ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ —መዳርግቲ ዘይብሉ መጽሔት

ግምቢ ዘብዐኛ —መዳርግቲ ዘይብሉ መጽሔት

ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ መጽሔታት ዝለዓለ ዝርጋሐ ኣለዋ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም፡ 59 ሚልዮን ቅዳሓት ኣለዋ። ንቕሑ! ድማ ብዝርጋሐ ኻልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ፣ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ከኣ፡ 58 ሚልዮን ቅዳሓት ኣለዋ። ክልቲአን መጽሔታት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሕተማ ዀይነን፡ ኣብ 240 ሃገራት ከኣ ይዝርገሓ።

ብዛዕባ ኻልእ መጽሔታትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ኣሶሴሽን ኦቭ ማጋዚን ሚድያ፡ ኣብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ብብዝሒ ተሓቲሙ ዚሽየጥ መጽሔት፡ እቲ ማሕበር ሰብ ጥሮታ ኣመሪካ (AARP) ዕድሜኦም ካብ 50 ዓመት ንላዕሊ ንዝዀኑ ሰባት ዜዳልዎ መጽሔት እዩ። እዚ መጽሔት እዚ፡ ብልዕሊ 22.4 ሚልዮን ቅዳሓት እዩ ዚዝርጋሕ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኤዲኤሲ ሞተርዌልት ዚብሃል መጽሔት ጀርመን፡ ዳርጋ 14 ሚልዮን ቅዳሓት ይሕተም፣ እቲ ጉሺ ህዌ (ዛንታታት) ዚብሃል መጽሔት ቻይና ድማ፡ 5.4 ሚልዮን ቅዳሓት ይሕተም።.

ካብ ጋዜጣታት ከኣ፡ እቲ ኣብ ጃፓን ዚሕተም ዮሚዩሪ ሺምቡን ዚብሃል ጋዜጣ ብዝርጋሐ ቐዳማይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ቅዳሓት ድማ ይሕተም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜሕትምዎ ጽሑፋት፡ ብብዝሒ ዚትርጐመሉ ቛንቋታት እውን ካብ ካልኦት ዚዛይድ እዩ። ግምቢ ዘብዐኛ ብልዕሊ 250 ቋንቋ፡ ንቕሑ! ኸኣ ብልዕሊ 100 ቛንቋ እየን ዚትርጐማ። ብኣንጻሩ ግና፡ እቲ ትሕዝቶኡ ኻብ ሃገር ናብ ሃገር ዚፈላለ ሪደርስ ዳይጀስት ዚብሃል መጽሔት፡ ብ21 ቋንቋታት እዩ ዚትርጐም።

ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ካብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ መጽሔታት እተፈልያ ዚገብረን ካልእ ነገር፡ ብፍታው ብዚግበር ወፈያ ዚምወላ ምዃነን እዩ። መወዓውዒ ዀነ እተተመነ ዋጋ የብለንን።

ዕላማ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍላይ ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚብሎ ነገራት ምብራህ እዩ። ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ 1879 ኣትሒዛ እያ ትሕተም ዘላ። ንቕሑ! ሰባት ኣብ ፈጣሪ እምነት ኬሕድሩ ንምሕጋዝ፡ ብዛዕባ ተፈጥሮን ስነ ፍልጠትን ከምኡ ዝኣመሰለ ሓፈሻዊ ነገራትን እዩ ዚገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል እውን ይገልጽ እዩ።