ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ተሓጐሱ!

ብተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ተሓጐሱ!

ብተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ተሓጐሱ!

 ብ10 መጋቢት 2001 ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ብዙሓት ዝኣባላቱ ስድራ ቤትኤል ዝጥቀምሉ ሰለስተ ቦታታት 5,784 ሰባት እተኣከቡ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ስለ ዝነበረ ኢዩ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ ምረቓ ናይ መበል 110 ክፍሊ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኢዩ ነይሩ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካሪ ባርበር ነቶም ተኣከብቲ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል ነቲ ፕሮግራም ከምዚ ብምባል ከፈቶ:- “መበል 110 ክፍሊ ተማሃሮ ጊልዓድ: ሚስዮናውያን ንምዃን እተዋህቦም ስልጠና ከም ዝወድኡን ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ከም እተመደቡን ምፍላጥና የሐጕሰና ኢዩ።”

ሓጐስካ ብኸመይ ከም እትዕቅብ

ድሕሪ እቲ ሓው ባርበር ዘቕረቦ መኽፈቲ ዝርርብ: ዳን ኣዳምስ ነቶም 48 ተመረቕቲ ዝርከብዎም ተኣከብቲ ብምሉኦም “በረኸት የሆዋ የሀብትም” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበሎም። ነቲ ዘቕረቦ ዝርርብ ኣብ ምሳሌ 10:⁠22 ብምምርኳስ: ኣገልገልቲ የሆዋ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ክህቡ ኸለዉ የሆዋ ከም ዘናብሮምን ዝባርኾምን ኣዘኻኸሮም። እቶም ተማሃሮ ነቲ ሓድሽ ምድቦም ክቕበሉ ኸለዉ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ” ዝብል ጻውዒት ምስ ቀረበሉ ፍቓደኛ ዝነበረ ኸምኡ ዓይነት መንፈስ ከርእዩ ኣተባብዖም። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠9) ጳውሎስ ብዙሕ ጸገማት ክሰግር እኳ እንተ ነበሮ: ናብቲ እተባህሎ ቦታ ኸይዱ ብምግልጋሉ ግን ብዙሕ ዘሐጕስ በረኸት ረኺቡ ኢዩ።

እቶም ተመረቕቲ ነቲ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወስድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንዕዮ ሚስዮናውነት ዘዳልዎም ስልጠናን ወዲኦም ኢዮም። እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳንየል ሲድሊክ ግን: ንብድሕሪ ሕጂውን ትምህርቲ ምውሳድ ከየቋርጹ ኣተባብዖም። ኣብቲ “ሓቀኛ ደቀ መዛሙርቲ ኹኑ” ዘርእስቱ ዝርርቡ ኸምዚ በለ:- “ወደ መዝሙር ምዃን ክበሃል ከሎ ንቓላት የሱስ ብቐጻሊ ምእዛዝ ማለት ኢዩ። ንቓላቱ: መልእኽቱ: ከምኡውን ንትምህርትታቱ ወትሩ ንምስማዕ ፍቓደኛ ምዃን ዘጠቓልል ኢዩ።” ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ድምጺ ጐይታኦም ከይሰምዑ ውሳነ ኸም ዘይውስኑ ገለጸሎም፣ ጥበብ ኣምላኽ ድማ ኣብ ህይወት ክርስቶስ ኢዩ ተሰዊሩ ዘሎ። (ቈሎሴ 2:⁠3) ዋላ ሓደ ኻባና ሓንሳእ ቃል የሱስ ሰሚዑ ‘ብዛዕባኡ ዅሉ እፈልጥ ኢየ’ ኽብል ኣይክእልን ኢዩ፣ ስለዚ ሓው ሲድሊክ ነቶም ተመረቕቲ ነታ ሓራ እተውጽኦም ክርስትያናዊት ሓቂ ብቐጻሊ ኽማሃሩ: ኣብ ግብሪ ኸውዕሉ: ከምኡውን ንኻልኦት ክምህሩ ኣተባብዖም።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠31, 32

ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ተሓጒሱ ኸገልግሎ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ተግሳጽን መአረምታን ንምቕባል ፍቓደኛ ክኸውን ኣለዎ። ሎረንስ ቦወን ዝበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር “ኰላሊትኩም ክምህራኹምዶ ኢየን፧” ዝብል ሕቶ ኣበጊሱ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳልያዊ ዀላሊት ምስ ውሽጣዊ ሓሳባትን ስምዒታትን ከም ዝተሓሓዝ ገለጸ። ካብ ቃል ኣምላኽ እተ​ዋህበካ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ንው​ሽጣዊ ባህርያትካ እንተ ተንኪፍዎ: ኰላሊትካ ኽምህራኻ ይኽእላ ኢየን። (መዝሙር 16:⁠7፣ ኤርምያስ 17:⁠10) ሓደ ሰብ ብተኣማንነት ዝመላለስ እንተ​ድኣ ዀይኑ ንየሆዋ ውሽጡ ይትንክፎ ኢዩ። እቲ ተዛራባይ ምሳሌ 23:⁠15, 16 ድሕሪ ምንባቡ “ኰላሊትኩም ክምህራኹምዶ ኢየን፧” ኢሉ ሓተተ። ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ንየሆዋ ዓሚቝ ሓጐስ ምእንቲ ኸተምጽእሉ: ዝምህራኹም ንኽዀና ንጽሊ ኢና። ውሽጡ ኽትትንክፍዎ ኢኹም። እወ: ብተኣማንነት ኣብቲ እተመደብኩምሉ ጸኒዕኩም ምስ እትቕጽሉ ንዀላሊት ኣምላኽ ደስ ከተብልወን ኢኹም።”

እቲ ናይ ጊልዓድ መምህር ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ኬንያ ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልግል ዝነበረ ማርክ ኑማር: ኣብዚ ኽፋል ናይዚ ፕሮግራም እዚ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ኣቕረበ። እቲ “በዒንቲ ምጥማት ይሓይሽ” ዘርእስቱ ዝርርቡ ዕግበት ናይ ምዅስኳስ ኣድላይነት ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ። ሓው ኑማር ምስ መክብብ 6:⁠9 ብምስምማዕ ከምዚ በለ:- “ነቲ ህሉው ኵነታት ተቐበልዎ። እዚ ድማ ‘በዒንቲ ምጥማት’ ኢዩ። ክትገብርዎ ንእትብህግዎ ግን ከኣ ዘይትገብርዎ ዘለኹም ነገራት ኣብ ክንዲ እትሓልሙ: ንህሉው ኵነታትኩም ብዝበለጸ ኽትጥቀሙሉ ኣብ እትኽእልሉ መገድታት ኣተኵሩ። ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ምንባር: ዘይምኽንያታዊ ትጽቢት ምግባር: ወይ ብዛዕባ ኣሉታዊ ረቛሒታት ናይቲ እተመደብኩምሉ ቦታ ጥራይ ምሕሳብ ዕግበት ከም እትስእኑ ጥራይ ኢዩ ዝገብረኩም።” እወ: ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ወይ ኵነታትና ብዘየገድስ: ኣምላኻዊ ዕግበት ምስ እንዅስኵስ ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ኣብ እነቕርቦ ኣገልግሎት ሕጉሳት ኢና እንኸውን።

ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ጊልዓድን እተረኽበ ዘሐጕስ ተመክሮታት

እቶም ተማሃሮ ኻብዚ ዝርርባት እዚ ተግባራዊ ምኽሪ ድሕሪ ምርካቦም: ኣብተን ስልጠና ዝወሰዱለን ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ገለ ተመክሮታት ኣዘንተዉ። ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተሓዝ መዝገብ ዋለስ ሊቨራንስ ነዚ ኽፍሊ እዚ መርሖ፣ እቶም ተመረቕቲ ድማ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ብኸመይ ገዛእ ርእሶም ከም ዘቕረቡ ገለጹ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠2) ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ሕልና ናይ ገሊኣቶም ሰባት ክትንክፉ ኽኢሎም ኢዮም። እቶም ተማሃሮ ዘዘንተዉዎ ተመክሮታት ኣብ መገዲ: ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝገበርዎ ኣገልግሎት: ከምኡውን ኣብ ካልእ መዳያት ቅኑዓት ሰባት ብኸመይ ከም ዝረኸቡን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጀመሩሎምን ዘርኢ ኢዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ: ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ነቲ ማሕበር የሆዋ እትሓትሞ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣብ ሓቂ እተመስረተ ምዃኑ ገሊጾም ኢዮም። ሓንቲ በዓልቲ ቤት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ጥቕሲ ምስ ተነበላ ኣወንታዊ ምላሽ ኣርኣየት። ሕጂ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይግበረላ ኣሎ።

ቀጺሉ ጆኤል ኣዳምስ ንናይ ቀደም ምሩቓት ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበረሎም። ኣርእስቲ ናይቲ ኽፍሊ “ትምህርቲ ኻብ ምውሳድ ኰነ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኣይተቋርጹ” ዝብል ነበረ። እቶም ቃለ⁠-​መጠይቕ እተገብረሎም ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ዝኸውን እዋናዊ ምኽሪ ሂቦሞም ኢዮም። ሃሪ ጆንሰን ኣብ መበል 26 ክፍሊ ጊልዓድ ዝነበረሉ እዋን ብምዝካር ከምዚ በለ:- “የሆዋ ዅሉ ሳዕ ንህዝቡ ኽመርሖም ከም ዝጸንሐ: ብሕጂውን ከም ዝመርሖም ተማሂርና ኢና። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዝነበረኒ ምትእምማን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ምትብባዕ ኰይኑኒ ኢዩ።” ካብ መበል 53 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐ ዊልያም ኖንኪስ ነቶም ምሩቓት ከምዚ ኢሉ መዓዶም:- “ልዕሊ ዅሉ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣይትረስዑ: ሕጅን ንዘለኣለምን ኣብ እትገብርዎ ውሳነ ድማ ተጠቐምሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ነቲ እተመደብኩምዎ ዕዮ ኣይክትገድፍዎን ኢኹም: በረኸት የሆዋ ድማ ኣይክፍለየኩምን ኢዩ።”

ሪቻርድ ራያን ነቲ ዘቕረቦ ኽፍሊ ዝመረጾ ኣርእስቲ “ፍቓድ የሆዋ ንምፍጻም ጽኑዕ ምዃን” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ሓደ ኻብቶም ቃለ⁠-​መጠይቕ እተገብረሎም ካብ መበል 30 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐን ልዕሊ 41 ዓመታት ኣብ ስጳኛ ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልገለን ጆን ኩርትዝ ነበረ። ሓው ኩርትዝ ብዛዕባ ስርዓተ⁠-​ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ተሓተ ኸምዚ በለ:- “ቀንዲ መምሃሪ መጽሓፍና መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽርድኣና ድማ ንምጽናዑ ዝሕግዙ ጽሑፋት ኣሎና። እዚ ጽሑፋት እዚ ዅሉ ሰብ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ። ንጊልዓድ ጥራይ ኢልካ ዝዳሎ ምስጢራዊ ትምህርቲ የለን። ነዚ ነገር እዚ ኻብ ምጕላሕ ዓዲ ውዒለ ኣይፈልጥን: ከመይሲ እቲ ኣብ ጊልዓድ ዝወሃብ ትምህርቲ ዅሉ ኽረኽቦ ይኽእል ኢዩ።”

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገራት ሎሽ “ኣብ ልዕልን ኣብ ትሕትን ኣኽናፍ የሆዋ” ዘርእስቱ ኽፍሊ ብምቕራብ ነቲ መንፈሳዊ ፕሮግራም ዛዘሞ። ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዝገበረሎም ዕቝባን ደገፍን ብኸመይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣኽናፍ ንስሪ ከም እተመሰለ ገለጸ። (ዘዳግም 31:⁠11, 12፣ መዝሙር 91:⁠4) ሓድሓደ ግዜ ንስሪ ንጨቓዊቱ ምእንቲ ኸዕቍብ ንሰዓታት ኣኽናፉ ይዝርግሕ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣንስተይቲ ንስሪ ንጨቓዊታ ኻብ ቍሪ ንምክልኻል ብኣኽናፋ ገይራ ትሓቝፎም ኢያ። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ መገድን ምስ ዕላምኡ ብምስምማዕን ንእሙናት ኣገልገልቱ ብፍላይ ከኣ መንፈሳዊ ፈተና ኸጋጥሞም ከሎ ይድግፎም ኢዩ። የሆዋ ንኣገልገልቱ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኽፍተኑ ኣይሓድጎምን ኢዩ: ኣብ ክንድኡስ ነቲ ፈተና ምጽዋሩ ምእንቲ ክኽእሉ መውጽኢ ገይርሎም ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:⁠13) ሓው ሎሽ ከምዚ ብምባል ዝርርቡ ዛዘመ:- “ወትሩ መንፈሳዊ ዕቝባ ምእንቲ ኸይፍለየና: ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ የሆዋ ኽንጸንሕ ኣሎና። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ብርእሰይ ክኸይድ ዝብል መንፈስ ከነማዕብል የብልናን ማለት ኢዩ። ወትሩ ናብ የሆዋን ናብታ ኸም ኣደ ዝዀነት ማሕበሩን ንጸጋዕ: ካብ መምርሒታቶምን ፍቕራዊ ምኽሮምን ከኣ ኣይንርሓቕ።”

እቲ ኣቦ መንበር ካብ መላእ ዓለም ዝመጸ ቴለግራማትን ሰላምታን ኣንበበ። ድሕሪኡ ዲፕሎማ ናይ ምዕዳል ስነ⁠-​ስርዓት ተኻየደ። ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክትምስረት ከላ ንሓሙሽተ ዓመታት እተወሰነ ክፍልታት ጥራይ ንምምራቕ ኢዩ ተመዲቡ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ን58 ዓመታት ከም ዝቕጽል ገይርዎ ኢዩ። ኣብ መእተዊ ዝርርቡ ሓው ባርበር ከምዚ ኢሉ ኢዩ:- “ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብ1943 ካብ ዝምረቕ ኣትሒዙ: ተመረቕቲ ጊልዓድ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ጸብጻብ ኢዮም ዝሃቡ! ኵሎም ዝገበርዎ ጻዕሪ ምስ ዝድመር: ቃል ብቓሉ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ትሑታት ናብታ ግርማዊት ማሕበር የሆዋ ከም ዝውሰኹ ገይሩ ኢዩ።” እወ: እዚ ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን እዚ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ብተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝሕጐሱ ገይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 8

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 18

ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48

ገምጋም ዕድመ:- 34

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 18

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 110 ክፍሊ ተመረቕቲ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቍጽሪ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

(1) ኤሊዛቤት ቫሰክ፣ ሊንሲ ማደላን፣ ገይል ኢቫንስ፣ ኮዮሚ ዋታናቤ (2) ፓም ተራፎርድ፣ ጀሲካ ተርፈ፣ ፓም ዊልሰን፣ ሪንዳ ዊልያምስ፣ ኣንድሪያ ቬበር (3) ቲፍኒ ጆንሰን፣ ካረን ሃናው፣ ፋቢያን ሞርሉ፣ ፈራንስዋዝ ሻርፓንቴ፣ ሪኒ ፐክሃም፣ ፓት ኣንድረሶፍ (4) ቲዮ ሲገርስ፣ ዲሳረይ ሲገርስ፣ ፖል በይሊ፣ መሊሳ በይሊ፣ ካረን ማደላን፣ ኢሪን ሊፖልድ፣ ትረንት ሊፖልድ (5) ኒል ኢቫንስ፣ ረጂና ጎልድ፣ ኢሚ ቦልማን፣ ራስል ቫሰክ፣ ጂል ኦንጂያን፣ ናታን ዊልሰን (6) ጆሰፍ ተርፈ፣ ሊንዳ ዙዲማ፣ ሪክ ዙዲማ፣ ካሚላ ቤንግትሰን፣ ያስፐር ቤንግትሰን፣ ማሪያ ጋላኖ፣ ሉችዮ ጋላኖ (7) ቶድ ፐክሃም፣ ዠን⁠-​ማርኽ ሞርሉ፣ ክሪስቶፍ ሻርፓንቴ፣ ሚካየል ጎልድ፣ ራንዲ ቦልማን፣ ፈርናን ኦንጂያን (8) ሩበን ቬበር፣ ብረንት ጆንሰን፣ ዳንኤል ሃናው፣ ያሱኖሪ ዋታናቤ፣ ሮን ዊልያምስ፣ ግለን ተራፎርድ፣ ቶድ ኣንድረሶፍ