ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 62

ሓድሽ መዝሙር

ሓድሽ መዝሙር

(መዝሙር 98)

  1. 1. ሃየ ዘምሩ፡ ንኣምላኽና ሓድሽ መዝሙር፣

    ብዛዕባ ተግባሩ ሃቡሉ ምስክር።

    ስለ ቕልጽሙ፡ ስለ ዓወቱ ዘምሩ፣

    ፍትሒ’ዩ ዚፍጽም፡

    ጽድቂ’ዩ ተግባሩ።

    (ኣዝማች)

    ዘምሩ!

    ብመዝሙር ወድሱ፣

    ዘምሩ!

    የሆዋ ነጊሱ።

  2. 2. ሃየ ጨድሩ፡ ንኣምላኽና እልል በሉ፣

    ንስሙ ወድሱ፡ ክብሪ ኣምጽኡሉ።

    ንዑ ዘምሩ፡ ምድሪ ትምላእ ብእልልታ፣

    ብደሃይ በገና

    ዀነ ብእምብልታ።

    (ኣዝማች)

    ዘምሩ!

    ብመዝሙር ወድሱ፣

    ዘምሩ!

    የሆዋ ነጊሱ።

  3. 3. ባሕርን ምልኣቱን፡ ኵሉ ፍጥረት’ውን ይወድስ፣

    ምስ ፍጥረት ሓቢርና፡ ንኣምላኽ ነመጕስ።

    ምልእቲ ምድሪ፡ ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ኣኽራን፡

    ንኣምላኽ ይሃቦ፡

    ውዳሰን ምስጋናን።

    (ኣዝማች)

    ዘምሩ!

    ብመዝሙር ወድሱ፣

    ዘምሩ!

    የሆዋ ነጊሱ።