ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ስለምንታይ ብቕንዕና እትመላለስ፧

ብቕንዕና ምምልላስ ዘለዎ ጥቕሚ

ብቕንዕና ምምልላስ ዘለዎ ጥቕሚ

“ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እናደለና፡ ቅኑዕ ሕልና ኸም ዘሎና ንተኣማመን ኢና።”—እብራውያን 13:18

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ቕንዕና” ተባሂላ እትትርጐም በዅሪ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ ንሰናይ እውን ተመልክት እያ። ብዘይካዚ፡ ብስነ ምግባር ባህ ዜብል ነገር ተመልክት እያ።

ክርስትያናት ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እናደለና” ኢሉ እተዛረቦ ቓል ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። እዚ እንታይ የጠቓልል፧

ውሽጣዊ ቓልሲ

መብዛሕትኦም ሰባት ናብ ጕዳዮም ቅድሚ ምኻዶም፡ ገዛእ ርእሶም ኣብ መስትያት ይርእዩ እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ጽቡቓት ኰይኖም ኪርኣዩ እዮም ዚደልዩ። ካብ ጽቡቕ ጸጕሪ ወይ ብሉጽ ክዳውንቲ ዚበልጽ ካልእ ነገር ግና ኣሎ። እወ፡ ውሽጣዊ እንታይነትና ንደጋዊ ትርኢትና ኪዅልዖ ወይ ኬህስሶ ይኽእል እዩ።

ንሕና ሕማቕ ናይ ምግባር ዝንባለ ኸም ዘሎና፡ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ዘፍጥረት 8:21፡ “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ትብል። ስለዚ፡ ብቕንዕና ንምምልላስ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ሓጢኣት ዝንባለ ኽንቃለስ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ምስ ሓጢኣት ዝነበሮ ቓልሲ ብንጹር ኪገልጾ ኸሎ፡ ከምዚ ኢሉ እዩ፦ “ብውሽጠይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ ኣእምሮይ ዚዋጋእን ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸንን ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ።”—ሮሜ 7:22, 23

ልብና ሕማቕ ክንገብርን ብቕንዕና ኸይንመላለስን ኺደፋፍኣና ኸሎ ግና፡ ናይ ግድን ባሮት ድራኸ ልብና ኽንከውን ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ኣብቲ ጕዳይ እቲ ምርጫና ኽንገብር ንኽእል ኢና። ንሕማቕ ሓሳብ ክንነጽጎ እንተ መሪጽና፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሕማቕ ባህርይ ብዘየገድስ ብቕንዕና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና።

ኣብቲ ቓልሲ ምዕዋት

ብቕንዕና ንምምልላስ፡ ኣሚንናሉ እንስዕቦ ሓያል ስነ ምግባራዊ ሕግታት የድልየና እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዚስዕብዎ ስነ ምግባራዊ ሕግታት ካብ ምሕሳብ፡ ብዛዕባ ኣከዳድናኦም ንምሕሳብ ዝያዳ ግዜ የሕልፉ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብእተወሰነ መጠን እንተ ኣታለሉ፡ ምኽኑይ ኰይኑ ይስምዖም እዩ። (ኦነስት) ትሩዝ ኣባውት ዲስኦነስቲ ዘርእስታ መጽሓፍ ነዚ ጕዳይ እዚ ኽትገልጾ ኸላ፡ “ብመሰረቱ፡ ብመጠኑ ቕኑዓት ሰባት መሲልና ኽሳዕ እተረኣና፡ ነታልል ኢና” ትብል። ብዛዕባ ቕንዕናን ምትላልን ግና ዜተኣማምን መለክዒ ኺህበና ዚኽእል ኣሎዶ፧ እወ፡ ኣሎ።

ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሚልዮናት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። መጽሓፍ ቅዱስ መወዳድርቲ ዘይብሉ ስነ ምግባራዊ ሕግታት ኣለዎ። (መዝሙር 19:7) ኣብ ከም ናብራ ስድራ ቤትን ስራሕን ስነ ምግባርን መንፈሳውነትን ከኣ ዜተኣማምን መምርሒ ይህብ እዩ። ብግዜ እውን እተፈተነ እዩ። ሕግታቱን ስርዓታቱን ንዅሎም ዓይነት ኣህዛብን ዓሌታትን ነገዳትን ህዝብታትን ዚዓዪ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኣትኵሮ ብምምርማርን ብዛዕባ እቲ ዚብሎ ብምስትንታንን ምኽሩ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ልብና ብቕንዕና ኺመላለስ ከነሰልጥኖ ንኽእል ኢና።

ኰይኑ ግና፡ ብቕንዕና ንምምልላስ፡ ልክዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይኰነን ዜድልየና። ከመይሲ፡ ብልሹው መለክዒታት ክንቅበል ጸቕጥታት ኣብ እትገብር ብስነ ምግባር እተጸየቐት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ስለዚ ድማ ኢና ኻብ ኣምላኽ ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ናብኡ ኽንጽሊ ዘሎና። (ፊልጲ 4:6, 7, 13) ከምኡ ምስ እንገብር፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባርን ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ንምንባርን ትብዓት ኪህልወና ይኽእል እዩ።

ዓስቢ ቕንዕና

እቲ ኣብታ ኣብ መእተዊ ዘላ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ሂቶሺ፡ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስ ሰራሕተኛ ብምዃኑ ዘጥረዮ ጽቡቕ ስም ጠቒምዎ እዩ። ሕጂ፡ ምስ ሓደ ንቕንዕናኡ ኣኽቢሩ ዚርኢ ኣስራሒ ይዓዪ ኣሎ። ሂቶሺ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንጹህ ሕልናይ ሓልየ ኽነብር ዜኽእለኒ ስራሕ ብምርካበይ እሕጐስ እየ” ይብል።

ካልኦት እውን ቅንዕና ዓስቢ ዘለዎ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ካብቶም “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር” እተዋህበና ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል እተጠቕሙ ሰባት፡ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

  • ንጹህ ሕልና

    “ጓል 13 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ምስ ሰረቕቲ ኽዓዪ ኢለ ትምህርቲ ኣቋሪጸ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ 95 ሚእታዊት ኣታውየይ ብምትላል እየ ዝረኽቦ ነይረ። ደሓር፡ ተመርዐየ፣ ኣነን ሰብኣየይን ድማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ጀሚርና። የሆዋ * ኣምላኽ ብቕንዕና ዘይግበር ተግባራት ከም ዚጸልእ ከኣ ተማሂርና፣ ስለዚ፡ ኣነባብራና ኽንቅይር ወሲንና። ብ1990፡ ህይወትና ንየሆዋ ወፊና፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ኸኣ ተጠሚቕና።”—ምሳሌ 6:16-19

    “ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት፡ ቤተይ ብእተሰርቀ ኣቕሑ ዝመልአ እዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግና እተሰርቀ ኣቕሑ የብለይን፣ እዚ ድማ ንጹህ ሕልና ኸም ዚህልወኒ ገይሩ እዩ። ነቲ ብቕንዕና ዘይተመላለስኩሉ ዓመታት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ንየሆዋ ስለቲ ዓብዪ ምሕረቱ አመስግኖ እየ። ምሸት ምሸት ክድቅስ ከለኹ፡ የሆዋ ብኣይ ባህ ከም ዚብሎ ምፍላጠይ ብዙሕ ዕግበት የምጽኣለይ እዩ።”—ሸሪል፡ ካብ ኣይርላንድ።

    “ሓደ ኻባና ኺዕድግ ዝመጸ ሰብ ዘቕረበለይ ጉቦ ኸም ዘይተቐበልኩ ሓለቓይ ምስ ሰምዐ፡ ‘ኣምላኽካ እዩ እሙን ገይሩካ! ኣብ ኩባንያና ምህላውካ ብሓቂ በረኸት እዩ’ ኢሉኒ። ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ዝመላለስ ምዃነይ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ንጹህ ሕልና ኺህልወኒ ኣኽኢሉኒ እዩ። ንስድራ ቤተይን ንኻልኦትን ድማ፡ ከምኡ ምእንቲ ኺገብሩ ኽሕግዞም ክኢለ እየ።”—ሶኒ፡ ካብ ሆንግ ኮንግ።

  • ናይ ኣእምሮ ሰላም

    “ኣብ ኣህጉራዊ ባንክ ሓጋዚ ኣካይዲ ስራሕ ኰይነ እየ ዝሰርሕ። ኣብዚ ስራሕ እዚ ኸኣ፡ ሃብቲ ንምርካብ ተባሂሉ ንቕንዕና ዕሽሽ እትብለሉ ግዜያት ኣሎ። ‘ሃብቲ ኽሳዕ እተረኽበን ንቝጠባ ኽሳዕ ዝሓገዘን ቍሩብ ምጥፍፋእ እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧’ ዚብል ብሰፊሑ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣረኣእያ ኣሎ። ኣነ ግና ብቕንዕና ብምምልላሰይ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ረኺበ ኣለኹ። ብቕንዕና ኽመላለስን ንዝመጸኒ ዘበለ ዅሉ ሳዕቤናት ክጾሮን ቈሪጸ እየ። ኣስራሐተይ ከም ዘይሕስዎምን ከም ዘይሕስወሎምን ይፈልጡ እዮም።”—ቶም፡ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ።

  • ኣኽብሮት

    “ናይ ስራሕ ሓለቓይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ንብረት ክሕሱ ኣተባቢዑኒ፣ ኣነ ግና ኣብየዮ። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ሰረቕቲ ምስ ተታሕዙ፡ ኣስራሕየይ ብቕንዕናይ ኣመስጊኑኒ። ኣብዛ ቕንዕና ዘይብላ ዓለም ብቕንዕና ምምልላስ ትብዓት ይሓትት። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ብኻልኦት እንእመንን እንኽበርን ኢና እንኸውን።”—ካኦሪ፡ ካብ ጃፓን።

ገለ ኻብቲ ብቕንዕና ብምምልላስ ዚርከብ ዓስቢ፡ ንጹህ ሕልናን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ኣኽብሮትን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። እምበኣር፡ ብቕንዕና ምምልላስ ጥቕሚ ኣለዎ። ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

^ ሕ.ጽ. 18 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።