ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ንየሱስ፡ “ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (ዮሃንስ 1:49) እቲ “ወዲ ኣምላኽ” ዚብል መግለጺ፡ ኣምላኽ ፈጣሪ ወይ ምንጪ ዅሉ ህይወት፡ እንተላይ ምንጪ ህይወት የሱስ ከም ዝዀነ ይሕብር። (መዝሙር 36:9፣ ራእይ 4:11) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብኸምቲ ሰባት ቈልዑ ዚወልዱሉ መገዲ ገይሩ ቘልዓ ኸም ዝወለደ ኣይምህርን እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ እውን “ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖም እዩ። (እዮብ 1:6) መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም እውን “ወዲ ኣምላኽ” ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። (ሉቃስ 3:38) ኰይኑ ግና፡ የሱስ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽን ብቐጥታ ብኣምላኽ እተፈጥረን ብምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ቀንዲ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ ይገልጾ እዩ።

 የሱስ ኣብ ምድሪ ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ ኣብ ሰማይ ይነብር ነይሩ ድዩ፧

 እወ። የሱስ ኣብ ምድሪ ሰብ ኰይኑ ኸይተወልደ ኸሎ፡ ኣብ ሰማይ ዚነብር መንፈሳዊ ፍጡር እዩ ነይሩ። የሱስ ባዕሉ፡ “ካብ ሰማይ ወሪደ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 6:38፣ 8:23

 ኣምላኽ ዝዀነ ኻልእ ነገራት ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ፈለማ ንየሱስ እዩ ፈጢርዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦

  •   “ንሱ . . . በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እዩ።”—ቈሎሴ 1:15

  •   “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” እዩ።—ራእይ 3:14

 የሱስ ነቲ ብዛዕባ እቲ “መበቈሉ ኻብ ጥንቲ፡ ካብ መዓልትታት ቀደም ዝዀነ” ዚገልጽ ትንቢት ፈጺምዎ እዩ።—ሚክያስ 5:2፣ ማቴዎስ 2:4-6

 የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ እንታይ ይገብር ነይሩ፧

 ኣብ ሰማይ ልዑል ቦታ ነይርዎ። የሱስ፡ “ኣቦ፡ ሕጂ ኸምቲ ዓለም ከይኰነት ምሳኻ ኸለኹ ዝነበረኒ ኽብሪ፡ . . . ኣኽብረኒ” ኢሉ ብምጽላይ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ቦታ ተዛሪቡ እዩ።—ዮሃንስ 17:5

 ንዅሉ ኻልእ ነገራት ኣብ ምፍጣር ንኣቦኡ ሓጊዝዎ። የሱስ “ክኢላ ሰራሕተኛ” ዀይኑ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዓይዩ እዩ። (ምሳሌ 8:30) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ . . . ኵሉ ብእኡ እዩ ተፈጢሩ” ይብል።—ቈሎሴ 1:16

 ኣምላኽ ምስ የሱስ ኰይኑ ንዅሉ ኻልእ ፍጥረት ኣብ ህልውና ኸም ዚመጽእ ገይሩ እዩ። እዚ ፍጥረት እዚ፡ ንዅሎም ካልኦት መንፈሳውያን ፍጥረታትን ነዚ ግኡዝ ዩኒቨርስን የጠቓልል። (ራእይ 5:11) እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን የሱስን ዝነበረ ምትሕብባር፡ ብገሊኡ መዳይ ምስቲ ሓደ ነዳፊ ምስ ሓደ ሃናጺ ዀይኑ ዚዓይዮ ዕዮ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። እቲ ነዳፊ ንድፊ የውጽእ፡ እቲ ሃናጺ ኸኣ ነቲ ንድፊ ናብ ህንጻ ይቕይሮ።

 ቃል ኰይኑ ኣገልጊሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዝነበሮ ህይወት ኪገልጽ ከሎ፡ ንየሱስ፡ “ቃል” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (ዮሃንስ 1:1) እዚ ድማ፡ ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ንኻልኦት መንፈሳውያን ፍጥረታት ሓበሬታን መምርሕን የመሓላልፍ ነይሩ ማለት ምዃኑ ንጹር እዩ።

 ብዘይካዚ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ ደቂ ሰብ መልእኽቲ ንምብጻሕ ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ዝዓየየ እዩ ዚመስል። ኣምላኽ ኣብ ገነት ኤደን ንኣዳምን ንሄዋንን መምርሒ ኺህቦም ከሎ፡ ነቲ ቓል ዝዀነ የሱስ ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እቲ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ብበረኻ ዝመርሖምን ድምጹ ተጠንቂቖም ኪሰምዑ ትእዛዝ እተዋህበሉን መልኣኽ፡ የሱስ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘጸኣት 23:20-23 a

a ኣምላኽ በቲ ቓል ዝዀነ የሱስ ጥራይ ኣይኰነን ተዛሪቡ። ንኣብነት፡ ሕጉ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ንምምሕልላፍ፡ ነቲ በዅሪ ወዱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት መላእኽቲ እውን ተጠቒሙ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:53፣ ገላትያ 3:19፣ እብራውያን 2:2, 3