ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 89

ክትባረኽ ተኣዘዝ

ክትባረኽ ተኣዘዝ

(ሉቃስ 11:28)

  1. 1. ክርስቶስ ንዚብለና ንገብሮዶ፧

    ትምህርቱ ይህበና’ዩ ህይወት።

    ምስማዑስ ጥዑም’ዩ ልቢ ዜሐጕስ፣

    እዙዝ ግን’ዩ ዚረክብ በረኸት።

    (ኣዝማች)

    ቃል ኣምላኽ ምስ ሰማዕካ፡

    ክትባረኽ ተኣዘዝ።

    ሓጐስ፡ ሰላም ምእንቲ ኽትረክብ፡

    ክትባረኽ ተኣዘዝ።

  2. 2. ለባም ሰብሲ ቤት ኣብ ከውሒ ይሃንጽ፣

    ክትጻወር ንፋስ ኰነ ዝናም።

    ንሕና’ውን ንቓል የሱስ ’ተ ተግቢርና፡

    ኣብ ፈተና ጸኒዕና ንቐውም።

    (ኣዝማች)

    ቃል ኣምላኽ ምስ ሰማዕካ፡

    ክትባረኽ ተኣዘዝ።

    ሓጐስ፡ ሰላም ምእንቲ ኽትረክብ፡

    ክትባረኽ ተኣዘዝ።

  3. 3. ከምታ ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ዘላ ኦም፡

    በብግዜኣ ፍረ እትህብ፣

    ንኣምላኽና እንተ ተኣዚዝናዮ፡

    በረኸትን ህይወትን ንረክብ።

    (ኣዝማች)

    ቃል ኣምላኽ ምስ ሰማዕካ፡

    ክትባረኽ ተኣዘዝ።

    ሓጐስ፡ ሰላም ምእንቲ ኽትረክብ፡

    ክትባረኽ ተኣዘዝ።