ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

የሱስ ብሓቂዶ ምዉታት ኣተንሲኡ እዩ፧

የሱስ ነቲ ኻብ ዚመውት ራብዕቲ ገይሩ ዝነበረ ኣልኣዛር ኣተንስኦ

የሱስ ብሓቂ ምዉታት ከም ዘተንስአ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። እቲ ጸብጻባት፡ ኣፈ ታሪኽ ኣይኰነን፣ ኣብ ታሪኽ ኣብ ዝነበረ ናይ ሓቂ ቦታታትን ግዜን እዩ ተፈጺሙ። ንኣብነት፡ ብ31 ድ.ክ. ኣብ እዋን ሓጋይ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ የሱስ ካብ ቅፍርናሆም ናብ ናይን ይጓዓዙ ነበሩ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ድማ፡ ካልእ ብዙሕ ህዝቢ ኣጓነፎም። ነቲ ቐጺሉ እተፈጸመ ትንሳኤ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ተመዝጊቡ ዚርከብ፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዩ ተፈጺሙ።—ሉቃስ 7:11-15 ኣንብብ።

የሱስ ነቲ ኻብ ዚመውት ራብዕቲ ገይሩ ዝነበረ ዚፈትዎ ዓርኩ ኣልኣዛር እውን ኣተንሲእዎ እዩ። ነዚ እውን ብዙሓት መሰኻኽር ስለ ዝረኣይዎ፡ ነቲ የሱስ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝገበሮ ነገራት ክትኣምኖ ትኽእል ኢኻ።—ዮሃንስ 11:39-45 ኣንብብ።

የሱስ ስለምንታይ እዩ ምዉታት ኣተንሲኡ፧

የሱስ ብርሕራሐ ተደሪኹ እዩ ምዉታት ዜተንስእ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ፈጣሪ ህይወት ዝዀነ ኣቦኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ከም ዝሃቦ ዜርኢ እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 5:21, 28, 29 ኣንብብ።

እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ትንሳኤ፡ ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም እንተኣማመን እዩ ዚገብረና። የሱስ ንብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጡ ሓጥኣን ኬተንስኦም እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ሓጥኣን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ንኺፈልጥዎን ንኼፍቅርዎን ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።