ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንሳኤ የሱስ ኣብ መጋባእያ ፍርዲ

ትንሳኤ የሱስ ኣብ መጋባእያ ፍርዲ

ትንሳኤ የሱስ ኣብ መጋባእያ ፍርዲ

ሓደ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ዝለዓለ መዓርግ ዘለዎ ናይ ከተማ ካንተበሪ ኣቡን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተዛረበ:- “የሱስ ብህይወት ይነብር ከም ዝነበረ ኣንዳዕዲዕና ክንኣምን ንኽእል እኳ እንተዀንና: . . . ኣምላኽ ብርግጽ ካብ ሞት ኣተንሲእዎ ኢልና ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ከም ዘይንኽእል ግን ብግልጺ ክዛረብ እኽእል ኢየ።”

 ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ግን ከምዚ ዝበለ ምጥርጣር ኣይነበሮን። ኣብ ምዕራፍ 15 ናይታ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ናብ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሰደዳ መንፈስ ዝነፈሳ ቀዳመይቲ መልእኽቱ “እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዅሉ ነጊረኩም እየ: ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ: ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ: ተቐብረ ኸኣ: ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ: ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠3, 4

እቲ ኣብ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ዝነበሮም እምነት ኢዩ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ግሪኽን ሮሜን ዝነበረ ቦታታት​—⁠“ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር”⁠—​ወንጌል ክሰብኩ ዝደረኾም። (ቈሎሴ 1:⁠23) አረ እቲ ቐንዲ መሰረት እምነት ክርስትናስ ትንሳኤ የሱስ ኢዩ።

ትንሳኤ የሱስ ንብዙሓት ዘጠራጠሮምን ክወሓጠሎም ዘይከኣለን ገና ኻብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ ኢዩ። ሰዓብቲ የሱስ እቲ እተሰቕለ መሲሕ ከም ዝዀነ ምዝራቦም ብዓይኒ ብሓፈሻ ህዝቢ ኣይሁድ ውርደት ኢዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ናይ ነፍሲ ዘይሙማት ዝኣምኑ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ምሁራት ግሪኽ ከኣ እሞ እቲ ትንሳኤ ዝብል ኣምር ዕልቅጥ ኢዩ ዝብሎም ነይሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠32-34

ኣብ ዘመንና ዘለዉ ተጠራጠርቲ

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እውን ገለ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ምሁራት ንትንሳኤ የሱስ ከም ናይ ፈጠራ ዛንታ ገይሩ ዘነኣእስ መጻሕፍትን ዓንቀጻትን ኣውጺኦም ኢዮም: ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ድማ ርሱን ክትዕ ኣለዓዒሎም ኢዮም። ብዙሓት ምሁራት ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ጥርሑ ዝጸንሐ መቓብርን የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብኣካል እተገልጸሉ ኵነታትን ዝገልጽ ጸብጻባት ነቲ የሱስ ሰማያዊ ስልጣን ከም ዝሓዘ ዝስማዕ ዝነበረ ዘረባ ንምድጋፍ ተባሂሉ ድሕሪ ሞቱ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ እተኣልመ ምዃኑ ካብቲ ብዛዕባ “ናይ ሓቂ የሱስ” ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከም እተገንዘቡ ኢዮም ዝምጕቱ።

ነቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ፕሮፌሰርን ነታ ብሓቂ የሱስ እንታይ ኢዩ ዀይኑ —⁠ትንሳኤ ብዓይኒ ታሪኽ ክጥመት ከሎ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ደራስን ዝዀነ ጀርመናዊ ምሁር ገርት ሉደማን ዘለዎ ኣረኣእያ እስከ ንኣብነት ክዀነና ንውሰድ። ትንሳኤ የሱስ “ኣብ ጥራይ ጐልጎል ዘሎ ኣተሓሳስባ” ከም ዝዀነ እሞ “ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ስነ-ፍልጠታዊ ኣረኣእያ” ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክነጽጎ ዝግባእ ምዃኑ ኢዩ ዝማጐት።

እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ርእይዎ ዝበሃል ዝተንስአ ክርስቶስ ብሰንኪ እቲ ጴጥሮስ ንየሱስ ብምኽሓዱ ውሒጥዎ ዝነበረ ጓህን ናይ ገበን ስምዒትን እተራእዮ ምትሃት ምዃኑ ኢዩ ሉደማን ዝገልጽ። እቲ የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንልዕሊ 500 ዝዀኑ ኣመንቲ እተራእየሉ ኵነታትውን እንተዀነ “ካብ ምሒር ምምሳጥ” እተኸስተ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠5, 6) ብሓጺሩ ብዙሓት ምሁራት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ እቲ ዝተንስአ የሱስ ዝገልጽ ጸብጻብ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ርእሰ⁠-​ምትእምማንን ናይ ወንጌላውነት ቅንእን ከም ዘሕድሩ ዝገበሮም ኣብ ሓሳቦም ዝፈጠርዎ እተፈላለየ ተመክሮታት እምበር ካልእ ክኸውን ከም ዘይክእል ገይሮም ኢዮም ዘነኣእስዎ።

ርግጽ ኢዩ: በዚ ምሁራት ዘካይድዎ ክትዓት እምብዛ ዝግደስ ሰብ የልቦን። ይኹን እምበር: እቲ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ዝግበር ምይይጣት ንዅላትና ከገድሰና ዝግባእ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሱስ ዘይተንስአ እንተድኣ ዀይኑ ክርስትና ኣብ ናይ ሓሶት መሰረት ኢዩ ተሰሪቱ ዘሎ ማለት ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ትንሳኤ የሱስ ሓቀኛ እተፈጸመ ታሪኽ እንተድኣ ዀይኑ ክርስትና ናይ ሓቂ መሰረት ኣለዎ ማለት ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ እቲ ክርስቶስ ዝበሎ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ዝኣተዎ መብጽዓታት እውን ሓቅነቱ ይረጋገጽ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ትንሳኤ እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ ሞት ዕዉት በዓል ዲል ዘይኰነስ ስዕረቱ ዘይተርፍ ጸላኢ ኢዩ ዝኸውን።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠55

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the Self-Pronouncing Edition of the Holy Bible, containing the King James and the Revised versions