ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርትን ገንዘብን ውሑስ መጻኢ ኸም ዚህልወካ ኺገብር ይኽእል ድዩ፧

ትምህርትን ገንዘብን ውሑስ መጻኢ ኸም ዚህልወካ ኺገብር ይኽእል ድዩ፧

ሓያሎ ሰባት፡ ምሁራትን ሃብታማትን ውሑስ መጻኢ ኸም ዘለዎም ይሓስቡ እዮም። ሓደ ሰብ ካብ ዩኒቨርስቲ እንተ ተመሪቑ፡ ዝሓሸ ሰራሕተኛ፡ ዝሓሸ ኣባል ስድራ ቤት፡ ዝሓሸ ዜጋ ኸም ዚኸውን ይኣምኑ እዮም። ብዘይካዚ፡ ጽቡቕ ትምህርቲ ንሓደ ሰብ፡ ጽቡቕ ደሞዝ ከም ዚኸፍሎ ይገብር፡ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዚረክብ ድማ፡ ሕጉስ ከም ዚኸውን ይስምዖም እዩ።

ብዙሓት ዚመርጽዎ ምርጫ

ኣብ ቻይና ዚነብር ዛሃንግ ቸን ዝሃቦ ሓሳብ እስከ ንርአ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ ድኽነት ምእንቲ ኽናገፍ፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ኺምረቕ ኣሎኒ ኢለ እኣምን ነይረ፣ ልዑል ዝደሞዙ ስራሕ ድማ፡ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ክመርሕ ከም ዜኽእለኒ እሓስብ ነይረ።”

ብዙሓት ሰባት፡ ውሑስ መጻኢ ንምርካብ፡ ኣብ ፍሉጣት ዩኒቨርስቲታት ሕሉፍ ሓሊፎም እውን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኪምሃሩ ይብህጉ እዮም። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ኮቪድ 19 ንዓለምለኻዊ ጕዕዞ ኣጸጋሚ ኽሳዕ ዝገበሮ እዋን ቀጺሉ ነይሩ እዩ። ኣብ 2012 ኦርጋናይዘሽን ፎር ኢኮኖሚክ ኮርፖሬሽን ደቨሎፕመንት ከም ዝጸብጸቦ፦ “ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዚምሃሩ ተምሃሮ፡ 52 ሚእታዊት ኤስያውያን እዮም።”

ወለዲ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ደቆም ኣብ ወጻኢ ኣብ ዚርከባ ዩኒቨርስቲታት ምእንቲ ኺምሃሩ ብዙሕ መስዋእትታት ይኸፍሉ እዮም። ኣብ ታይዋን ዚነብር ቸሸያንግ ዚስሙ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፦ “ወለደይ ሃብታማት እኳ እንተ ዘይነበሩ ንኣርባዕቴና ደቆም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ዚርከብ ኮሌጅ ልኢኾምና እዮም።” ስድራ ቤት ቸሸያንግ ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት ንምኽፋል፡ ከምቲ ንኻልኦት ስድራ ቤታት ዘጋጠመን ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ኣትዮም እዮም።

እዚ እንታይ የስዕብ፧

ደድሕሪ ዝለዓለ ትምህርትን ሃብትን ዝሰዓቡ ብዙሓት ሰባት፡ ጕህዮም እዮም

ትምህርቲ ብገለ መገዲ ንህይወትና ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ፣ እንተ ዀነ ግና፡ ወትሩ ነቲ ተምሃሮ ዚጽበይዎ ውጽኢት ኣየምጽእን እዩ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ምእንቲ ትምህርቲ ኢሎም ንሓያሎ ዓመታት መስዋእቲ ኸፊሎምን ኣብ ብዙሕ ዕዳ ኣትዮምን እዮም፣ ይኹን እምበር፡ ነቲ ዝደለይዎ ዓይነት ስራሕ ኣይረኸቡን። ሪቸል ሙዪ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዚሕተም ቢዝነስ ታይምስ፡ “ካብ ዩኒቨርስቲታት እተመረቑ ብዙሓት ሰባት ስራሕ ኣይረኽቡን እዮም” ኢላ ጸብጺባ ኣላ። ኣብ ታይዋን ዚነብር ጀኒ ዚስሙ ብዶክተርነት እተመረቐ ሰብኣይ ከኣ፡ “ብዙሓት ሰባት ምስቲ እተመረቕሉ ትምህርቲ ዋላ ሓንቲ ርክብ ዘይብሉ ዓይነት ስራሕ እዮም ዚሰርሑ” ኢሉ እዩ።

እቶም በቲ እተመረቕዎ ዓውዲ፡ ስራሕ ዚረኽቡ እውን እንተ ዀኑ፡ ህይወቶም ከምቲ እተጸበይዎ ኣይኰነሎምን። ኒራን ዚስሙ ኣብ ታይላንድ ዚነብር ሰብኣይ፡ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ካብ ዚርከብ ዩኒቨርስቲ ድሕሪ ምምራቑ፡ በቲ እተመረቐሉ ዓውዲ፡ ስራሕ ረኺቡ እዩ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ እተጸበኽዎ እቲ ዝረኸብክዎ ዲግሪ ዝለዓለ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ክረክብ ሓጊዙኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ዝለዓለ ደሞዝ ንምርካብ ብዙሕ ክሰርሕን ብዙሕ ግዜ ኽስውእን ነይሩኒ። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ትካል፡ ንዓይ ሓዊስካ ንብዙሓት ሰራሕተኛታቱ ሰጒጉ እዩ። እዚ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ውሕስነት ከም ዘይብሉ ኣርእዩኒ እዩ።”

ሃብታማት ወይ ጽቡቕ ናብራ ዚነብሩ ሰባት እውን ከይተረፉ፡ ጸገማት ስድራ ቤት፡ ሕማም፡ ቍጠባዊ ቕልውላው የጋጥሞም እዩ። ኣብ ጃፓን ዚነብር ካትሹቶስኪ ዚስሙ ሰብኣይ፡ “ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ነይሩኒ፡ ካልኦት ይወዳደሩንን ይቐንኡለይን ሕማቕ ይገብሩንን ስለ ዝነበሩ ግና፡ ሕጉስ ኣይነበርኩን” ይብል። ኣብ ቬትናም እትነብር ለም ዝስማ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ የናድዩ እዮም፣ ከም ሓቂ ግና ውጽኢቱ ብኣንጻሩ እዩ። ከመይሲ፡ ድሕንነት ኣይስምዖምን፡ ጥዕናኦም ይጕዳእ፡ ጭንቀት ይሕዞም እዩ።”

ልክዕ ከም ፍራንክሊን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወት ደድሕሪ ዝለዓለ ትምህርትን ሃብትን ካብ ምስዓብ ንላዕሊ ዜገድስ ነገር ከም ዘሎ ተገንዚቦም እዮም። ገሊኦም ሰባት ኣብ ስጋዊ ጥሪት ኣየተኵሩን እዮም። የግዳስ፡ ውሑስ መጻኢ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ሕያዎት ሰባት ኪዀኑን ንሰባት ጽቡቕ ኪገብሩን ይጽዕሩ እዮም። እዝስ፡ ውሑስ መጻኢ ኸም ዚህልወና ይገብር ድዩ፧ እታ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ኽትምልሶ እያ።