ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክዕምጻ ምስ ዝደሊ ኸተእዊ ኣለዋ ዝብል ስለምንታይ እዩ፧

ብጾታዊ ርክብ ናይ ምዕማጽ ዘሸቝርር ተመክሮ ዘየጋጠሞ ሰብ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ንህይወትካ ከም ዝጽይቖ ፈጺሙ ክርድኦ ኣይክእልን እዩ። ኣዝዩ ዘሰቅቕ ተመክሮ ብምዃኑ ከምዚ ዘጋጠማ ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ዝተረፈ ህይወታ ኽትንክፎ ይኽእል እዩ። a ገለ ዓመታት ይገብር ሓደ ሰብኣይ ዝዓመጻ ሓንቲ ክርስትያን ከምዚ በለት:- “እቲ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ዝነበረኒ ራዕዲ ዀነ እቲ ኻብ ሽዑ ጀሚረ ዝጻወሮ ዘሎኹ ስምዒታዊ ቝስሊ ብቓላት ክገልጾ ኣይክእልን እየ።” ስለዚ: መብዛሕትአን እዚ ኣርእስቲ እዚ ክለዓል ዘይምድላየን ዘገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እዚ ተግባር እዚ ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ዘሎ ነገር እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ምግሳስ ከይሓብአ ይነግረና እዩ። (ዘፍጥረት 19:4-11፣ 34:1-7፣ 2 ሳሙኤል 13:1-14) ይኹን እምበር: ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኽዕምጻ ምስ ዝደሊ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ እውን ምኽሪ ይህብ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እቲ ሕጊ ዝብሎ ኣብ ዘዳግም 22:23-27 ተመዝጊቡ ንረኽቦ። እዚ ንኽልተ ኣጋጣሚታት ዝሕብር እዩ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ: ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ ደቀሰ። እታ ሰበይቲ ግን ኣየእወየትን። “ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት” ከኣ ከም ገበነኛ ተቘጽረት። ኣእውያ ነይራ እንተ ትኸውን ጐረባብታ ኸናግፍዋ ምኸኣሉ ነይሮም ይዀኑ። ኣብቲ ኻልኣይ ኣጋጣሚ ድማ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል ኣብ በረኻ መሮር ረኸባ እሞ “ብሓይሊ . . . ደቀሳ።” እታ ጓል “ኣእውያ: ዜድሕና ግና ኣይነበረን።” እዛ ጓል እዚኣ ካብታ ናይ መጀመርታ ፍልይ ዘብላ ምስቲ ዝዓመጻ ብዘይ​ምስምማዓ እዩ። ብዘለዋ ሓይሊ ተቓወመቶ: ኣእወየት: ዝሕግዛ ግን ኣይረኸበትን። ምእዋያ ድማ ከይፈተወት ከም እተዓመጸት ዝሕብር እዩ: ስለዚ ሓጢኣት ኣይገበረትን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰኑ: እቲ መሰረታዊ ስርዓታቱ ግን መምርሒ ይዀኖም እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጸብጻብ ምቅዋምን ምእዋይን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሕ። ክዕምጽ ዝደሊ ሰብ ከጋጥም ከሎ ምእዋይ ጥበባዊ ስጕምቲ ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዝርአ። ሓደ ብዛዕባ ገበን ምክልኻል ኽኢላ ዝዀነ ሰብ:- ‘ሓንቲ ሰበይቲ መጥቃዕቲ ምስ ዝወርዳ: እቲ ዝበለጸ ኣጽዋራ ኣውያታ እዩ’ በለ። ኣውያት ሰባት ንኽሕግዙኻ ዝዕድም እዩ: ወይ ከኣ ነቲ ኸጥቅዕ ዝመጸ ብስምባድ ከም ዝብርግግ ዝገብሮ እዩ። ሓንቲ ናይ ምዕማጽ ፈተነ እተገብረላ ክርስትያን ሰበይቲ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “ዓው ኢለ ምስ ኣእወኹ: ገዲፉኒ ኸደ። እንደገና ተመሊሱ ምስ መጸኒ ግን እናእወኹ ሃደምኩ። ቅድሚ ሕጂ ‘ኣንቂዱ ዝመጸ ድልዱል ሰብኣይ ዓትዒቱ ምስ ዝሕዘኒ: ኣውያት ከመይ ገይሩ እዩ ኽሕግዘኒ ዝኽእል’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ሕጂ ግን ብሓቂ ኽሕግዝ ከም ዝኽእል ተረዲኤ እየ።”

ሓንቲ ሰበይቲ ንኸይትዕመጽ እናእወየት ብዙሕ ተቓሊሳ ኽነሳ ብሓይሊ ምስ እትዕመጽ: ጻዕራ ኸንቱ ኣይከውንን እዩ። ነቲ ዓማጺ ንምቅዋም ዝከኣላ ዅሉ ኸም ዝገበረት ዘርኢ እዩ። (ዘዳግም 22:26) ሽሕኳ እንተ ተዓመጸት ጽሩይ ሕልና ክህልዋ: ርእሰ⁠-​ምትእምማን ከተሕድር: ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ንጽህቲ ዀይና ክትርአ ትኽእል እያ። እቲ ዘሕለፈቶ ዘፍርህ ተመክሮ ስምዒታዊ በሰላ ክገድፈላ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ነቲ ዓማጺ ንምቅዋም ዝከኣላ ዅሉ ኸም ዝገበረት ምፍላጣ ነቲ በሰላኣ ኸሕውየላ ይኽእል እዩ።

ትሕዝቶ ዘዳግም 22:23-27 ኽንምርምር ከሎና: እዚ ሓጺር ጸብጻብ እዚ ንዅሉ እቲ ኸጋጥም ዝኽእል ኵነታት ክሓቍፍ ኸም ዘይክእል ኽንግንዘብ የድሊ። ንኣብነት: ብዛዕባ እታ ዓባስ ብምዃና: ወይ ቀልባ ስለ ዘጥፍአት: ወይ እውን ብፍርሂ እተላዕለ ከተእዊ ዘይከኣለት ወይ እውን ንኸይተእዊ ብኢድ ወይ ብጨርቂ ኣፋ እተዓብሰት ሰበይቲ ዝሃቦ ሓሳብ የለን። ይኹን እምበር: የሆዋ ንዅሉ ኣመዛዚኑ ዝርኢ ኣምላኽ ብምዃኑ ድራኸና እውን ከይተረፈ ስለ ዝፈልጥ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብምርዳእን ብፍትሕን እዩ ዝምልከተና: ከመይሲ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] እዩ።” (ዘዳግም 32:4) ብዛዕባ እቲ እተፈጸመ ነገርን እታ እተዓመጸት ሰበይቲ ንምቅዋም ዝገበረቶ ዅሉ ጻዕርን ይፈልጦ እዩ። ስለዚ እምበኣር: ሓንቲ ዓቕማ ብዝፈቐደላ መጠን ንምቅዋም ብዙሕ ዝጸዓረት ኸተእዊ ግን ዘይከኣለት ሰበይቲ ነቲ ዘጋጠማ ናይ ዓመጽ ተግባር ኣብ ኢድ የሆዋ ኽትሓድጎ ትኽእል እያ።​—⁠መዝሙር 55:22፣ 1 ጴጥሮስ 5:7

ይኹን እምበር: ገለ ኻብተን ብሓይሊ እተዓመጻ ክርስትያናት ናይ ገበን ስምዒት የሳቕየን እዩ። ነቲ ዘጋጠመን ኵነታት እናዘከራ ንምቅዋሙ ዝያዳ ኽገብራ ይኽእላ ከም ዝነበራ ዀይኑ ይስምዐን። ይኹን እምበር: እዘን ኣሓት እዚኣተን ርእሰን ኣብ ክንዲ ዝወቕሳ የሆዋ ንኽሕግዘን ክጽልያ: እቲ ብዙሕ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኸም ዝህበን ድማ ክተኣማመና ይኽእላ እየን።​—⁠ዘጸኣት 34:6፣ መዝሙር 86:5

ስለዚ: ኣብዚ እዋን እዚ ስምዒታዊ በሰላ ዘሳቕየን ዘሎ እተዓመጻ ክርስትያናት: የሆዋ ነቲ ዝስምዐን ዘሎ መሪር ስቓይ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝርድኦ ኽተኣማመና ይኽእላ እየን። ቃል ኣምላኽ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ብምባል የረጋግጸለን። (መዝሙር 34:18) ነዚ በሰላ እዚ ንኽጽመምኦ ዝሕግዘን ካልእ ነገር ከኣ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ኣመንቲ ብቕኑዕ ምርዳእን ብሕያውነትን ንዝህብወን ደገፍ ምስ ዝቕበላ እዩ። (እዮብ 29:12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብዛዕባ ዝሃንጽ ነገራት ጥራይ ንምሕሳብ ዝገብርኦ ጻዕሪ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ንኽረኽባ ኽሕግዘን ይኽእል እዩ።​—⁠ፊልጲ 4:6-9

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እተን ናይ ምግሳስ ተግባር ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ትዛረብ እኳ እንተ ዀነት: መሰረታዊ ሓሳቡ ግን ኣብቶም ምንዋር ዘጋጥሞም ደቂ ተባዕትዮ እውን ዝውዕል እዩ።