ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ከባቢ ዓለም

ካብ ከባቢ ዓለም

ዓለም

ጥሜት ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ፡ ፍርያት ምግቢ ኸም ዚውስኽ ካብ ምግባር ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ሓረስቶት፡ ን12 ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት ዚምግብ ፍርያት ከም ዜፍርዩ እዩ ዚግመት፣ እዚ ኣሃዝ እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ብ5 ቢልዮን ዚበልጽ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጸገም ብቐንዱ፡ ምስ ቍጠባን ምስ ዝርጋሐ ምግብን ምስቲ ዚባኽን እኽልን ዚተሓሓዝ እዩ።

ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን

ብዛዕባ እቶም ምስ ገንዘብ ኣብ ዚተሓሓዝ ስራሕ ዚሰርሑ ሰብ ሞያ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ዳርጋ ርብዒ (24 ሚእታዊት) ዚዀኑ፡ “ዕዉት ንምዃን ኣብ ዘይስነ ምግባራዊ ወይ ዘይሕጋዊ ነገራት ኢድካ ኸተእቱ ኸም ዜድሊ” እዮም ዚኣምኑ። ዓሰርተ ሽዱሽተ ሚእታዊት ዚዀኑ ድማ፡ “ኬምልጡ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም፡” ገበን ንምፍጻም ዓይኖም ከም ዘይሓስዩ ተኣመኑ።

ኣርጀንቲና

ኣብ ኣርጀንቲና፡ ካብ 5 መምህራን እቶም 3፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ቦታ ስራሖም ዜጋጥሞም ውጥረት ወይ ዓመጻ ኻብ ስራሕ ይበዅሩ።

ደቡብ ኮርያ

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ንበይኖም ዚነብሩ ሰባት እናበዝሑ ኪኸዱ እዮም።

ቻይና

ኣብ ቻይና ዚርከባ ኽልተ ሲሶ ዚዀና ኸተማታት፡ ነቲ ኻብ 2016 ጀሚሩ ተግባራዊ ዚኸውን መንግስቲ ዘውጽኦ ንጽሬት ኣየር ዚምልከት ሓድሽ ስርዓት ኪትግብራኦ ኸም ዘይክእላ እዩ ዚግመት። ብዘይካዚ፡ ጽሬት እቲ ኻብ ትሕቲ ምድሪ ዚርከብ ማይ፡ “ሕማቕ ወይ ከኣ ኣመና ሕማቕ” እዩ።