ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ያን-ደ ሱ

ሓደ ኽኢላ ስነ ድቂ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሓደ ኽኢላ ስነ ድቂ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ፕሮፌሰር ያን-ደ ሱ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ፒንግቱንግ ታይዋን ኣብ ክፍሊ ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን፡ ሓላፊ ምርምር ድቂ እዩ። ፈለማ ኣብ ፍልቀት እዩ ዚኣምን ነይሩ፣ ጸኒሑ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ምስ ኰነ ግና ኣተሓሳስባኡ ቐየረ። እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንመጽሔት ንቕሑ! ገሊጹ ኣሎ።

ብዛዕባ ኣተዓባብያኻ ኣሕጽር ኣቢልካ ኽትነግረናዶ፧

ብ1966 ኣብ ታይዋን ተወሊደ፡ ኣብኡ ድማ ዓብየ። ሃይማኖት ወለደይ ኣብ ታኦይዝምን ቡድሂዝምን እተመስረተ እዩ ነይሩ። ንኣባሓጎታትና ነምልኽን ናብ ምስልታት ንጽልን እኳ እንተ ነበርና፡ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም ዘሎ ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና።

ስነ ህይወት ዘጽናዕካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ቈልዓ ኸለኹ እንስሳታት ምክንኻን እፈቱ ነይረ፣ ንሰባትን ንእንስሳታትን ካብ ስቓይ ብኸመይ ከገላግሎም ከም ዚኽእል ክምሃር እውን እደሊ ነይረ። ንእተወሰነ ግዜ ብዛዕባ ሕክምና እንስሳታት ድሕሪ ምጽናዐይ ድማ ንመበቈል ህይወት ክርድኦ ይሕግዘኒ እዩ ዝበልክዎ ስነ ድቂ ኸጽንዕ ጀሚረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ስለምንታይ ኣብ ፍልቀት ትኣምን ከም ዝነበርካ ኽትነግረና ትኽእልዶ፧

ፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲ ፍልቀት ይምህሩን ንዕኡ ዚድግፍ መርትዖ ኸም ዘሎ ይገልጹን ስለ ዝነበሩ እየ ኣብ ፍልቀት ክኣምን ዝኸኣልኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ዝጀመርካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ብኽልተ ምኽንያት እየ። ቀዳማይ፡ ‘ሰባት ብዙሓት ኣማልኽቲ ዜምልኹ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሓደ ኻብቶም ካልኦት ዚዓቢ ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መኖም እዩ፧’ ኢለ እሓስብ ብምንባረይ እዩ። ካልኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርካ ዚርአ መጽሓፍ ምዃኑ እፈልጥ ነይረ እየ። በዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀሚረ።

ብ1992 ኣብቲ ኣብ ለቨን ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ካቶሊክ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ ናብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ብምኻድ ንሓደ ቐሺ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድኦ ኺሕግዘኒ ሓቲተዮ፣ ንሱ ግና ፍቓደኛ ኣይነበረን።

ንሕቶታትካ መልሲ ዝረኸብካሉ ደኣ ብኸመይ ኢኻ፧

ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ኣብ ቤልጅዩም ስነ ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ምስ ሓንቲ ፖላንዳዊት ዝዀነት ሩት እትብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ተራኺበ። ንሳ ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምሃሩ ዚደልዩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምእንቲ ኽትሕግዝ ቋንቋ ቻይና ተማሂራ ነይራ። ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ክረክብ እጽሊ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ ንዓኣ ምስ ረኸብኩዋ ኣዝየ እየ ተሓጕሰ።

ሩት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ ምስ ስነ ፍልጠት ከም ዚሰማማዕ ገሊጻትለይ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዳዊት፡ ኣብቲ ንኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎት፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረአያኒ፡ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፡ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፡ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ” ኢሉ እዩ። (መዝሙር 139:16) ዳዊት ነዚ ብመልክዕ ግጥሚ እኳ እንተ ጸሓፎ፡ እቲ ሓሳባት ልክዕ እዩ ነይሩ። ክፋላት ኣካላትና ኸይቈመ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ንኣመዓባብላኡ ዚምልከት መምርሒታት ኣብቲ ድቂ እዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ልክዕነት፡ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኽኣምን ሓጊዙኒ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሆዋ ዝስሙ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎ ተረዲአ። 1

ኣምላኽ ህይወት ከም ዝፈጠረ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

ዕላማ ሓደ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር፡ ነቲ ድሮ እተበጽሐ ምርዳእ ንምድጋፍ ዘይኰነስ፡ ሓቂ ንምርካብ እዩ። ብዛዕባ ኣመዓባብላ ድቂ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ ኣረኣእያይ ክቕይርን ህይወት ከም እተፈጥረት ክኣምንን ደሪኹኒ እዩ። ንኣብነት፡ መሃንድሳት ክፋላት ሓደ ኣቕሓ በብመስርዑን ኣብቲ ልክዕ ቦታኡን ከም ዚገጥም ዚገብር መስመር መገጣጠሚ ይነድፉ እዮም። ኣመዓባብላ ድቂ እውን ምስዚ ዚመሳሰል እኳ እንተ ዀነ፡ ዝያዳ እተሓላለኸ እዩ።

እቲ መስርሕ ብሓደ ዝጸገየ ዋህዮ እዩ ዚጅምር፣ ሓቀይዶ፧

እወ። ብድሕሪዚ እቲ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚርአ ዋህዮ ይምቀል እሞ፡ መስርሕ ምርባሕ ዋህዮታት ይጅምር። ንእተወሰነ ግዜ ኸኣ ቍጽሪ ዋህዮታት ካብ 12 ኽሳዕ 24 ሰዓት ኣብ ዘሎ እዋን ብዕጽፊ ይውስኽ። ኣብ መጀመርታ እቲ መስርሕ ድማ ሱር ዋህዮ ዚብሃሉ ዋህዮታት ይቘሙ። 2 ሱር ዋህዮታት ንኸም ዋህዮታት ደምን ዋህዮታት ዓጽምን ዋህዮታት መትንን ካልኦትን ዝኣመሰሉ እኹል ህጻን ንምህናጽ ዜድልዩ 200 ዚዀኑ እተፈላለዩ ዓይነት ዋህዮታት ኬፍርዩ ይኽእሉ እዮም።

ብዛዕባ ኣመዓባብላ ድቂ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ፡ ህይወት ከም እተፈጥረት ክኣምን ደሪኹኒ እዩ

እቶም ዋህዮታት በብመስርዖምን ኣብ ልክዕ ቦታኦምን ኪዳለዉ ኣለዎም። ዋህዮታት ተኣኪቦም ቲሹ (ኣካሊት) ይዀኑ፣ ቲሹ ኸኣ ብሓባር ተኣኪቦም ኣብ ውሽጥና ዚርከብ ኣካል ኰነ ኣእጋርን ኣእዳውን የቝሙ። ኣየናይ መሃንድስ እዩ እሞ ንኸምዚ ዓይነት መስርሕ ዚኸውን መምርሒ ንምጽሓፍ ኪሓስብ ዚኽእል፧ ኰይኑ ግና፡ ንዕቤት ድቂ ዚኸውን መምርሒታት ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. ብዜደንቕ መገዲ ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ዅሉ ነገራት ብኸመይ ብውቁብ መገዲ ኸም እተሰርሐ ምስ ሓሰብኩ፡ ህይወት ብኣምላኽ ከም እተነድፈት ክኣምን ክኢለ እየ።

ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀንካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ብሓጺሩ፡ ፍቕሪ እዩ። የሱስ ክርስቶስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 13:35) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣድልዎ የብላን። ብዜግነት፡ ብባህሊ ወይ ብሕብሪ ቘርበት እውን ኣይትጽሎን እያ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሓበርኩ ኸምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኣስተማቒረ እየ።

^ 2. ፕሮፌሰር ያን-ደ ሱ ብምኽንያት ክርስትያናዊ ሕልናኡ ኣብቲ ምስ ምትካልን ምብዛሕን ንድቂ ዜቝሙ ሱር ዋህዮ ዚተሓሓዝ ዕዮ ኣይሰርሕን እዩ።