ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 44-48

“ንርእስኻ ዓበይቲ ነገራት” ኣይትድለ

“ንርእስኻ ዓበይቲ ነገራት” ኣይትድለ

45:2-5

ባሩኽ ኣብ ቤት ንጉስ ዜገልግል ምሁር ብዓል ስልጣን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዋላ እኳ ንየሆዋ የምልኽ፡ ንኤርምያስ ድማ እሙን ኰይኑ ይሕግዞ እንተ ነበረ፡ ሓደ እዋን ግና ሚዛኑ ስሒቱ ነይሩ እዩ። “ዓበይቲ ነገራት” ኪደሊ ጀመረ። እዚ ዓበይቲ ነገራት ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዚርከብ ተወሳኺ ኽብሪ ወይ ስጋዊ ሃብቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ቐሪቡ ዝነበረ ጥፍኣት የሩሳሌም ምእንቲ ኺድሕን ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ የድልዮ ነበረ።