ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 5

ድንቂ ግብርታት ኣምላኽ

ድንቂ ግብርታት ኣምላኽ

(መዝሙር 139)

  1. 1. ኦ ያህ፡ ኵሉ ግብረይ ትፈልጦ፡

    ምቕማጠይ ኰነ ምትንሳአይ፣

    ተስተውዕሎ ኻብ ርሑቕ ሓሳባተይ፡

    ትዕዘቦ ገና ኸሎ

    ውሽጢ ልበይ።

    ርኢኻኒ ድቂ ኸለኹ፡

    ገና ኸይተገብረ ኣካላተይ፣

    ድንቂ ጌርካ ብጥበብ ኣሊምካኒ፣

    ክውድስ’የ ንግብርኻ

    ኣብ ህይወተይ።

    ኦ ኣምላኸይ፡ መስተንክር’ዩ ፍልጠትካ፣

    እፈልጦ’የ ነዚ ተግባራትካ።

    ጸልማት እኳ እንተ ዚኽውለኒ፡

    ኣይሕባእን ኣብኡ ኻብ መንፈስካ።

    ናበይ እሞ ኸብል ካብ ገጽካ፡

    ካብተን ተቛመትቲ ኣዒንትኻ፧

    ኣብ ሰማያት፡ ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ መቓብር፡

    ኰታስ ኣብ ዝኸዶ ዅሉ

    ምሃለኻ።