ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 145

ኣምላኽ ዘተስፈወና ገነት

ኣምላኽ ዘተስፈወና ገነት

(ሉቃስ 23:43)

  1. 1. ቃል ኣትዩልና፡ ገነት ክንወርስ፣

    ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ፣

    ምስ ደምሰሶ ንዅሉ ሓጥያት፡

    ኪውገድ’ዩ ሓዘን፡ ንብዓት።

    (ኣዝማች)

    ምድሪ ገነት ክትከውን’ያ፣

    ተስፋ’ሎና፡ ’ወ ኽንርእያ።

    ’ዚ ተስፋ’ውን ክንወርሶ’ና፡

    ክንርእዮ’ና፡ በዒንትና።

  2. 2. ምዉታት’ውን ኪትንስኡ’ዮም፡

    ወዲ ኣምላኽ ምስ ጸውዖም፣

    እቲ ቓሉ መታን ኪፍጸም፡

    ኪኸውን’ዩ ምሳታቶም።

    (ኣዝማች)

    ምድሪ ገነት ክትከውን’ያ፣

    ተስፋ’ሎና፡ ’ወ ኽንርእያ።

    ’ዚ ተስፋ’ውን ክንወርሶ’ና፡

    ክንርእዮ’ና፡ በዒንትና።

  3. 3. ጐይታና’ዩ ዘተስፈወና፣

    ነጊሱ’ሎ ኣብ ልዕሌና፣

    ነመስግኖ ንያህ ኣቦና፣

    ንወድሶ ኻብ ልብና።

    (ኣዝማች)

    ምድሪ ገነት ክትከውን’ያ፣

    ተስፋ’ሎና፡ ’ወ ኽንርእያ።

    ’ዚ ተስፋ’ውን ክንወርሶ’ና፡

    ክንርእዮ’ና፡ በዒንትና።