ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብትግሃት ምዕያይ ከም ምውስዋስ ኣካላት እዩ፣ ንሕጅን ንመጻእን ይጠቅም እዩ

ንመንእሰያት

11፦ ትግሃት

11፦ ትግሃት

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ትጉሃት ሰባት ካብ ስራሕ ኣይሃድሙን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንርእሶም ዜድልዮም ምእንቲ ኼማልኡን ንኻልኦት ኪሕግዙ ምእንቲ ኪኽእሉን፡ ዋላ እኳ እቲ ዚሰርሕዎ ስራሕ ብኻልኦት ዚንዓቕ እንተ ዀነ፡ ብትግሃት ምዕያይ ይፈትዉ እዮም።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ፈቲና ጸሊእና፡ ህይወት ብሓላፍነታት ዝመልአት እያ። ጻዕረኛ ምዃን ብዙሕ ኣብ ዘይፍተወላ ዓለም፡ ትጉህ እንተ ዄንካ ሓለፋታት ትረክብ ኢኻ።—መክብብ 3:13

“ብትግሃት ትዓዪ እንተ ዄንካ፡ ሓበንን ዕግበትን ከም ዚስምዓካ ኣስተውዒለ እየ። እቲ ውሽጣዊ ዕግበት ድማ ስራሕ ከም ዝፈቱ ገይሩኒ እዩ። ኣብ ስራሕካ ጻዕረኛ እንተ ዄንካ፡ ጽቡቕ ስም ይህልወካ እዩ።”—ሬዮን።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ።”—ምሳሌ 14:23

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

በዚ ዚስዕብ ስጕምትታት ጌርካ ብዛዕባ ስራሕ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣማዕብል።

ጽቡቕ ጌርካ ምዕያይ ፍቶ። ኣብ ገዛ ኽትዓዪ ኸለኻ፡ ወይ ናይ ትምህርትኻ ዕዮ ገዛ ኽትዓዪ ኸለኻ፡ ወይ ኣብ ካልእ ስራሕ ክትሳተፍ ከለኻ፡ ነቲ እትዓይዮ ዘለኻ ኣተኵረሉ። ንሓደ ዕዮ ጽቡቕ ጌርካ ምዕያይ ምስ ከኣልካ እውን፡ ነቲ ዕዮ ብዝሓሸ ፍጥነትን ጽፈትን ክትገብር እትኽእለሉ መገድታት ኣናዲ። ክእለትካ ብዘማዕበልካ መጠን፡ ነቲ ስራሕ ክትፈትዎ ኢኻ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ዕዮኡ ኽኢላ ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ይቐውም፣ ኣብ ቅድሚ ተራ ሰባት ኣይቀውምን።”—ምሳሌ 22:29

ኣብቲ ቐንዲ ዜገድስ ነገር ኣተኵር። ሓላፍነታትካ ብግቡእ ክትስከም ከለኻ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳያት ንኻልኦት ትጠቅም ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ ገዛኻ እትዓዮ ዕዮ ብትግሃት ክትዓዪ ኸለኻ፡ ንኣባላት ስድራ ቤትካ ጾር ኢኻ እተፍኵሰሎም ዘለኻ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ሓለፋ እቲ እትሕተቶ ግበር። ብንእሽቶ ዕዮ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትዓግብ፡ ካብቲ ትጽቢት ዚግበረልካ ንላዕሊ ኽትገብር ጽዓር። በዚ ኸምዚ፡ ግዴታ ስለ ዝዀነካ ዘይኰነስ፡ ብምርጫኻ ስለ እትዓዪ፡ ነቲ ኣብ ህይወትካ ዚኸውን ነገራት ንስኻ ኢኻ እትቈጻጸሮ።—ማቴዎስ 5:41

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ [ኣይኹን]።”—ፊልሞን 14

ሚዛናዊ ኹን። ትጉሃት ሰባት ሃካያት ወይ ውሉፋት ስራሕ ኣይኰኑን። የግዳስ፡ ሚዛናውያን እዮም፣ ብትግሃት ብዚዓይይዎ ዕዮን ብእዋን ዕረፍትን ከኣ ይሕጐሱ እዮም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ።”—መክብብ 4:6