ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተክኖሎጂ ንኣተሓሳስባኻ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ተክኖሎጂ ንኣተሓሳስባኻ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ሰባት ንትምህርቶም፡ ንስራሖም፡ ወይ ንኻልእ ነገራት ዚጠቕሞም ብቐጻሊ ይምሃሩ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ ተክኖሎጂ ይሕግዝ እዩ። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ከም ሎሚ ዝደለኻዮ ሓበሬታ ብቐሊሉ ኽትረኽበሉ እትኽእል እዋን ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ከመይሲ፡ ካብ ገዛኻ ኸይወጻእካ፡ ወይ ካብ መንበርካ ኸይተሳእካ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ይኹን እምበር፡ ተክኖሎጂ ብብዝሒ ዚጥቀሙ ሰባት፦

  • ኬንብቡ ኸለዉ ሓሳቦም ይበታተን።

  • ኣብ ሓደ ዕዮ ምትኳር የጸግሞም።

  • በይኖም ኪዀኑ ኸለዉ ቐልጢፉ ይስልክዮም።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ንባብ

ገሊኦም ሰባት፡ ጽሑፋት ኬንብቡ ኸለዉ፡ ንሓሳባት እቲ ጸሓፊ ብዓቕሊ ኣብ ክንዲ ዜንብብዎ፡ ላዕላ ላዕሉ ጥራይ እዮም ዜንብብዎ።

ንሓደ ሕቶ ቐልጢፍካ መልሲ ንምርካብ፡ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ምንባብ ጸገም የብሉን። ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር ኣዕሚቝካ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ ግና ኸምኡ ምግባር ኣይሕግዘካን እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንሓደ ነዊሕ ጽሑፍ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ጌርካ ተንብቦ፧ ጽቡቕ ጌርካ ምንባብ ንፍልጠትካ ብኸመይ የስፍሖ፧—ምሳሌ 18:15

ኣትኵሮ

ገሊኦም ሰባት፡ ብተክኖሎጂ ተጠቒሞም ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ነገር ኪዓምሙ ኸም ዚኽእሉ ይስምዖም እዩ፣ ንኣብነት፡ እናጽንዑ ኸለዉ ንኣዕሩኾም ተክስት ይገብሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣትኵሮኦም ስለ ዚመቓቐል፡ ንኽልቲኡ ነገር ብጽፈት ኪገብርዎ ኣይክእሉን እዮም።

ኣትኵሮ ንምግባር ርእስና ኽንገትእ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ዓስቢ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ዘለዎ ዓስቢ፡ ሓንቲ ግሬስ ዝስማ ጐርዞ፡ “ብዙሕ ኣይትጋገይን ውጥረት ከኣ ይንክየልካ። እተፈላለየ ነገራት ኣብ ሓደ እዋን ክትገብር ኣብ ክንዲ ምፍታን፡ ኣትኵሮኻ ኸይተመቓቐለ ኣብ ሓደ ነገር ምትኳር ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ርእየ እየ” ኢላ እያ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ሓደ እዋን እተፈላለየ ነገር ምግባር፡ ነቲ ተጽንዖ ዘለኻ ኽትርድኦን ክትዝክሮን ዕንቅፋት ይዀነካ ድዩ፧—ምሳሌ 17:24

በይንኻ ኽትከውን ከለኻ

ገሊኦም ሰባት፡ ጸጥ ኣብ ዝበለ ኸባቢ በይኖም ኪዀኑ ኸለዉ፡ ጽምዋ ይስምዖም እዩ፣ ስለዚ፡ ነዚ ስምዒቶም ምእንቲ ኺርስዕዎ ተክኖሎጂ ይጥቀሙ እዮም። ሓንቲ ኢሊቪያ ዝስማ ሰበይቲ፡ “ሞባይል ወይ ታብለት እንተ ዘይተጠቒመ ወይ ተሌቪዥን እንተ ዘይወሊዐ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕ ይስልክየኒ እዩ” ኢላ እያ።

ይኹን እምበር፡ በይንኻ ምዃን ንኸተስተንትን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይህበካ እዩ፣ ምስትንታን ንመንእሰያትን ንዓበይትን ፍልጠቶም ኬስፍሑ ይሕግዞም እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ነቲ በይንኻ እትዀነሉ እዋን ብግቡእ ትጥቀመሉ ዲኻ፧—1 ጢሞቴዎስ 4:15

ክትገብሮ እትኽእል

ነቲ ተክኖሎጂ እትጥቀመሉ መገዲ መርምሮ

ኣተሓሳስባኻ ኸተስፍሕ ንተክኖሎጂ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧ ተክኖሎጂ ንኣትኵሮኻን ንናይ ምርዳእ ክእለትካን ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን።”—ምሳሌ 3:21