ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዚርአ ፍጻመታት ዚገልጽ ስለምንታይ እዩ፧—ሉቃስ 21:10, 11

ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ ዝርዝራዊ ትንቢታት ኣሎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ መጻኢ ብዝርዝር ኪንበ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ፍጻመ ትንቢታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜእምን መርትዖ እዩ ዜቕርብ።እያሱ 23:14፣ 2 ጴጥሮስ 1:20, 21 ኣንብብ።

ድሮ ፍጻመኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣምላኽ ንኽንኣምን ድልዱል መሰረት እዩ ዝዀነና። (እብራውያን 11:1) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ምትእምማን የሕድረልና። ስለዚ እምበኣር፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርግጽ ዝዀነ ተስፋ እዩ ዚህበና።መዝሙር 37:29፣ ሮሜ 15:4 ኣንብብ።

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ገሊኡ ትንቢታት፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስጕምቲ ንኺወስዱ ዜጠንቅቕ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እተወሰነ ትንቢታት ኪፍጸም ምስ ረኣዩ፡ ካብ የሩሳሌም ወጹ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኸተማ የሩሳሌም ንየሱስ ስለ ዝነጸግዎ እታ ኸተማ ኽትጠፍእ ከላ፡ ክርስትያናት ግና ካብኡ ርሒቖም ኣብ ደሓን ዝዀነ ቦታ ነበሩ።ሉቃስ 21:20-22 ኣንብብ።

ፍጻመኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታትን ምምሕዳራትን ከተጥፍአን ምዃና ዜርኢ እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ሉቃስ 21:31) ስለዚ እምበኣር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ስምረት እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺረክብ፡ ውዓል ሕደር ከይበለ ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ።ሉቃስ 21:34-36 ኣንብብ።