ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 16

ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ

ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ

(ራእይ 21:2)

  1. 1. የሆዋ ሸይሙልና ኣሎ፡

    ንጉስ ገይሩ ንወዱ፣

    ዝፋኑ ኣብ ፍትሒ’ዩ ቘይሙ፡

    መታን ኪኸውን ፍቓዱ።

    (ኣዝማች)

    ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ፡

    ኣቱም እሙናት ሰዓብቱ፣

    ወትሩ እትስዕቡ ስርዓታቱ፡

    ንዅሉ ትእዛዛቱ።

    ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ፡

    ንወዱ’ውን ኣመስግኑ፣

    ንኽብሪ ቕዱስ ስም ኣምላኽና’ዩ

    ዚጥቀም ንስልጣኑ።

  2. 2. ኣሕዋት ክርስቶስ ተሓርዮም፣

    ረኺቦም ዳግማይ ልደት፣

    ኪዀኑ’ዮም’ውን መጋዝእቱ፣

    ምድሪ ኺገብርዋ ገነት።

    (ኣዝማች)

    ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ፡

    ኣቱም እሙናት ሰዓብቱ፣

    ወትሩ እትስዕቡ ስርዓታቱ፡

    ንዅሉ ትእዛዛቱ።

    ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ፡

    ንወዱ’ውን ኣመስግኑ፣

    ንኽብሪ ቕዱስ ስም ኣምላኽና’ዩ

    ዚጥቀም ንስልጣኑ።