ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

“ውግእን ወረ ውግእን” እናሃለወ ኽነሱ ረድኤት ምብጻሕ

“ውግእን ወረ ውግእን” እናሃለወ ኽነሱ ረድኤት ምብጻሕ

27 ግንቦት 2022

 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ‘ውግእን ወረ ውግእን ክንሰምዕ’ ንጽበ ኢና። (ማቴዎስ 24:6) እንተዀነ ግና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሰንኪ ውግእ ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ፡ ዜድልዮም ሓገዝ ይረኽቡ እዮም። እዋናዊ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣካል 2022ቍ. 3 ነቶም ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ እተጐድኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምሕጋዝ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ብዛዕባ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ረድኤት ባህ ዜብል ጸብጻብ ሒዛ ወጺኣ ነይራ። ኣብቲ ኸባቢ ውግእ እናሃለወ ኽነሱ፡ እዚ ዕዮ ረድኤት ብኸመይ እዩ ዚግበር ዘሎ፧ እዚ ዕዮ ረድኤት እዚ፡ ነቶም ኣብ ዩክረይን ዚነብሩ ኣሕዋትና ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎም፧

እንታይ እዩ ዜድልዮም ነይሩ፧ ብኸመይከ በጺሕዎም፧

 ኣብታ ኣብ ዩክረይን ውግእ እተወልዓላ ዕለት፡ ማለት ኣብ 24 ለካቲት 2022፡ ኮሚተ ኣተሓባበቲ ኣብ ዩክረይን ንዚነብሩ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ባጀት ኪስላዕ ኣጽዲቑ። ስለዚ፡ ጨንፈር ዩክረይን ብኡብኡ እተፈላለየ ነገራት ኪዕድግን በቶም ዝሸሞም 27 ኮሚተ ዕዮ ረድኤት ኣቢሉ ነቲ እተዓደገ ነገራት ኬከፋፍልን ጀሚሩ።

 ነዚ ጻዕርታት እዚ ንምድጋፍ፡ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ኣሕዋት ነዚ ዕዮ ኺሕግዙሉ ዚኽእሉ ግብራዊ መገዲ ሽዑሽዑ ኺሓስቡ ጀሚሮም። ኮሚተ ኣተሓባበርትን ኮሚተ ሕትመትን ኣመሓዳሪ ኣካል ንኽፍሊ ዓለምለኻዊ ሸመታ ምስ ተወከልቲ ኣብያተ ጽሕፈት ዩክረይንን ፖላንድን ብሓደ ኺዓይዩን እቲ ዜድሊ ነገራት ንምምላእ ዜኽእል መደብ ኪሕንጽጹን ሓተቶም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣብ ክፍልታት ሸመታን መጐዓዓዝያን ሕግን ዚሰርሑ ኣሕዋት ምስ ኣባል ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዩክረይንን ምስ ኣባላት ክፍሊ ዓለምለኻዊ ሸመታን ነቲ ዕዮ ንምውዳብ መዓልታዊ ይእከቡ ነይሮም።

ምግብን ኣቕሑ ጽሬትን ብኢድ እተሰርሐ ዜተባብዕ ካርድታትን ዝሓዘ ካርቶናት ረድኤት

 ኣብ ክፍሊ ዓለምለኻዊ ሸመታ ዚዓዪ ጄይ ስዌኒ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ፈለማ፡ እንታይ ከም ዜድሊ ፈሊና ኽንፈልጥ ነይሩና። እቶም ኣሕዋት ዝለመድዎ ዓይነት መግብን ኣቕሑ ጽሬትን ክንሰድደሎም ደሊና ኔርና። እንተዀነ ግና፡ እንታይ ከም ዜድሊ ምፍላጥ ጥራይ ነቲ ጸገም ዚፈትሕ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ነዚ ኣቕሑ እዚ ኣብ እዋን ውግእ ናብ ዩክረይን ብኸመይ ብውሑስን ብዝቐልጠፈ መገድን ከነብጽሖ ኸም እንኽእል ክንውስን እውን ነይሩና።”

 ብ9 መጋቢት 2022፡ ኣሕዋት እቶም ኣብ ዩክረይን ዚነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ከም ዜድልዮም ፈሊጦም። ገለ ኻብዚ፡ ከም እተዓሸገ ስጋን ዓሳን፡ እኽሊ፡ ሩዝ፡ ባልደንጓ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ምግቢ ኸምኡ እውን ከም ሳሙናን ወረቐት ዓይኒ ምድርን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ኣቕሑ ጽሬትን ኪጥቀስ ይከኣል። ኣብቲ እዋን እቲ ንሓደ ሰብ ንኣርባዕተ ሰሙን ዚኣክል ኣስቤዛ ንምዕዳግ ዳርጋ 65 ዶላር ኣመሪካ ኸም ዜድሊ ተገሚቱ ነይሩ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋት እዚ ቐረብ እዚ ስለ ዜድልዮም ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ነዚ ዜድሊ ንምዕዳግ ብዙሕ ባጀት ሰሊዑ። ይኹን እምበር፡ ህይወት ኣሕዋትና ኣብ ሓደጋ ኸየእተኻ እዚ ቐረብ እዚ ብኸመይ ኪበጽሕ ይኽእል፧

 ብ13 መጋቢት ኣብ ፖላንድ ዚነብሩ ኽልተ ኣሕዋት፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፖላንድ ኣብ ዩክረይን ኣብ ጥቓ ሌቪቭ ናብ ዚርከብ መኽዘን እቲ ምጕዕዓዝ ብኸመይ ከም ዚግበር ንምፍታን ከይዶም። እቶም ክልተ ወለንተኛታት ጕዕዞኦም ቅድሚ ምጅማሮም ኣብ ዝነበራ መዓልትታት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ፖላንድን ዩክረይንን ዚሰርሑ ኣሕዋት ጕዕዞኦም ኣብ ምድላው ሓጊዞምዎም እዮም። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ዶብ ተሳጊርካ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዜድሊ ሕጋዊ ወረቐት ኣዳልዩ፡ እቶም ኣሕዋት ዝሓዝወን ማካይን፡ ረድኤት ዜብጽሓ ምዃነን ዜርኢ ንጹር ምልክት ከም ዚግበረለን ገይሩ፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ዩክረይን ምስ ዘለዉ ኣሕዋት ብምትሕብባር እቶም ኣሕዋት ነቲ ዶብ ምስ ተሳገሩ ዝኸድሉ ሓጺር መገዲ ኣፍሊጥዎም። ሳላ እቲ ጽቡቕ ምድላዋትን ሳላ በረኸት የሆዋን እቲ ረድኤት ኣብ ሌቪቭ ምስ በጽሐ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ንኮሚተ ዕዮ ረድኤት በጺሕዎም፣ እቶም ኣሕዋት ድማ ብሰላም ናብ ፖላንድ ተመሊሶም።

 እቲ ንፈተነ እተገብረ ናይ ፈለማ ጕዕዞ ዕዉት እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ኣሕዋት 10 ኵንታል ዘይመልእ ረድኤት እዮም ኣብጺሖም። ገና ድማ 2,000 ኵንታል ዚግመት ረድኤት የድሊ ነይሩ እዩ። ክንድዚ ዚኣክል ብዙሕ ረድኤት ብእተኻእለ መጠን ብቑልጡፍ ኪጐዓዓዝን ኪከፋፈልን ዚኽእል ደኣ ብኸመይ እዩ፧

‘ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ’

 ኣብ እተፈላለየ ኽፍለ ዓለም ዚርከቡ ሰባት፡ ኣብ ዩክረይን ዘለዉ ኣሕዋትና ብሰንኪ ውግእ ከም እተጐድኡ ኣብ jw.org ምስ ኣንበቡ ኺሕግዙ ደለዩ። ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚርከቡ ሓያሎ ሰባት፡ ወፈያ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኸም ዚውዕል ስለ እተገንዘቡ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገንዘባዊ ወፈያ ገበሩ። ካልኦት ኣብ ዶብ ዩክረይን ኣብ ዚርከባ ሃገራት ዚነብሩ ሰባት እውን፡ ብግዜኦም፡ ብጕልበቶም፡ ብጥሪቶም ሓጊዞም እዮም። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።

 ኣብ ፖላንድ፡ ወለንተኛታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ረድኤት ዝሓዘ ካርቶናት ቀሪቦም፡ ቈልዑ ድማ ባዕላቶም ዝሰርሕዎ ካርድታት ኣዳልዮም እዮም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖላንድ ኣባል ክፍሊ ሸመታ ዀይኑ ዚዓዪ ባራቶዝ ኪስቺልያክ እተባህለ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት፡ ነታ ‘ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ’ እትብል ኣብ መዝሙር 110፡3 እትርከብ ጥቕሲ ኣንቢበያ እየ። ሕጂ ግና፡ ነቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገብርዎ ሓገዝ ብዓይነይ ርእየዮ እየ። ብኣማእታት ዚቝጸሩ ወለንተኛታት ሽዑሽዑ መጺኦም ንምስራሕ ድሉዋት ኪዀኑ ምርኣየይ ንሓቅነት እተን ኣብ መዝሙር ዘለዋ ቓላት ከስተብህል ክኢለ እየ።”

 ሓደ ኣህጕራዊ ትካል ሎጂስቲክ ዚውንን ናይ የሆዋ ምስክር ንማካይኑ ምስ ነዳዲአን ኣሕዋት ኪጥቀሙለን ወፍዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “እዚ ንኣሕዋተይን ንየሆዋን ፍቕረይ ከርእዮም ኣጋጣሚ ፈጢሩለይ እዩ። ሓገዝ ክገብር ብምኽኣለይ ኣዝየ ሕጉስ እየ።” ነዚ ዕዮ ልዕሊ 7,700 ሊትሮ ዚኸውን ነዳዲ ኸም እተወፈየ ይግመት፡ ኣሕዋት ነዚ ረድኤት እዚ ንኼብጽሑ ዳርጋ 48,000 ኪሎ ሜተር ብምጕዓዝ ግዜኦምን ጕልበቶምን ወፍዮም እዮም።

 ሳላ እዞም ፈቃራት ወለንተኛታት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ 28 መጋቢት 1,000 ኵንታል ምግብን ኣቕሑ ጽሬትን ንሕክምና ዜገልግል ናውትን ናብ ዩክረይን በጺሑ እዩ። እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ንፈተነ እተገብረ ናይ ፈለማ ጕዕዞ ድሕሪ 15 መዓልቲ እዩ ዀይኑ። ሳላ እቲ ብኣሕዋትናን ብኣቕረብትን ብልግሲ እተገብረ ረድኤት እቲ ንመዐደጊ ተሓሲቡ ዝነበረ ገንዘብ ኣዝዩ ኺንኪ ኽኢሉ እዩ። ዛጊት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1,900 ኵንታል ዚኸውን ኣቕሑ ረድኤት ናብ ዩክረይን ልኢኾም እዮም። እዚ ረድኤት እዚ ኣብ ኣሕዋትና እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧

“ፍቕርኹም እውን ረኺብና ኢና!”

 እቲ ካርቶናት ኣብ ሌቪቭ ምስ በጽሐ፡ እቶም ኮሚተታት ረድኤት ነቲ ረድኤት ናብ ምሉእ ዩክረይን ከም ዚባጻሕ ገይሮም እዮም። ረድኤት ዝሓዘ ካርቶናት ናብ እተፈላለየ ኸተማታት ተላኢኹ እዩ፣ ገሊኡ ቦታታት እሞ ኸኣ ካብ ሌቪቭ ልዕሊ 1,300 ኪሎ ሜተር ርሒቑ እዩ ዚርከብ ነይሩ። እዚ ዕዮ ረድኤት ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ እኳ እንተ ተገብረ፡ ብዙሕ ግዜ ግና ወሲዱ እዩ። a

 ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ዩክረይን ዝዀነ ማርኩስ ራይንሃርት ከምዚ ይብል፦ “ኣብ እዋን እቲ ቕልውላው፡ ሓያሎ ኣሕዋት ፍቕሪ የሆዋ ርእዮም፡ ሓደጋ ኸየጋጠመ ኸሎ እውን ከይተረፈ ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃብ መምርሒ ጠቢቖም ይስዕቡ ብምንባሮም ተጠቒሞም እዮም። ንኣብነት፡ ኵሎም ኣሕዋት ኣብ ቤቶም ንእተወሰነ ሰሙናት ዚኸውን ምግብን ማይን ኪሕዙ ተተባቢዖም ነይሮም እዮም። ብዛዕባ እዚ መምርሒ እዚ ዚምልከት ኣንቶን ዚብሃል ኣብ ኪየቭ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ሓው፡ ‘ውድብ የሆዋ ንኣጸጋሚ እዋናት ኣዳልዩና እዩ፣ ነዚ ኸኣ ኣዚና ነመስግን ኢና’ ኢሉ። ምግብን ማይን ከምኡ እውን ረድዮ ምሓዝና ቓል ብቓሉ ህይወትና ኣትሪፉልና እዩ። ኣሕዋት ነዚ መምርሒ እዚ ብምስዓቦም ኣዚና ነመስግኖም ኢና። ከመይሲ፡ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዜድሊ ሓገዝ ንምውዳብ ግዜ ረኺቡ እዩ።”

 እቲ ረድኤት ምስ በጽሐ፡ ኣሕዋት ከመይ ተሰሚዕዎም፧ ኣብ ሃኪቭ ዚነብሩ ማይኮላን ዚናይዳን ሓሳቦም በዚ መገዲ እዚ ይገልጹ፦ “በቲ ሓልዮትኩም ኣዚና ኢና ተተንኪፍና፣ ስለቲ ዝለኣኽኩምልና ምግብን መድሃኒትን ከኣ ኣዚና ኢና እነመስግን። ብሓቂ ኢድ የሆዋ ኽንርኢ ኽኢልና ኢና።” ኣብኡ እትነብር ቫለንቲና እውን ከምዚ ትብል፦ “እቲ ውግእ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣስቤዛ ንምዕዳግ ነዊሕ ሪጋ ኢና ንገብር ኔርና። ዜድልየካ ነገር ንምዕዳግ እውን ወትሩ ዚክኣል ኣይነበረን። የሆዋ ግና ነቲ ጸገም ይፈልጦን ይርእዮን ነይሩ እዩ። ናብ በቤትና ረድኤት ንምብጽጻሕ ኣሕዋት ሸይሙ፡ እቲ ካርቶናት ድማ ብልክዕ ዜድልየና ነገራት እዩ ሒዙ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጸጋሚ እዋናት፡ እቲ ዅነታት ተስፋ ዜቝርጽ ኪመስል ከሎ እውን፡ ሓደ ሰብ ብእተፈልየ መገዲ ኻብ የሆዋን ካብ ውድቡን ዚመጽእ ሓልዮት ይረክብ እዩ። . . . እቲ ኣብ እዋኑ ዝረኸብናዮን ኣዝዩ ዜድልየና ሓገዝን ደገፍን ብዙሕ ኣሐጒሱና እዩ።”

 ካብ ማሪፑል እተሰድዱ የቨንን ኢሪናን ከምዚ ይብሉ፦ “ነቲ ንስድራ ቤትና ዝገበርኩምልና ሓልዮትን ሓገዝን ኣዚና ኢና እነማስወሉ። እቲ ዚገርም፡ ልክዕ ኣብ ግዜኡ እዩ በጺሑና። ፈለማ ኣብቲ ካርቶናት ኣቕሑ ጥራይ ኢና ተጸቢና ኔርና፡ ምስ ከፈትናዮ ግና ፍቕርኹም እውን ረኺብና ኢና!”

 “ውግእን ወረ ውግእን” እናሃለወ ኽነሱ፡ ነዚ ፍቕራዊ ረድኤት ንምብጽጻሕ የሆዋ ብመንፈሱን ብመምርሒኡን ኣቢሉ ኸም ዝሓገዘ ብዘይ ጥርጥር ርኢና ኢና። እቲ መብዛሕትኹም ብ⁠donate.jw.org ኣቢልኩም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብለውሃት እትገብርዎ ወፈያ፡ ኣገዳሲ እጃም እዩ ዜበርክት። ነቲ ብልግሲ እትገብርዎ ወፈያ ድማ ኣዚና ነመስወሉ ኢና።

ቅልጡፍን ውሑስን ብዝዀነ መገዲ ረድኤት ምቕራብ

  1. 24 ለካቲት 2022፦ ኮሚተ ኣተሓባበቲ ንዩክረይን ዚኸውን ረድኤት፡ ባጀት ኪስላዕ ፍቓድ ሂቡ። እዚ ድማ ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ረድኤት ኬቕርብ ኣኽኢልዎ

  2. 24 ለካቲት–8 መጋቢት 2022፦ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዩክረይን ካብቲ ኸባቢ እተወሰነ ነገራት ድሕሪ ምዕዳግ በቶም ኮሚተ ረድኤት ኣቢሉ ኣከፋፊሉ። ብዘይካዚ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካብ ፖላንድ ኣቕሑ ኪቕበል ምድላው ገይሩን ኣኸፈፊሉን

  3. 9 መጋቢት 2022፦ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ናብ ዩክረይን ሰብኣዊ ሓገዝ ኪልኣኽ ፍቓድ ሂቡ

  4. 10–12 መጋቢት 2022፦ ምግብን ካልእ ናውትን ካብ ፖላንድ ናብ ሌቪቭ ዩክረይን ንፈተነ ኺልኣኽ ተወጢኑ

  5. 13 መጋቢት 2022፦ ምግብን ካልእ ናውትን ካብ ፖላንድ ናብ ሌቪቭ ዩክረይን ንፈተነ ተላኢኹ

  6. 14–16 መጋቢት 2022፦ ኣብ ፖላንድ ኣብ ጥቓ ፖዛን ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ፡ ወለንተኛታት ከባብያዊ ህንጸት፡ ምግብን ኣቕሑ ጽሬትን ዝሓዘ ካርቶናት ኪዕሽጉ ተወዲቦም

  7. 17 መጋቢት 2022፦ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ እቲ ንፈተነ እተገብረ ዕዉት ጕዕዞ 1,300 ኵንታል ረድኤት ዝሓዘ ካርቶናት ናብ ዶብ ዩክረይን ኪጐዓዓዝ ጀሚሩ

  8. 21–27 መጋቢት 2022፦ ብተመሳሳሊ መገዲ፡ እቲ ዝተረፈ ካርቶናት ረድኤት ኣብ ፖላንድ ተዳልዩ፡ ድሕሪኡ ናብ ዩክረይን ተላኢኹ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ከኣ ናብቲ ዜድሊ ኸባቢ ተኸፋፊሉ

  9. 28 መጋቢት 2022፦ ፍቓድ ምስ ተዋህበ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ፡ ምግቢ፡ ኣቕሑ ጽሬት ዝሓዘ 1,000 ኵንታል ናውቲ ረድኤት ናብ ዩክረይን በጺሑ

 ዛጊት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ 1,900 ኵንታል ረድኤት ዝሓዘ ናውቲ ናብ ዩክረይን ልኢኾም እዮም።

a እዚ ረድኤት ብኸመይ ከም እተላእከ ዝያዳ ኸተንብብ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብራዘርስ ከረጀስሊ ደሊቨር አይድ ረስክዩ ኣዘርስ ኢን ዩክረይን ዎር ዞን ዘርእስታ ዓንቀጽ (እንግሊዝኛ) ርአ።