ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፧

ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፧

2023 ጸብጻብ

ቍጽሪ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

8,816,562

ጉባኤታት

118,177

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሰብኩለን ሃገራት

239

2023 ጠቕላላ ድምር

2023 ጸብጻብ ሃገርን ግዝኣትን

ብዝሒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ኢኹም እትቘጽርዎ፧

 ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌርና እንቘጽሮም ነቶም ኣብ ወወርሒ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ዚሰብኩ ጥራይ ኢና። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ኸኣ፡ ነቶም ተጠሚቖም ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀኑን ገና ዘይተጠምቁ ኽነሶም ኣብ ዕዮ ስብከት ኪካፈሉ ዚበቕዑን የጠቓልል።

ሓደ ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን እንተ ደልዩ ገንዘብ ኪኸፍል የድልዮ ድዩ፧

 ኣየድልዮን እዩ። ሓደ ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ወይ ከኣ ኣብ ውድብና ገለ ሓላፍነት ወይ ፍሉይ መሰል ኪውሃቦ ኢሉ ገንዘብ ኣይከፍልን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:18-20) መብዛሕትኡ ግዜ፡ መንነት እቲ ወፈያ ዚገብር ሰብ ኣይፍለጥን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ከከም ድሌቱን ኵነታቱን ዘለዎ ግዜን ጕልበትን ጥሪትን ይውፊ እዩ።—2 ቈረንቶስ 9:7

ብንጥፈት ዚሰብኩ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንደይ ምዃኖም ብኸመይ ትፈልጡ፧

 ኣብ ወወርሒ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ንጥፈታት ስብከቶም ናብ ገጉባኤኦም ጸብጻብ ይህቡ እዮም። ብፍቓዶም ከኣ እዮም ጸብጻብ ዚህቡ።

 ጸብጻብ ጉባኤ ተኣኪቡን ተደሚሩን ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይለኣኽ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ድማ፡ ድምር ነፍሲ ወከፍ ሃገር ወይ ክሊ ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ይልእኽ።

 ኣብ መወዳእታ ዓመት ኣገልግሎት፡ a ኣብታ ዓመት እቲኣ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ክንደይ ምንባሩ ይውሰን። ኵሉ እቲ ኣሃዛት ተደሚሩ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘለዉ ይውሰን። ነናይ ሃገር ጸብጻብ ኣብ ወብሳይትና፡ “ኣብ መላእ ዓለም” ኣብ ዚብል ይርከብ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት፡ ከምቲ ንቐዳሞት ክርስትያናት ዘተባብዖም ንዓና እውን የተባብዓና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:41፣ 4:4፣ 15:3

ነቶም ዘይሰብኩ ኽነሶም ምስ ውድብኩም ዚሓብሩ ሰባት ትቘጽርዎም ዲኹም፧

 ነዞም ሰባት እዚኦም ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌርና ዘይንቘጽሮም እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ጉባኤታትና ምሳና ኺእከቡ ግና ባህ ይብለና እዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ይእከቡ እዮም፣ ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቍጽሪ እቶም ኣብዚ በዓል እዚ እተኣከቡ ብምንካይ ድማ ቍጽሮም ኪግምገም ይከኣል እዩ። ብ2023 ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ 20,461,767 እዩ ነይሩ።

 ኣብ ኣኼባታትና ዘይእከቡ ሓያሎ ሰባት እውን ምሳና ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ እዮም። ብ2023፡ በብወርሑ ብገምጋም 7,281,212 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕና ኢና፣ ኣብ ገሊኡ እዋናት ድማ፡ እተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ብሓንሳእ ኢና እነጽንዖም።

መንግስቲ ብዛዕባ ብዝሒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚህቦ ኣሃዝ ካብቲ ናታትኩም ዚልዕል ስለምንታይ እዩ፧

 ቢሮ ቘጸራ ህዝቢ መንግስቲ ነቲ ኣሃዝ ዚውስኖ፡ ንሰባት ሃይማኖቶም እንታይ ምዃኑ ብምሕታት እዩ። ንኣብነት፡ ቢሮ ቘጸራ ህዝቢ ሕ.መ.ኣ. እቲ ዚወስድዎ ገምጋም፡ እቶም ዚቝጸሩ ውልቀ ሰባት ሰዓብቲ ኣየናይ ሃይማኖት ምዃኖም ኣብ ዚህብዎ ምላሽ እዩ ዚምርኰስ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ ውጽኢት ኣብ ውልቃዊ ርእይቶ ደኣ እምበር፡ ኣብ ህሉው ኵነታት እተመስረተ ኣይኰነን። ንሕና ኸም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌርና እንቘጽሮም ግና፡ ነቶም ንኻልኦት ዚሰብኩን ንጥፈታት ኣገልግሎቶም ጸብጻብ ዚህቡን ደኣ እምበር፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ጥራይ ዚዛረቡ ኣይኰንናን።

a ዓመት ኣገልግሎት እንብሎ፡ ካብ 1 መስከረም ክሳዕ 31 ነሓሰ ዘለዎ እዋን እዩ። ንኣብነት፡ ዓመት ኣገልግሎት 2015፡ 1 መስከረም 2014 ጀሚሩ 31 ነሓሰ 2015 ይውድእ።