ንቕሑ! ጥቅምቲ 2014 | ናይ ሓቂ ዓወት እንታይ እዩ፧

ነቲ ልብኻ ዚብለካ ምስዓብ ድዩ፧ ሓሳብ ልብኻ ኺሰምረልካ ኸሎ ዚርከብ ድዩ፧ ወይ ካብኡ ብዝያዳ ዝዓመቘ ድዩ፧

ገበር

ናይ ሓቂ ዓወት እንታይ እዩ፧

ዝሓሰብካዮ ኸይሰመረልካ ኻብ ዚተርፍ ንላዕሊ፡ ናይ ሓሶት ዓወት ኣዝዩ ይገድድ።

ገበር

ንዓወት ብምንታይ ኢኻ እትዕቅኖ፧

ብኣርባዕተ ኣብነታት ጌርካ ርእስኻ ፈትን።

ገበር

ናይ ሓቂ ዓወት ብኸመይ ከም ዚርከብ

ናብ ናይ ሓቂ ዓወት ኪመርሓካ ዚኽእል ሓሙሽተ ግብራዊ ነጥብታት።

ካብ ከባቢ ዓለም

ተወሳኺ ዛዕባ፦ ሒደት ገዝሚ ዜስዕቦ ሓደጋ, ሃብቲ ሸፋቱ ባሕሪ, ዚንኣድ ጽንዓት ፈለስቲ ኣዕዋፍ

ንስድራ ቤት

ንፈተና ብኸመይ ከም እትቃወም

ንፈተና ኽትቃወሞ ምኽኣል፡ ምልክት ናይ ሓቂ ሰብኡትን ኣንስትን እዩ። ንፈተና ምእንቲ ኽትቃወሞን ንገዛእ ርእስኻ ኻብቲ ንፈተና ኢድካ ብምሃብ ዚመጽእ ጭንቀት ምእንቲ ኽትሰትራን፡ ሽዱሽተ ስጕምታት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ በሊዝ እተገብረ ምብጻሕ

ካብ ዓለም እቲ ናይ መጀመርታ ንመንበሪ ጃጕዋር ተባሂሉ እተሓዝአ ቦታን ሓደ ኽፋል እቲ ኻብ ዓለም ብንውሓቱ ኻልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ዝዓበየ መርጀንን፡ ኣብዛ ንእሽቶ ሃገር እዚኣ ይርከብ።

ኣብ ትሮፒካዊ ጫካ ዚርከባ ኣየር ወለድ ኣታኽልተኛታት

እተን “ዚነፍራ ወኻሩ” ተባሂለን እውን ዚፍለጣ ፍሩት ባትስ ዚብሃላ ዓይነት መንካዕ፡ ንኣከባቢ ምድሪ ኣዝየን ኣገደስቲ እየን።

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ምስልታት

ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ይጥቀሙ ነይሮም ድዮም፧

ተነዲፉ ድዩ፧

እግሪ ፈረስ

መሃንድሳት ንንድፊ እግሪ ፈረስ ኪቐድሕዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧