ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገለ ኽፋል እቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላላት መጽሓፍ ኢሳይያስ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኸኣ ናብ ዓረብኛ እተተርጐመ ዘመናዊ ትርጉም መጽሓፍ ኢሳይያስ ዘርኢ ስእሊ። መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ ኣይተቐየረን

እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ተቐዪሩ ድዩ፧

እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ተቐዪሩ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ተቐዪሩ እንተ ዀይኑ የጠራጥሮም እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ ቃል ኣምላኽ “ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 40:8) ተስፋታት ኣምላኽ ብልክዕ ከም እተዓቀበ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣምላኽ ንቓሉ ኺዕቅቦን ከይበላሾ ኪከላኸለሉን ይኽእል እዩ። ብግዜ ጥንቲ፡ ጥንቁቓት ቀዳሕቲ ንዅሉ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብኢዶም ኪጽሕፉ ኸለዉ፡ ተወሲኽዎ፡ ተቐዪሩ ወይ ጐዲልዎ ኸይከውን ኢሎም ንዅሉ ፊደላት እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ይቘጽርዎ ነይሮም እዮም። ሰባት ፍጹማት ስለ ዘይኰኑ ግና ገሊኦም ቀዳሕቲ፡ ንኣሽቱ ጌጋታት ገይሮም እዮም።

ሎሚ ዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ በዅሪ መልእኽቲ ኣምላኽ ከም ዝሓዘ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ጥንታዊ ኢደ ጽሑፍ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣሽሓት ቅድሓት ይርከብ እዩ። ሓደ ቕዳሕ ዋላ እውን ንእሽቶ ፍልልይ ይሃልዎ፡ ነቲ ሓቂ ንምርግጋጽ ምስ ካልእ ቅዳሓት ኪነጻጸር ኣለዎ።—ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org “መጽሓፍ ቅዱስ ተቐዪሩ ወይ መልእኽቱ ተጠውዩ ድዩ፧” ዚብል ዓምዲ ርአ።

ንኣብነት፡ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ተባሂሉ ዚፍለጥ ጥንታዊ ሰነድ እስከ ንርአ። እዚ ጥንታዊ ጽሑፍ እዚ፡ በደውን (ዘላናት ኣዕራብ) ብ1947 ጥቓ ምዉት ባሕሪ ኣብ ዘሎ በዓትታት ዝረኸብዎ ሰነድ ዀይኑ፡ ቅድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ንእተጻሕፈ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ እዩ። ክኢላታት ነዚ ኢደ ጽሑፋት እዚ፡ ምስቲ ሎሚ ኣብ ኢድና ዚርከብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣነጻጺሮምዎ እዮም። እሞ ደኣ፡ እንታይ ውጽኢት ረኺቦም፧

ምሁራት፡ እቲ ሎሚ ኣብ ኢድና ዘሎ ትሕዝቶ ቓል ኣምላኽ ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ከም ዜንጸባርቕ ኣረጋጊጾም እዮም። * እቲ ብጥንቃቐ እተገብረ ምርምር ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት፡ እዚ ሎሚ ዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ በዅሪ መልእኽቲ ኣምላኽ ምዃኑ የረጋግጽ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንልክዕነት እቲ ሎሚ ዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋቱ ብጥንቃቐ ዓቂቡ ኸም ዘጽንሖ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ስለዚ እምበኣር፡ ንቓል ኣምላኽ ብልክዕነቱ ምሉእ ብምሉእ ተኣማሚንና ኸነንብቦ ንኽእል ኢና። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀጺልና ኻብ ነብያቱ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ንምርምር።

^ ሕ.ጽ. 7 ዘ ኮምፕሊት ዴድ ሲ ስክሮል ኢን ኢንግሊሽ፡ ብጌዛ ቨርመሽ፡ ገጽ 16።