ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 105

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”

(1 ዮሃንስ 4:7, 8)

  1. 1. ፍቕሪ’ዩ ፈቃር ኣምላኽና፣

    ክንመስሎ ይደልየና፣

    ንዕኡን ሰብን ’ተ ’ፍቂርና፡

    ይርአ ኣብ ተግባርና።

    እዚ’ዩ ምስጢር ህይወትና፡

    ሃንቀውታ ናይ ህይወትና፣

    ’ዛ ፍቕሪ ኣይተቋርጽን፡

    ትዛረብ’ውን ብኣና።

  2. 2. ፍቕሪ ያህ ትድርኸና፣

    ንተግባር ተንቅሓና።

    ኣይንተርፍን ወዲቕና፣

    ሓይሉ የበርትዓና።

    ዓቃል’ያ፡ ኣይትቐንእን፡

    ለዋህ’ያ፡ ተጻዋሪት፣

    ነሕዋትና እሞ ነፍቅር፡

    ክንፈልጦ ’ቲ መቐረት።

  3. 3. ቂም ሒዝካ ኣይትመላለስ፣

    ኣይትሓዝ ኣብ ልብኻ።

    ጠምቶ ንፈጣሪኻ፣

    ንሱ’ውን ኪምህረካ።

    ንኣምላኽን ንብጻይካን፡

    ኣፍቅሮም ’ወ ብግብሪ፣

    ንሰባት ወትሩ ኣርእዮም፡

    ከም ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ።