ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 20

ፍቑር ወድኻ ሂብካ

ፍቑር ወድኻ ሂብካ

(1 ዮሃንስ 4:9)

  1. 1. የሆዋ፡ ኣቦና፡

    ብዘይ ተስፋ ኔርና፣

    ሳላ ’ቲ በጃ ግን፡

    ተስፋ ረኺብና።

    ህይወትናን ጥሪትናን፡

    ብሉጽና ሂብናካ፣

    ክንነግር’ውን ኢና፡

    ’ቲ ሰናይ ግብርኻ።

    (ኣዝማች)

    ፍቑር ወድኻ’ኳ

    ምእንታና ሂብካ፣

    ንዘልኣለም ንዝምር

    ስለቲ ኽቡር ህያብካ።

  2. 2. ለውሃትካ፡ ምሕረትካ፡

    ድንቂ’ዩ ባህርያትካ፣

    ንፈትዎ’ውን ኢና፡

    ’ቲ ዓብዪ ስምካ።

    ሓለፋ እዚ ግን፡

    ሂብካ ኽቡር ውህበት፣

    ምእንታና ሞይቱ፡

    ክንነብር ብህይወት።

    (ኣዝማች)

    ፍቑር ወድኻ’ኳ

    ምእንታና ሂብካ፣

    ንዘልኣለም ንዝምር

    ስለቲ ኽቡር ህያብካ።

    (መዛዘሚ)

    የሆዋ ኣቦና፡ ምስጋና ይብጻሕካ፣

    ብፍቕሪ ሂብካና ነቲ ፍቑር ወድኻ።

(ዮሃ. 3:16፣ 15:13 እውን ርአ።)