ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ

ሕቶ፦ መላእኽቲ ብሓቂዶ ኣለዉ እዮም፧

ጥቕሲ፦ መዝ 103:20

መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ከም ዚብልን ሎሚ መላእኽቲ ንህይወትና ብኸመይ ከም ዚጸልውዎን ትገልጽ።

ሓቂ ምሃር

ሕቶ፦ ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮዶ ይመስለካ፧

ጥቕሲ፦ ኢሳ 40:22

ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስነ ፍልጠታዊ ነገራት ብልክዕ ይገልጽ እዩ።

ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ጉባኤ (inv)

መፋለጢ፦ ብናጻ ዚቐርብ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትሰምዕ፡ ክዕድመካ ደልየ ኣለኹ። እቲ መደረ ኸኣ ኣብ ቦታ ኣምልኾና፡ ማለት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚውሃብ። [ነታ ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ሃቦ፡ ሰዓትን ቦታን እቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ሓብሮ፣ ኣርእስቲ እቲ ህዝባዊ መደረ ድማ ንገሮ።]

ሕቶ፦ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኬድካዶ ትፈልጥ፧ [ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣርእዮ።]

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።