ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 79-86

ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ መን እዩ፧

ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ መን እዩ፧

ጸሓፊ መዝሙር 83፡ ዘርኢ እቲ ብግዜ ንጉስ ዳዊት ዚነብር ዝነበረ ኣሳፍ ዚብሃል ሌዋዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዛ መዝሙር እዚኣ፡ ጸላእቲ ንህዝቢ የሆዋ ኣስጊኦምዎም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እያ ተጻሒፋ።

83:1-5, 16

  • እቲ ጸሓፊ እዛ መዝሙር እዚኣ፡ ኣብቲ ኺረኽቦ ዚደሊ ድሕንነት ዘይኰነስ፡ ኣብ ስምን ልዑላውነትን የሆዋ ኣተኲሩ ጸለየ

  • ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ መስጐጕቲ የጋጥሞም እዩ። እቲ ብተኣማንነት እነርእዮ ተጻዋርነት ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ

83:18

  • የሆዋ ስሙ ኽንፈልጥ ይደልየና

  • የሆዋ ኣብ ህይወትና ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ብተግባራትና ነርኢ