ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

panitan/stock.adobe.com

ወፈራ በዓል ዝኽሪ

የሱስ ንድኽነት መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ

የሱስ ንድኽነት መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ

 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንደቂ ሰብ ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ንእተሸገሩን ዝነበረቶ ዓባይ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። (ማቴዎስ 9:36) ሕሉፍ ሓሊፉ ኸኣ ንጥቕሚ ኻልኦት ኪብል ህይወቱ ሰዊኡ እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 15:13) ኣብ ቀረባ ግዜ እውን እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ነቲ ኸም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ንድኽነት ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ኺገብረሉ ኸተለዓዕሎ እያ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዜጸናንዕ ቃላት ገይሩ የሱስ እንታይ ከም ዚገብር ይሕብረና፦

  •   “ነቶም ኣብ መንጎ ህዝብኻ ዘለዉ ትሑታት ይጣበቐሎም፣ ንደቂ ድኻ ድማ የድሕኖም።”—መዝሙር 72:4

 ነቲ የሱስ ዝገበረልናን ነቲ ብሕጂ ዚገብረልናን ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ነርኢ፧ ኣብ ሉቃስ 22:19 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሞቱ ኺዝክሩ ተማሕጸኖም። ስለዚ ኸኣ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓመት ዓመት ሞቱ ኺዝክሩ ዚእከቡ። ንስኻ እውን ዝኽሪ ሞት የሱስ ምሳና ሓቢርካ ኸተብዕል ብኽብሪ ንዕድመካ። ሎሚ ዓመት፡ ሰንበት 24 መጋቢት፡ ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ ወይ ሰንበት 15 መጋቢት፡ ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ እዩ ዚኽበር።

በዓል ዝኽሪ ድለ