መዝሙር 105
“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”
-
1. ፍቕሪ’ዩ ፈቃር ኣምላኽና፣
ክንመስሎ ይደልየና፣
ንዕኡን ሰብን ’ተ ’ፍቂርና፡
ይርአ ኣብ ተግባርና።
እዚ’ዩ ምስጢር ህይወትና፡
ሃንቀውታ ናይ ህይወትና፣
’ዛ ፍቕሪ ኣይተቋርጽን፡
ትዛረብ’ውን ብኣና።
-
2. ፍቕሪ ያህ ትድርኸና፣
ንተግባር ተንቅሓና።
ኣይንተርፍን ወዲቕና፣
ሓይሉ የበርትዓና።
ዓቃል’ያ፡ ኣይትቐንእን፡
ለዋህ’ያ፡ ተጻዋሪት፣
ነሕዋትና እሞ ነፍቅር፡
ክንፈልጦ ’ቲ መቐረት።
-
3. ቂም ሒዝካ ኣይትመላለስ፣
ኣይትሓዝ ኣብ ልብኻ።
ጠምቶ ንፈጣሪኻ፣
ንሱ’ውን ኪምህረካ።
ንኣምላኽን ንብጻይካን፡
ኣፍቅሮም ’ወ ብግብሪ፣
ንሰባት ወትሩ ኣርእዮም፡
ከም ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ።
(ማር. 12:30, 31፣ 1 ቈረ. 12:31–13:8፣ 1 ዮሃ. 3:23 እውን ርአ።)