ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ናይ ሓቂ ዓወት እንታይ እዩ፧

ናይ ሓቂ ዓወት እንታይ እዩ፧

ዝሓሰብካዮ ኸይሰመረልካ ኻብ ዚተርፍ ንላዕሊ፡ ናይ ሓሶት ዓወት ኣዝዩ ይገድድ። ከመይሲ፡ ዝሓሰብካዮ እንተ ዘይሰሚሩልካ፡ ነቲ ዅነታት ንምዕራይ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ይትረፍ፡ ካብ ተመክሮኻ ተማሂርካ፡ ኣብ ዚቕጽል ንኸተመሓይሽ ክትውስን ትኽእል ኢኻ።

ከም እተዓወትካ ጌርካ ብጌጋ ኽትሓስብ ከለኻ ግና እተፈልየ እዩ። ናይ ሓቂ ዓወት ዘይረኸብካ ኽነስኻ፡ ከም ዝረኸብካ ጌርካ ብጌጋ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ዓወትካ ናይ ሓሶት ምዃኑ ኣብ እትግንዘበሉ እዋን ነቲ ዅነታት ንኸተዐርዮ ሸበድበድ ምባል ከኣ፡ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ እዋን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ “ሰብ ምሉእ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፊኡ እንታይ ይጠቕሞ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ። (ማቴዎስ 16:26) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነቶም ምሉእ ብምሉእ ደድሕሪ ገንዘብን ገንዘብ ዚዕድጎ ነገራትን ዚጐይዩ ሰባት እዩ ዜመልክት፣ እዞም ሰባት እዚኦም ዚረኽብዎ ዓወት፡ ናይ ሓሶት ዓወት እዩ። ኣማኻሪ ሞያ ዝዀነ ቶም ደናም፡ “ኣብ ዚቕጽል ብዛዕባ እትረኽቦ ሽመት ወይ ከኣ ብዛዕባ እትእክቦ ገንዘብ ወይ ብዛዕባ እተጥርዮ ንብረት ጥራይ ምሕሳብ፡ ዕግበት ኣየምጽኣልካን እዩ። ንዓወት ብገንዘብ ምዕቃን፡ ፍረ የብሉን፣ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ፡ ባዶነት ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር” በለ።

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ምስዚ ሓሳብ እዚ ኸም ዚሰማምዑ ኣይከሓድን እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ “ንዕዉት ህይወት ዚኸውን [22] ረቛሒታት” ኣብ ዝሓዘ ዝርዝር፡ “ገንዘብ” ኣብ መበል 20 ተሰርዐ። እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝሰርዕዎ ረቛሒታት፡ ጽቡቕ ጥዕናን ጽቡቕ ርክብን እትፈትዎ ዓይነት ስራሕን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።

ብንጹር እምበኣር፡ ብዙሓት ሰባት ንናይ ሓሶት ዓወትን ንናይ ሓቂ ዓወትን ብዚምልከት ኪሕተቱ ኸለዉ፡ ክልቲኡ እተፈላለየ ምዃኑ ኺገልጹ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ዓወት ቅኑዕ ኣረኣእያ ሃልዩካ ውሳነ ምግባር ግና፡ ብዝያዳ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ።