ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ዝርርብ ንምጅማር እትሕግዝ ሓዳስ ዓምዲ

ዝርርብ ንምጅማር እትሕግዝ ሓዳስ ዓምዲ

ካብ ጥሪ 2016 ኣትሒዙ፡ ኣብ መወዳእታ ገጽ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” ዘርእስታ ሓዳስ ዓምዲ ኽትወጽእ ጸኒሓ እያ። እዛ ሓዳስ ዓምዲ እዚኣ ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ንምጅማር ክትሕግዘና ተባሂላ እያ ተዳልያ። እቲ ኣቀራርባ ምስቲ ኣብ ትራክትታትና ዘሎ ኣቀራርባታት ዚመሳሰል እዩ። ኣረኣእያ እቲ ሰብ ንኽትፈልጥ ዚሕግዝ ሕቶታት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ኸምኡ እውን ንምይይጥ ዚኸውን ተወሳኺ ነጥብታት ዝሓዘት እያ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ባህ ዜብል ምይይጥ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚመርሕ። መንፈሳዊ ጥሜት ብዙሓት ሰባት ንምዕንጋል፡ ነዛ ሓዳስ ዓምዲ ተጠቐመላ።—ማቴ 5:6

ነዛ ዓምዲ ብኸመይ ከም እትጥቀመላ፦

  1. ነቲ ብዓል ቤት ንሓንቲ ኻብተን ሕቶታት ዘለዎ ርእይቶ ሕተቶ

  2. ጽን ኢልካ ስምዓዮ፡ ርእይቶኡ ስለ ዝገለጸልካ ኸኣ ኣመስግኖ

  3. ነታ ኣብ ትሕቲ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” እትብል ኣርእስቲ ዘላ ጥቕሲ ኣንብባ፣ ብዛዕባኣ ዘለዎ ርእይቶ ድማ ሕተቶ። ግዜ እንተ ኣልይዎ፡ በቲ ኣብ ትሕቲ “ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧” እትብል ኣርእስቲ ዘሎ ነጥብታት ተጠቒምካ ዝርርብካ ቐጽል።

  4. ነታ መጽሔት ኣበርክታ

  5. ተመሊስካ ኽትበጽሖን ነታ ኻልአይቲ ሕቶ ኽትመያየጡላን ቈጸራ ግበር