መዝሙር 145
ኣምላኽ ዘተስፈወና ገነት
-
1. ቃል ኣትዩልና፡ ገነት ክንወርስ፣
ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ፣
ምስ ደምሰሶ ንዅሉ ሓጥያት፡
ኪውገድ’ዩ ሓዘን፡ ንብዓት።
(ኣዝማች)
ምድሪ ገነት ክትከውን’ያ፣
ተስፋ’ሎና፡ ’ወ ኽንርእያ።
’ዚ ተስፋ’ውን ክንወርሶ’ና፡
ክንርእዮ’ና፡ በዒንትና።
-
2. ምዉታት’ውን ኪትንስኡ’ዮም፡
ወዲ ኣምላኽ ምስ ጸውዖም፣
እቲ ቓሉ መታን ኪፍጸም፡
ኪኸውን’ዩ ምሳታቶም።
(ኣዝማች)
ምድሪ ገነት ክትከውን’ያ፣
ተስፋ’ሎና፡ ’ወ ኽንርእያ።
’ዚ ተስፋ’ውን ክንወርሶ’ና፡
ክንርእዮ’ና፡ በዒንትና።
-
3. ጐይታና’ዩ ዘተስፈወና፣
ነጊሱ’ሎ ኣብ ልዕሌና፣
ነመስግኖ ንያህ ኣቦና፣
ንወድሶ ኻብ ልብና።
(ኣዝማች)
ምድሪ ገነት ክትከውን’ያ፣
ተስፋ’ሎና፡ ’ወ ኽንርእያ።
’ዚ ተስፋ’ውን ክንወርሶ’ና፡
ክንርእዮ’ና፡ በዒንትና።
(ማቴ. 5:5፣ 6:10፣ ዮሃ. 5:28, 29 እውን ርአ።)