ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧

ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧

መን ይመስለካ፧

  • ኣምላኽ

  • ሰባት

  • ካልእ ኣካል

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።”​—1 ዮሃንስ 5:19ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

“ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ እዩ እተጋህደ።”​—1 ዮሃንስ 3:8

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ጠንቂ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት መን ምዃኑ ትርዳእ።​—ራእይ 12:12

ዓለምና ኽትመሓየሽ ምዃና ኽትኣምን መርትዖ ትረክብ።​—1 ዮሃንስ 2:17

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብሰለስተ ምኽንያት።

  • ግዝኣት ሰይጣን ኪጠፍእ እዩ። የሆዋ ነቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚገብሮ ዘሎ ቝጽጽር መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ንዅሉ እቲ ሰይጣን ዜምጽኦ ጕድኣት ምሉእ ብምሉእ ብምልጋስ ‘ንድያብሎስ ከም ዚስዕሮ’ ኣተስፍዩ እዩ።​—እብራውያን 2:14

  • ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኪገዝኣ መሪጽዎ እዩ። የሱስ ካብቲ ጨካንን ስሱዕን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ፈጺሙ እተፈልየ እዩ። ንሱ ምስ ነገሰ፡ “ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ . . . ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም” ምዃኑ፡ ኣምላኽ ኣተስፍዩ ኣሎ።​—መዝሙር 72:13, 14

  • ኣምላኽ ኣይሕሱን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ፡ ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኸም ዘይክእል’ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 6:18) እቲ የሆዋ ኺገብሮ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ከይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።”​ዮሃንስ 12:31

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ኣልገሰ፡ ዓለም ከመይ ክትመስል እያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ መዝሙር 37:10, 11፣ ራእይ 21:3, 4 ይምልሳ እዩ።