጢ

ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበር ባዮኤቲክስ ከም ምዃነይ መጠን: ሰብ ሞያ ሕክምናን ሕጋውያን ሰበ-ስልጣንን ብዛዕባ መሰላት ሕሙማት ዘለዎም ኣረኣእያ ኪቕየር ብምርኣየይ ዕግበት ረኺበ እየ። ሓካይም ባዕሎም ንኽውስኑ ዝነበሮም ኣረኣእያ: ንሕሙም ኣረዲእካ ነቲ ዚሰማምዓሉ ነገር ምኽባር ብዚብል ኣረኣእያ ተተክአ። ሕጂ ንሕሙማት እንታይ ዓይነት ሕክምና ኸም ዚደልዩ ንኺመርጹ ይፈቕዱሎም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕክምናዊ ቘላሕታ ኺግበረሎም ዘይግባእ ደረቓት ከም ዝዀኑ ጌርካ ኣይኰኑን ዚረኣዩ ዘለዉ። ኣብ ክንድኡስ: እቶም መሰላቶም ኪኽበረሎም ዚግባእ እኹል ፍልጠት ዘለዎም ሰባት ከም ዚዀኑ ጌርካ እዮም ዚርኣዩ። ፍሉጣት ፕሮፌሰራት ኣብ ናይ ሕክምና ሰሚናራትን መደባት ተለቪዥንን “ሳላ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ጻዕርታት: ሕጂ ተረዲኡና . . .” “ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር . . . ተማሂርና” “ንኸነመሓይሽ ምሂሮምና እዮም” ኪብሉ ተሰሚዖም እዮም።

ናጽነት: ሓርነት: ከምኡውን ክብረት ብዘይ ህይወት ትርጕም ስለ ዘይብሉ: ህይወት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ምዃና ይዝረብ ነይሩ። ሕጂ ግን ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ወናኒ ብሕታዊ መሰላቱ ምዃኑ ኸምኡውን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ነየናይ ካብ መሰላቱ ቐዳምነት ከም ዚህብ ባዕሉ ኺውስን ከም ዚግባእ ብዙሓት ኣፍልጦ ስለ ዝሃቡሉ: ነቲ ዝለዓለ ሕጋዊ ኣምር ይቕበልዎ ኣለዉ። በዚ ኸምዚ: ክብረት: ናይ ምምራጽ ናጽነት: ከምኡውን ሃይማኖታዊ እምነት ቀዳምነት ይወሃቦ ኣሎ። እቲ ሕሙም ብርእሱ ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎ። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳለዉዎ ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት ንሓያሎ ሓካይም ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎም ምርዳእ ንኼመሓይሹ ሓጊዝዎም እዩ።

እቲ ስድራቤተይ ዝገበሩለይ ዘየቋርጽ ሓገዝ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጠቓሚ ንክኸውንን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሽማግለ ዀይነ ንኸገልግልን ኣኽኢሉኒ እዩ። ኣቐዲመ ኸም ዝጠቐስክዎ: እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜጣዕሰኒ ነገር ብዛዕባ የሆዋ ኣቐዲመ ብዘይ ምፍላጠይ እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ “ሓደ እኳ ሕሙም እየ” ዚብል ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህሉ ዜደንቕ ተስፋ ንኽፈልጥ ኣዒንተይ ስለ ዝኸፈተለይ: ብዙሕ እየ ዘማስዎ።—ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990 b

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እናተዳለወት ከላ: ሓው ኤጎን ሃውሰር ዓሪፉ እዩ። ተኣማንነቱ ሓልዩ እዩ ሞይቱ: እተረጋገጸ ተስፋ ስለ ዘለዎ ድማ የሐጕሰና እዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ 30ታት ዕድመይ ኣብ ሆስፒታል ሳንታ ሉስያ ኽዓዪ ኸለኹ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1995 ምስ ብዓልቲ ቤተይ ቢያትሪስ