ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ናይ 2017 ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ፡ ሓደ ኽፍሊ ይምራሕ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ዓለምለኻዊ ስፍሓቱን

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ዓለምለኻዊ ስፍሓቱን

1 ታሕሳስ 2020

 ኣብ ዓዓመት፡ ካብ መላእ ዓለም ዝዀኑ እተወሰኑ ፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናብቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ዚግበር ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ ይዕደሙ እዮም። a ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ተምሃሮ ኣብቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዚውሃቦም እተፈላለየ ዕዮ ብኸመይ ዝያዳ ውጽኢታውያን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይምሃሩ እዮም። እዚ ስልጠና እዚ፡ ነተን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታትን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ንምድልዳል ይሕግዞም እዩ።

 ጊልዓድ፡ ኣህጉራዊ ቤት ትምህርቲ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ብ2019 እተኻየደ ኽፍሊ መበል 147፡ ካብ 29 ሃገራት ዝመጹ 56 ተምሃሮ ነይሮምዎ። እዞም ኣብ ጊልዓድ እተኻፈሉ ተምሃሮ፡ ከም ቤት-ኤላውያን፡ ሓለውቲ ወረዳ፡ ሚስዮናውያን፡ ወይ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪዓይዩ ጸኒሖም እዮም።

 እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማራ፡ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ ነቲ ቤት ትምህርቲ ዚኸውን ምድላዋት ኪግበር ይጅምር እዩ። ንኣብነት፡ ክፍሊ መገሻ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ነቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኺምሃሩ ዕድመ ዝቐረበሎም ተምሃሮ፡ ትኬት ነፋሪት ይዕድገሎም እዩ። ኣብ መበል 147 ኽፍሊ ጊልዓድ፡ ገምጋም እቲ ንሓደ ተምሃራይ ካብን ናብን ፓተርሰን ንምጕዕዓዝ ዝወጸ ወጻኢ 1,075 ዶላር ኣመሪካ እዩ ነይሩ። ካብ ደሴታት ሰሎሞን ዝመጹ ተምሃሮ፡ ናብ ፓተርሰን ንምብጻሕ ኣርባዕተ ነፈርቲ፡ ናብ ዓዶም ንምምላስ ድማ ሰለስተ ነፈርቲ ወሲዶም እዮም፣ ብጠቕላላ 35,400 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ማለት እዩ! ነዚ ጕዕዞታት እዚ እተገብረ ወጻኢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ 2,300 ዶላር ኣመሪካ እዩ ነይሩ። ገንዘብ ንምቝጣብ፡ ክፍሊ መገሻ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ርትዓዊ ዋጋ ትኬት ንምርካብ ዚሕግዝ ፕሮግራም ኮምፕዩተር ይጥቀም እዩ። ትኬት ምስ ተሓዝአ እውን ከይተረፈ፡ እቲ ፕሮግራም ኮምፕዩተር ንሰሙናት ሓድሓደ እዋን ድማ ንኣዋርሕ ዚኣክል፡ እቲ ዋጋ ትኬት ነክዩ እንተ ዀይኑ ንምርኣይ ምድላይ ይቕጽል እዩ። ብዘይካዚ፡ ክፍሊ መገሻ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ብእተለገሰሉ ክረዲትን ማይሌጅን ገይሩ ትኬት ይዕድግ እዩ።

 ብዙሓት ካብቶም ተምሃሮ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንምእታው ቪዛ የድልዮም እዩ። ስለዚ፡ ክፍሊ ሕጊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ተምሃሮ ቪዛ ኺረኽቡ ይሕግዞም እዩ። ንቪዛን ንመመዝገብን ዚግበር ወጻኢ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ብገምጋም 510 ዶላር ኣመሪካ እዩ።

 እዞም ተምሃሮ እዚኦም ካብ ዚረኽብዎ ስልጠና እንጥቀም ብኸመይ ኢና፧ ሀንድራ ጉናዋን፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል እዩ። ኣብ ጉባኤኡ ኻብ ጊልዓድ እተመረቑ ሰብ ሓዳር ኣለዉ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ቅድሚ ሕጂ፡ ጉባኤና ስሩዓት ፈለምቲ ኣይነበርዋን። እቶም ምሩቓት ምስ መጹ ግና፡ ቅንኣቶምን ናይ ፍቓደኛነት መንፈሶምን ናብ ካልኦት ስለ እተመሓላለፈ፡ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ፈለምቲ ዀይኖም ምግልጋል ጀሚሮም እዮም። ድሕሪ ግዜ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ እውን ክትምሃር ክኢላ እያ።

 ሰርግዮ ፓንጃይታን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ምስ ምሩቓት ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ሓቢሩ ይዓዪ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “እቲ ዝረኸብዎ ስልጠና ንዕኦም ጥራይ ዘይኰነስ ንዓና እውን በረኸት እዩ ዀይኑና። ብዙሕ እዮም ተማሂሮም። ብምኽንያት ትምህርቶም ምርኡያት ኪዀኑ ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ ግና ነቲ እተማህርዎ ንኻልኦት የካፍልዎ እዮም። ንሳቶም ንዓና፡ ንሕና ድማ ንኻልኦት መንፈሳዊ ምትብባዕ እናሃብና ኽንቕጽል ክኢልና ኢና።”

 ወጻኢታት እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብኸመይ እዩ ዚሽፈን፧ ሳላቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዝገበርኩምዎ ወፈያ እዩ ኺሽፈን ተኻኢሉ፣ ሓያሎ ኻብዚ ወፈያታት ከኣ ብdonate.jw.org ኣቢሉ እዩ ተገይሩ። ነዚ ዓለምለኻዊ ቤት ትምህርቲ ንምድጋፍ ኢልኩም ብልግሲ ንዝገበርኩምዎ ወፈያታት ኣዚና ነማስወሉ ኢና።

a ስርዓተ ትምህርቲ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ በቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚተ ትምህርቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዚዓዪ ኽፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ዚዳሎን ዚመሓየሽን። ኣባላት እዚ ኽፍሊ እዝን ካልኦት ዕዱማት መምህራንን፡ እንተላይ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ይምህሩ።