ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከንብቡ ብምኽኣሎም ተሓጒሶም!

ከንብቡ ብምኽኣሎም ተሓጒሶም!

ከንብቡ ብምኽኣሎም ተሓጒሶም!

 ኣብ ገሊኡ ክፍሊ ደሴታት ሰሎሞን: ክሳዕ 80 ሚእታዊት ዝበጽሑ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰባት መሃይም ኢዮም ነይሮም። እዚ ነቲ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታት ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጒዲልዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ሓቅታት ንኻልኦት ንምምሃር እውን ኣጸጊምዎም ኢዩ። ብሓቂዶ ግን ርሳስ ሒዞም ዘይፈልጡ ዓበይቲ ሰባት ክመሃሩ ይኽእሉ ኢዮም፧

ኣብተን ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መሃይምነት ንምጥፋእ ኣብ እተዋህበ ትምህርትታት እታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲን ኤንድ ራይቲን ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ተጠቒሞምላ ኢዮም። ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ተመክሮታት ገሊኣቶም ሳላ እቲ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ክእለቶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዘመሓየሹ ክንርኢ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እዚ ብዛዕባ እምነቶም ዝሓሸ ምስክርነት ንኽህቡ ኣኽኢልዎም ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠15

ሓንቲ ሚስዮናዊት ናብ ሓንቲ ልዕሊ ሚእቲ ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ጉባኤ ምስ ተመደበት: ኣብቲ ሰሙናዊ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሒደት ጥራይ ናይ ብሕቶም ቅዳሕ ከም ዘለዎም: እቶም ሓሳባት ዝህቡ እውን ኣዝዮም ሒደት ምዃኖም ኣስተውዓለት። ከምዚ ዝዀነ ኸኣ መብዛሕትኦም መሃይም ስለ ዝዀኑ ኢዩ። ኣብታ ጉባኤ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ ኸም ዝወሃብ ምልክታ ምስ ተነግረ: እታ ሚስዮናዊት ብወለንታ መምህር ኰነት። ኣብ መጀመርታ: ሒደት ተማሃሮ ጥራይ መጹ: ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ልዕሊ 40 ዝዀኑ ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ክመሃሩ ጀመሩ።

እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ እታ ሚስዮናዊት ከምዚ ብምባል ተዘንቱ:- “እቲ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ ኻብ ዝጅመር ገለ መዓልትታት ጸኒሑ: ንሚስዮናውያን ዝኸውን መግቢ ንምዕዳግ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ናብ ዕዳጋ ኸድኩ። ኣብኡ ገለ ኻብቶም ተማሃሮይ: አረ ቈልዑ እውን ከይተረፉ ኮኮናትን ኣሕምልትን ክሸጡ ረኸብክዎም። ከምዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ ትምህርቲ ዘድልዮም ቢሮን ደብተርን ንምዕዳግ ዘድልዮም ገንዘብ ንኽረኽቡ ኢሎም ኢዮም። እቲ ትምህርቲ ናይ ብሕቶም ቅዳሕ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንኽህልዎም እውን ኣለዓዒልዎም ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽንወስድ ከሎና: ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ጽቡቕ ተሳትፎ ይገብሩ ኢዮም።” እዛ ሚስዮናዊት እዚኣ ኣርባዕተ ኻብቶም ዝመሃረቶም ሰባት “ካብ ሕጂ ንንየው እሞ ዘፍርሃና የለን” ብምባል ንሰባት ክሰብኩ ኸም ዝጅምሩ ምስ ሓበርዋ ኣዝያ ኢያ ተሓጒሳ።

ካብዚ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ትምህርቲ ዝርከብ ጥቕሚ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለት ምጥራይ ጥራይ ኣይነበረን። ንኣብነት: ሓንቲ ዘይኣማኒት ሰበይቲ ሓደ ሓው: ንብዙሕ ዓመታት ነታ ጉባኤ እሾዅ ኢያ ዀይናታ ነይራ። ብዘይ​ጠቅም ነገር ንሰባት ኣእማን ትድርብየሎም: አረ ሓደ ግዜ እሞ ኸኣ ንኻልኦት ኣንስቲ ብበትሪ ገይራ ወቒዓተን ኢያ። ሳሕቲ ምስ ሰብኣያ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትመጽእ ከላ እውን: ሰብኣያ ኣዝያ ቐናእ ምዃና ስለ ዝፈልጣ ንኻልእ ሰበይቲ ጠሚትካ ኢላ ምእንቲ ኸይትኸሶ ናይ ጸሓይ መረጼን ይገብር ነበረ።

እዛ ሰበይቲ እዚኣ እቲ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ ድሕሪ ምጅማሩ ነዊሕ ከይጸንሐት: “ኣነኸ ክማሃር ይፍቀደለይ ድዩ፧” ኢላ ሓተተት። ከም ዝፍቀደላ ተነግራ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ ድማ ኻብቲ ትምህርቲ ዀነ ኻብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣብኲራ ኣይትፈልጥን። ንኸተንብብ ዝወሃባ ዝነበረ ትምህርቲ ተጊሃ ተማህረት: ዘደንቕ ምምሕያሽ ከኣ ገበረት: በዚውን ኣዝያ ተሓጐሰት። ቀጺላ “መጽሓፍ ቅዱስከ ክመሃርዶ፧” ኢላ ሓተተት። በዓል ቤታ ተሓጒሱ መጽሓፍ ቅዱስ ክምህራ ጀመረ: ኣብቲ ኸተንብብን ክትጽሕፍን እተዋህባ ትምህርቲ ዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ፍልጠት እውን እናኣመሓየሸት ከደት።

ርሳስ ሒዙ ንዘይፈልጥ ወዲ 50 ዓመት: ፊደላት ምጽሓፍ ማለት ኽሰግሮ ዘይክእል ዕንቅፋት ኰይኑ ኢዩ ዝረኣዮ። ገሊኣቶም ትምህርቲ ኽጅምሩ ኸለዉ ነቲ ርሳሶምን ወረቐቶምን ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝጸቕጥዎ ኣጻብዖም ማይ ምዒጉ ኢዩ። ገሊኣቶም ንእተወሰነ ሰሙናት ንርሳሶም ከመይ ገይሮም ከም ዝሕዝዋን ከም ዝጥቀሙላን ክቃለሱ ድሕሪ ምጽናሕ ፍሽኽ እናበሉ “ሕጂ ነቲ ወረቐት ከይጸቐጥኩ ኽጽሕፍ ክኢለ” ኢሎም ይዛረቡ። እቶም መምህራን እውን በቲ እቶም ተማሃሮ ዝገብርዎ ምምሕያሽ ይሕጐሱ ኢዮም። ሓንቲ መምህር “ኣብዚ ትምህርቲ እዚ መምህር ኴንካ ምዕያይ ዘሐጕስ ኢዩ: እቶም ተማሃሮ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ትምህርትና ኽንውድእ ከሎና ብምጥቓዕ ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ምድላው ዘለዎም ልባዊ ሞሳ ይገልጹ ኢዮም” በለት።

በዚ ትምህርቲ እዚ ኸኣ እቶም ሚስዮናውያን ጥራይ ዘይኰኑስ: እቶም ሕጂ መሃይምነት ዘጥፍኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ይሕጐሱ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሕጂ ዘጥረይዎ ናይ ምንባብ ኰነ ናይ ምጽሓፍ ክእለቶም ንኽብሪ የሆዋ ኽጥቀሙሉ ይኽእሉ ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ ነቲ መሃይምነት ንምጥፋእ ዝወሃቦም ትምህርቲ የማስዉሉ ኢዮም