ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መንግስትኻ ትምጻእ”—ሚልዮናት ዚደጋግምዋ ጸሎት

“መንግስትኻ ትምጻእ”—ሚልዮናት ዚደጋግምዋ ጸሎት

መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ጸሊኻዶ ትፈልጥ፧ ሚልዮናት ሰባት ንሓያሎ ዘመናት፡ ነተን “መንግስትኻ ትምጻእ” ዚብላ ቓላት ይደጋግምወን እዮም። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ኢሎም ዚጽልዩ፧ ምኽንያቱ የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጽልዩ ኣዚዝዎም እዩ።

ኣብ ፈለማ፡ ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ንሱ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዝመሃሮም ነገራት ብምሉኡ ኣይኰኑን ዚርድእዎ ነይሮም። ሓደ ግዜ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ ግዜ እዚዶ ናብ እስራኤል መንግስቲ ኽትመልስ ኢኻ፧” ኢሎም ሓቲቶምዎ እዮም። የሱስ ንሕቶኦም ቀጥታዊ መልሲ ዘይምሃቡ ግና ዘይተጸበይዎ ዀይንዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6, 7) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን መዓስ ከም እትመጽእን ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን!

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ክትሕግዘካ እያ፦

  • መንግስቲ ኣምላኽ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

  • ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧

  • መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

  • ሕጂ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ክንቀውም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧