መዝሙር 73

ኣትብዓና

ኣትብዓና

(ግብሪ ሃዋርያት 4:29)

  1. 1. ክንምስክረሎም ከለና፡

    ብዛዕባ ዓብዪ ስምካ፡

    ብዙሓት ይጻረሩና፡

    ይገብሩልና ማሕለኻ።

    ንዓኻ’ና ንእዘዝ፡

    ዋላ’ኳ ተጕባዕብዑልና።

    ስለዚ፡ ሃበና መንፈስካ፡

    የሆዋ፡ ስማዕ ጸሎትና።

    (ኣዝማች)

    ኣትብዓና፡ ኦ የሆዋ፡

    ክንነግር መልእኽትኻ፣

    ብዘላ ምድሪ ኽትሰምዕ፡

    ለግሰልና ሓይልኻ።

    ኣርማጌዶን ቀሪባ’ላ፡

    ግን ክሳዕ እትመጸልና፡

    ኣትብዓና፡ ኦ የሆዋ፡

    ኣብ ስብከትና።

  2. 2. ንፈርህ እኳ ’ተ ዀንና፡

    ፍጥረትና ዀይኑ ሓመድ፡

    ደገፍካ የበርትዓና፡

    ነሰንፎ ንስምባድ።

    ምፍርራሆም ርአ፡

    ንታህዲዶም’ውን ተመልከት፣

    ንልምን ክትህበና ትብዓት፡

    ክንጸንዕ ኣብ ዕዮ ስብከት።

    (ኣዝማች)

    ኣትብዓና፡ ኦ የሆዋ፡

    ክንነግር መልእኽትኻ፣

    ብዘላ ምድሪ ኽትሰምዕ፡

    ለግሰልና ሓይልኻ።

    ኣርማጌዶን ቀሪባ’ላ፡

    ግን ክሳዕ እትመጸልና፡

    ኣትብዓና፡ ኦ የሆዋ፡

    ኣብ ስብከትና።

(1 ተሰ. 2:2፣ እብ. 10:35 እውን ርአ።)