ኣብ ኢጣልያ ኣብ በቤት ይሰብኩ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሓምለ 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ ንምብርካትን ብዛዕባ መከራ ሓቂ ንምስትምሃርን ዚሕግዝ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ልቢ ስጋ ድዩ ዘሎካ፧

ንመዘናግዒና ወይ ከኣ ንኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ብዚምልከት ኣብ እንገብሮ ውሳነ፡ ልቢ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ልቢ ስጋ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ቃልካ ትሕሉ ዲኻ፧

ቃልካ ዘይምሕላው ብዛዕባ ዜምጽኦ ሳዕቤን ካብ ንጉስ ጼዴቅያስ እንታይ ንምሃር፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ይቕረ እንተ ኢሉልና፡ ንጌጋና ይርስዖ ድዩ፧

እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት እዩ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለ ዚሕብር፧ እቲ የሆዋ ምስ ዳዊትን ምናሴን ጴጥሮስን ዝነበሮ ርክብ ኣብ ምሕረቱ ኽንተኣማመን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ንርእስኻ ይቕረ ትብለላ ዲኻ፧

ዋላ እኳ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታትና ይቕረ እንተ በለልና፡ ንርእስና ይቕረ ኽንብለላ ኼጸግመና ይኽእል እዩ። እሞኸ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ንግስና ናይቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ እዩ

እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ንጉስ እተነበዮ ትንቢት ኣብ የሱስ እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣፍ ደገ እተርእዮ ጽቡቕ ጠባይ

ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢልና ኸለና፡ ሰብ ቤት ብመስኮት ተቐልቂሎም ከም ዚርእዩና ወይ ኣብ ማዕጾ ተጸጊዖም ከም ዚሰምዑና ኸይነስተብህል ንኽእል ኢና። ኣብ ኣፍ ደገ ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኣንጻር ጢሮስ እተነግረ ትንቢት፡ ኣብ ቃል የሆዋ ንዘሎና እምንቶ የድልድሎ

እቲ ብዛዕባ ጥፍኣት ጢሮስ እተነግረ ትንቢት ህዝቅኤል፡ ብዜደንቕ ዝርዝር ነጥብታት ተፈጺሙ።