ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ “ሰማዕ ጸሎት” ዝዀነ ኣምላኽ፡ ኪሰምዓና ባህ እዩ ዚብሎ።—መዝሙር 65:2

ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ብቐጻሊ ጸሊ

ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ብቐጻሊ ጸሊ

ኣምላኽ ንሰባት ብጸሎት ኣቢሎም ምስኡ ኺራኸቡን ስምዒቶም ኪገልጹን ፍሉይ ውህበት ሂብዎም እዩ። ነብዪ ዳዊት፡ “ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናባኻ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (መዝሙር 65:2) ግናኸ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰምዓናን ኪባርኸናን ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ንኽእል፧

ብትሕትና ኻብ ልቢ ጸሊ

ብሕታዊ ጸሎትኩም ናይ ሓቂ ስምዒትኩም ዚገልጽ ምእንቲ ኪኸውን፡ ልብኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣፍስሱ። (መዝሙር 62:8) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብቕንዕና ንዚቐርብ ልባዊ ጸሎት ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ።

ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ተጠቐም

ኣምላኽ ብዙሕ መዓርጋት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብሕታዊ ስሙ ግና ሓንቲ ጥራይ እያ። “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ።” (ኢሳይያስ 42:8) እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስታት 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ እዩ። ሓያሎ ነብያት ንኣምላኽ ብብሕታዊ ስሙ ይጽውዕዎ ነይሮም እዮም። ኣብርሃም፡ “ምስ የሆዋ ኽዛረብ ደፊረ” ኢሉ እዩ። (ዘፍጥረት 18:27) ንሕና እውን ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ክንጥቀም ኣሎና።

ብቛንቋኻ ጸሊ

እንዛረቦ ቛንቋ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ንሓሳባትናን ንስምዒትናን ይርድኣልና እዩ። ቃሉ ድማ፡ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ . . . የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል” ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺባርኸና፡ ጸሎት ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ኣብዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኽንምርምር ኢና።