ንስድራ ቤት ዚኸውን ተወሳኺ ሓገዝ
መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን መምርሒ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ንሰብ ሓዳርን ንወለድን ንመንእሰያት ኪጠቕሞም ይኽእል እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣተሓሳስባን ንናይ ምምዝዛን ክእለትን ኬመሓይሽ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 1:1-4።
መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶታት ይምልስ እዩ፣ ገለ ኻብኡ እንሆ፦
ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ፧
ንዜጋጥመና መከራ ዚሕተተሉ ኣምላኽ ድዩ፧
ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
መልሲ እዚ ሕቶታት እዝን ካልእን ንምርካብ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምሮ ኸነተባብዓካ ንፈቱ። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ። ናብ www.jw.org እቶ።