ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ “ኰዀብ” ዝለኣኾ መን እዩ፧

ነቲ “ኰዀብ” ዝለኣኾ መን እዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ነቲ “ኰዀብ” ዝለኣኾ መን እዩ፧

▪ የሱስ ናጽላ ዀይኑ ኣብ መብልዕ ማል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰለስተ ነገስታት ወይ ሰብ ጥበብ ኪበጽሕዎ ኸም ዝመጹ ዜርኢ ኣብ በዓል ልደት ዚርአ ምርኢት ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እቲ እዚ ምርኢት እዚ ኺርአ ኸሎ ዚዝንቶ ዛንታ፡ ኣምላኽ ብኰዀብ ተጠቒሙ ነቶም ሰብ ጥበብ ናብ ሓደ ኣብ ቤት-ልሄም ዚርከብ ደምበ ኸም ዝመርሖም እዩ ዚትርኽ። ብዙሓት ቈልዑ፡ ንስማት እቶም መልኽዮርን ጋስፐርን ባልታዛርን ዚብሃሉ ሰለስተ ነገስታት ብቓሎም ይፈልጥዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዚ ህቡብ ጸብጻብ እዚ፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሉ ይቃዶ ድዩ፧ ኣይፋሉን። እቲ ዛንታ ብብዙሕ መገድታት፡ ግጉይ እዩ።

ቀዳማይ፡ እቶም ሰብ ጥበብ እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ኣብቲ ብግሪኽኛ እተጻሕፈ በዅሪ ጽሑፍ፡ ነገስታት ወይ ሰብ ጥበብ ተባሂሎም ኣይኰኑን ተጸዊዖም ዘለዉ። የግዳስ፡ ሰብኣ ሰገል ወይ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ እዮም ነይሮም። ብከዋኽብቲ ዚጥንቍሉ ኣረማውያን እዮም ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ብዛዕባ ስማቶምን ብዝሖምን ኣይገልጽን እዩ።

ካልኣይ፡ እቶም ሰብ ጥበብ መዓስ እዮም ንየሱስ ኪበጽሕዎ ኸይዶም፧ የሱስ ናጽላ ዀይኑ ኣብ መብልዕ ማል ከሎ ኣይኰኑን ከይዶም። ከምኡ ዘይምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ማቴዎስ፡ “ናብ ቤት አትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረአይዎ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 2:11) የሱስ ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ሕጻን” ደኣ እምበር፡ ናጽላ ኸም ዘይነበረ ኣስተብህል። ማርያምን ዮሴፍን እውን ኣብ መብልዕ ማል ኣይኰኑን ዚሓድሩ ነይሮም፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ቤት እዮም ዚነብሩ ነይሮም።

ሳልሳይ፡ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ይመርሖም ንዝነበረ “ኰዀብ” ዝለኣኾ መን እዩ፧ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ነቲ “ኰዀብ፡” ኣምላኽ ከም ዝለኣኾ እዮም ዚምህሩ። ብሓቂ ግና ኣምላኽ ድዩ ልኢኽዎ፧ እቲ “ኰዀብ” ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ፈለማ ናብ ቤት-ልሄም ከም ዘይመርሖም ኣስተብህል። የግዳስ፡ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ እዩ መሪሕዎም። እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ድማ ነቲ ቐናእን ሓያልን ቀታሊ ዝነበረ ሄሮድስ፡ ብዛዕባ ህልውና የሱስ ነገርዎ፣ እቲ ሕጻን “ንጉስ ኣይሁድ” ከም ዚኸውን ብምዝራብ ከኣ፡ ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ብዝያዳ ኸም ዚጸልኦ ገበርዎ። (ማቴዎስ 2:2) ሄሮድስ ድማ ብተንኰል፡ ነቲ ሕጻን ምስ ረኸብዎ ናብኡ ተመሊሶም ኣበይ ከም ዘሎ ኺነግርዎ እሞ፡ ከይዱ ኺሰግደሉ ኸም ዚደሊ ሓበሮም። ድሕሪኡ እዩ እቲ “ኰዀብ” ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብ ዮሴፍን ማርያምን መሪሕዎም። ስለዚ፡ ኣምላኽ ኢዱ እንተ ዘየእቱ ነይሩ፡ እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ነቲ ሕጻን ኣብ ሓደጋ መእተውዎ ነይሮም። እቲ ዜሐጕስ ከኣ፡ ኣምላኽ ጣልቃ ኣትዩ እዩ። ሄሮድስ በቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኣመና ስለ ዝሓረቐ፡ ነቶም ኣብ ቤት-ልሄምን ኣብ ከባቢኣን ዝነበሩ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዘበሉ ዅሎም ኣወዳት ኪቕተሉ ኣዘዘ።—ማቴዎስ 2:16

የሆዋ ጸኒሑ ንየሱስ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ” ኢሉ ጸውዖ። (ማቴዎስ 3:17) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እዚ ፈቃርን ጻድቕን ኣቦ፡ ነቶም ኣብ ሕጊ ሙሴ እተኸልከለ ስሒራዊ ተግባራት ዚገብሩ ዝነበሩ ኣረማውያን ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኸም መልእኽተኛታቱ ገይሩ ምመረጾምዶ፧ (ዘዳግም 18:10) ናብ ሓደ ሓደገኛን ሓያልን ቀታሊ ንኺለኣኽዎ ኢሉኸ ብኰዀብ ምተጠቕመዶ፧ እቲ መልእኽቲ ነቲ ቐናእ ዝነበረ ሄሮድስ ከም ዜሕርቖ እናፈለጠኸ ምለኣኾምዶ፧ ነቲ ኰዀብን ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ተጠቒሙ፡ እቲ ሓጋዚ ዘይብሉ ወዱ ኣበይ ከም ዘሎ ዚነግሮምዶ ይመስለካ፧

ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ ንፉዕ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ንሓደ ብሉጽ ወተሃደሩ ሓደገኛ መስርሕ ምእንቲ ኺፍጽም፡ ናብቲ ጸላኢ ዘለዎ ኽሊ ልኢኽዎ ንበል። እቲ ኣዛዚ፡ እቲ ወተሃደር ኣበይ ከም ዘሎ ንጸላኢ ይሕብሮ ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንወዱ ናብዛ ሓደገኛ ዓለም እዩ ልኢኽዎ። እሞኸ እቲ ሓጋዚ ዘይብሉ ወዱ ኣበይ ከም ዘሎ ነቲ እኩይ ንጉስ ሄሮድስ ዚነግሮዶ ይመስለካ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ኣይገብርን እዩ።

ነቲ “ኰዀብ” ወይ ነቲ ኰዀብ ዚመስል ነገር ዝለኣኾ ደኣ እሞ መን እዩ፧ እቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ንኸይዓብን ነቲ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ዕላማ ኸይፍጽምን ዚምነ መን እዩ፧ ንሰባት ኬታልል፡ ሓሶትን ዓመጽን ቅትለትን ድማ ኪሰፍን ዚደሊ መን እዩ፧ የሱስ ብዛዕባ እዚ ኣካል እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” በለ፣ ወሲኹ እውን፡ “ካብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ” ምዃኑ ሓበረ፣ እዚ ኣካል እዚ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።—ዮሃንስ 8:44