ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኤድን ናይ መጀመርታ መንበሪት ወዲ ሰብ ድያ ነይራ፧

ኤድን ናይ መጀመርታ መንበሪት ወዲ ሰብ ድያ ነይራ፧

ኤድን ናይ መጀመርታ መንበሪት ወዲ ሰብ ድያ ነይራ፧

ኣብ ገነት ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣቓልቦ ዚሰርቕ ኰነ ኣብ ከተማ ዚስማዕ ዓይነት ረብሻ የልቦን። እታ ገነት ሰፋሕ ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ንሰላማ ዚዘርግ ነገር የልቦን። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ዋላ ሓንቲ ዜጨንቐካ ነገር የልቦን፣ ኣካላትካ ድማ ካብ ሕማምን ኣለርጅን ስቓይን ናጻ እዩ። ናይ ስምዒት ህዋሳትካ ኸኣ ንኸባቢኻ ኼስተማቕሩን ኪድህስሱን ይኽእሉ እዮም።

ድሙቕ ዚሕብሩ ዕምባባታትን ሓቒቕ ዚመስል ውሒዝን ሓምላይ ኣቝጽልትን ሰውሕን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። በቲ ህዱእ ንፋስን በቲ ሒዝዎ ዚመጽእ ጥዑም ጨናን እውን ክትሕደስ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ኣእዋም ኪንቐሳቐስ ከሎ፡ ውሒዝ ኣብ ኣኻውሕ ኪፈስስ ከሎ፡ ኣዕዋፍ ኪዝምራ ኸለዋ፡ ከምኡውን ሓሸራታት ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ ዚፈጥርዎ ድምጺ ኽትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ኸለኻ፡ ብሓቂ ኣብኡ ኽትነብር ኣይትህንጠንዶ፧

ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት፡ ደቂ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ይኣምኑ እዮም። ንብዙሕ ዘመናት፡ ሰዓብቲ ኣይሁድነትን ኣባላት ህዝበ-ክርስትያንን ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን፡ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ መንበሪት ኣዳምን ንሄዋንን ዝገበራ ገነት ኤድን ተማሂሮም እዮም። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዳምን ሄዋንን ብሰላምን ብሓጐስን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ እንስሳታትን ሰላም ነበሮም፣ ምስቲ ኣብቲ ባህ ዜብል ሃዋህው ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዝሃቦም ኣምላኽ እውን ሰላማዊ ርክብ ነበሮም።—ዘፍጥረት 2:15-24

ሰዓብቲ ሂንዱነት እውን፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረት ገነት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም እምነት ኣለዎም። ሰዓብቲ እምነት ቡድህና፡ እቶም ቡድሃ ወይ ዓበይቲ መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ኣብቲ ዓለም ልክዕ ከም ገነት እትዀነሉ ወርቃዊ መዋእል ከም ዚቕልቀሉ እዮም ዚኣምኑ። ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከባ ሓያሎ ሃይማኖታት እውን፡ ምስ ዛንታ ኣዳምን ሄዋንን ዚመሳሰል ዛንታታት ይምህራ እየን።

ኣብ ብዙሕ ሃይማኖታትን ያታታትን ብዛዕባ እታ ኣብ ምድሪ ዝነበረት ገነት ዚገልጽ ሓሳብ ይርከብ እዩ። ሓደ ደራሲ፡ “ብዙሕ ስልጣነታት፡ ብዛዕባ እታ ፍጽምናን ናጽነትን ሰላምን ሓጐስን ኣኺሉ ዚተርፍ ነገራትን ዝነበራ፡ ፍርህን ውጥረትን ግጭትን ድማ ዘይነበራ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረት ገነት ይኣምን ነይሩ እዩ። . . . እዚ እምነት እዚ ኸኣ፡ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ነታ ዝጠፍአት ገነት ሃረር ከም ዚብልዋን እንደገና ንምምላሳ ኸም ዚጽዕሩን ገይርዎም እዩ” በለ።

እዚ ዅሉ ዛንታታትን ያታታትን ተመሳሳሊ መበቈል ኪህልዎ ይኽእልዶ፧ “ደቂ ሰብ ብሓፈሻ” ብእኡ ኺጽለዉ ዝኸኣሉ፡ ብሓቂ ስለ ዝነበረ ደዀን ይኸውን፧ ንምዃኑኸ ኣብ ግዜ ጥንቲ፡ ገነት ኤድን ኰነ ኣዳምን ሄዋንን ብሓቂ ነይሮም ድዮም፧

ተጠራጠርቲ ነዚ ሓሳብ እዚ የላግጹሉ እዮም። ኣብዚ ዘለናሉ ስነ-ፍልጠታዊ መዋእል፡ ብዙሓት ሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ፡ ከም ኣፈ-ታሪኽን ጽውጽዋይን ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ተጠራጠርቲ ጥራይ ኣይኰኑን ከምኡ ኢሎም ዚሓስቡ። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት እውን፡ ንሓቅነት ገነት ኤድን ይነጽግዎ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ፈጺሙ ኸም ዘይነበረ እዮም ዚገልጹ። ነቲ ጸብጻብ ከኣ ከም ምሳልያዊ ወይ ጽውጽዋያዊ ዛንታ ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳልያዊ ዛንታታት ከም ዘሎ ዚከሓድ ኣይኰነን። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ህቡብ ዛንታታት ኣዘንትዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብዛዕባ ኤድን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ከም ምሳልያዊ ዛንታ ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ሓቂ ታሪኽ ገይሩ እዩ ዚጠቕሶ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ኣብ ኤድን ዘጋጠመ ነገራት ዘይተፈጸመ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ክንኣምኖ እንኽእል፧ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ገነት ኤድን ዚጠራጠሩሉ ምኽንያትን ጥርጣረኦም ቅኑዕ እንተ ዀይኑን እስከ ንርአ። ድሕሪኡ፡ እቲ ጸብጻብ ንነፍሲ ወከፍና ዜገድሰና ስለምንታይ ምዃኑ ኽንምርምር ኢና።