መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓደ ቕድሚ ሕጂ ዕዋላን ውሉፍ ማሪዋናን ዝነበረ ሰብኣይ፡ ነዚ ጐዳኢ ኣመሉ ንኺሓድጎ እንታይ ስጕምትታት ወሲዱ፧ ኣባል ሓንቲ ሙዚቃ ሮክ እትጻወት ባንድ ዝነበረ ሰብ፡ ነቲ ነዊሕ ጸጕሩ ዝቘረጾን ነቲ ዚፈትዎ ሙዚቃ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ዝቐየረን ስለምንታይ እዩ፧ ሃይማኖታዊ ዀነ መንግስታዊ ስልጣን ዘይቅበል ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሃይማኖታዊ ኣገልጋሊ ኪኸውን ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

“ንወልፈይ ሓደግክዎ።”—ፒተር ካውሳንጋ

ዕድመ፦ 32

መበቈል ሃገር፦ ናሚብያ

ታሪኽ፦ ዕዋላን ውሉፍ ማሪዋናን

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ካብተን ኣብ ከተማ ሩንዱ ዝነበራ ኣርባዕተ ዓበይቲ ሰፈራት፡ ኣብታ ከሂሙ እትበሃል እየ ዓብየ። ኣብዚ ቦታ እዚ ዚነብሩ ሰባት፡ ብልቱግን ዕንጨይትን ፈሓምን እናሸጡ እዮም ዚናበሩ።

ኣደይ ገና ወዲ ኽልተ ዓመት ከለኹ ስለ ዝሞተት፡ ዓባየይ እያ ኣዕብያትኒ። ቀሊል ናብራ ኢና ንነብር ኔርና። ብተፈጥሮይ ዓለወኛ እኳ እንተ ዘይነበርኩ፡ ብምኽንያት ጸቕጢ መዛኑ ግን ኣብ ሽግር ኣተኹ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ድማ ምስ ዓዋሉ ሓበርኩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ጐደናታት ክበኣስ፡ ንኻልኦት ክድንድን፡ ክሰርቕ፡ ኣልማዝ ብኮንትሮባንድ ክነግድ፡ ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ ኸብዝሕን ሓሽሽ ክወስድን ጀመርኩ። ብምኽንያት ስርቅን ምትላልን ከኣ ክልተ ሳዕ ተታሒዘ ተኣሰርኩ።

ዓስራይ ክፍሊ ምስ በጻሕኩ ትምህርቲ ኣቋረጽኩ፣ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ፡ ነታ ዝዓበኹላ ኸተማን ነቶም ዓዋሉን ሓዲገ ናብ ካልእ ቦታ ኸድኩ። ከም ብሓድሽ ናብራ ኽጅምር እየ ደልየ ነይረ። ገና ግን ውሉፍ ማሪዋና እየ ነይረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ማሪዋና እተሰርሐ ሽጋራ ንምርካብ፡ ብእግረይ ነዊሕ ኪሎ ሜተራት እጐዓዝ ነበርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኣብ መጀመርታ 1999፡ ንጽሑፋቶም ኣብ መገዲ ይዕድሉ ምስ ዝነበሩ ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ። ኣኽብሮት ስለ ዘርኣዩኒ፡ ኣዝየ ተተንከፍኩ። ኣብቲ እተቐበልክዎ ጽሑፍ ዝነበረ መልእኽቲ፡ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብክዋ ኣእመነኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ከጽንዕ ጀመርኩ፣ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከሐጕሶ እንተ ዀይነ፡ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተረዳእኩ።

ሽጋራ ምትካኽ ዘቋርጸላን ምስኡ እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር ዘወግደላን ዕለት መደብኩ። ንኣዕሩኸይ ድማ ሽጋራ ኸይህቡንን ኣብ ጥቓይ ከየትክኹን ነገርክዎም። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣይኰነለይን። ክልተ ሳዕ ሽጋራን ማሪዋናን ኣትከኽኩ። እዚ ግን ተስፋ ኣየቝረጸንን። ነቲ ኣብ ምሳሌ 24:16 ዚርከብ፡ “ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ” ዚብል ስርዓት እዝክር ነበርኩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንወልፈይ ሓደግክዎ።

ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብእተመሃርኩ መጠን፡ ንዕኡ ናይ ቀረባ ዓርከይ ክገብሮ ብዝያዳ ድሌት ሓደረኒ። ሓንቲ ኻብተን ልበይ ዝተንከፋኒ ጥቕስታት፡ እታ ኣብ መዝሙር 27:10 እትርከብ፡ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” እትብል እያ። ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባረይ ምስ ቀጸልኩ፡ ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ረኣኽወን። የሆዋ ድማ ጋህድን ሓላዪ ኣቦን ኰነለይ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሓብር ነበርኩ። ኣብ መንጎኦም ድማ ናይ ሓቂ ዕርክነትን ፍቕርን ረኣኹ። ቅድሚኡ ኸምዚ ርእየ ኣይፈልጥን እየ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሳላ ሓገዝ የሆዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾተይን፡ ኣመለኻኽዓይን ኣከዳድናይን ኣኻይዳይን ኣዘራርባይን ከመሓይሽ ከኣልኩ። ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ልክዕ ከምቲ ኽፉእ ዝትርኢቱ ኣባጨጐራ ናብ ምልክዕቲ ጽምብላሊዕ ዚቕየር፡ ህይወተይ እውን ከምኡ እዩ ተቐይሩ። ኣዝማደይ በቲ ዝገበርክዎ ለውጢ ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም፡ ብኣይ ክተኣማመኑ ኸኣ ኸኣሉ። ሎሚ፡ ፈቃር ሰብኣይን ሓላዪ ኣቦን ክኸውን እጽዕር ኣለኹ።

“ህይወተይ ናይ ሓቂ ዕላማ ኺህልዋ ኽኢሉ”—ማርኮስ ፓውሎ ዳ ሶዛ

ዕድመ፦ 29

መበቈል ሃገር፦ ብራዚል

ታሪኽ፦ ኣባል ሓንቲ ሙዚቃ ሮክ እትጻወት ባንድ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ስድራ ቤተይ ኣብ ከተማ ዛግዋሪዩና፡ ሳኦ ፓውሎ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ወለደይ እሙናት ሰዓብቲ ካቶሊክ እዮም ነይሮም፣ ኣነ ኸኣ ገና ንእሽቶ ኸለኹ፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከገልግል ጀመርኩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምሳይ ዚመሃሩ ተመሃሮ፡ ‘ኣባ’ ኢሎም ይጽውዑኒ ነበሩ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ ግን፡ ሙዚቃ ሮክ ክጻወት ጀመርኩ። ምስ ደረፍቲ ሮክ እውን ክሓብር ጀመርኩ። ጸጕረይ ኣንዋሕኩ። ብ1996 ከኣ ኣቦይ፡ ሙዚቃ ንኽጻወት ዘኽእለኒ ናይ ከበሮ ኣቕሑ ገዝኣለይ።

ብ1998 ኣባል ሓንቲ ሙዚቃ ሮክ እትጻወት ባንድ ኰንኩ። እቲ እንጻወቶ ዝነበርና ሙዚቃ፡ ሰይጣናውን ብዕሉግን ዓመጽ ዜተባብዕን እዩ ነይሩ። ንኣተሓሳስባይን ጠባየይን ድማ ጸለዎ። ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ዘለንን ቍጡዕን ኰንኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብ1999 ንፈለማ እዋን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከም እንኽእል ምስ ነገሩኒ፡ ብዙሕ ተገዳስነት እኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ተሰማማዕኩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ህይወት ንዝነበረኒ ኣረኣእያ ቐየሮ።

“ነዊሕ ዝጸጕሩ ወዲ፡” “ኮኸብ ተጻዋታይ ሙዚቃ ሮክ፡” “ክኢላ ወቓዕ ከበሮ” ተባሂለ እየ ዝፍለጥ ነይረ። ኰይኑ ግን፡ ኣባል እቲ ባንድ ምዃነይ፡ ፈታው ርእሱን ህልኸኛን ገበረኒ፣ እቲ ዝረኸብክዎ ዝና ድማ ዋላ ሓንቲ ኣየሐጐሰንን። እቶም ኣኽቢረ ዝርእዮም ዝነበርኩ ደረፍቲ፡ ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ከም ዘይብሎም ፈለጥኩ። ንየሆዋ ኣምላኽ ከሐጕሶ እንተ ዀይነ፡ ነቲ ሄቪ ሜታል ዚበሃል ሙዚቃ ዀነ ነቲ ርኽሰትን ኣምልኾ ጣኦትን ዝመልኦ ናብራ ኽሓድጎ ኸም ዘሎኒ ቐስ ብቐስ ተገንዘብኩ።

ነቲ ዝጻወቶ ሙዚቃን ነቲ ነዊሕ ጸጕረይን እፈትዎ ነበርኩ። ብዘይብኡ ኽነብር ዝኽእል ኣይመስለንን እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ንሕርቃነይ ብኸመይ ከም ዝቈጻጸሮ ኽመሃር ነበረኒ። እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሆዋ ኸም ዘፍቅሮ ገበረኒ። ብዛዕባ ፍቕርን ትዕግስትን ምሕረትን ኣምላኽ ዚገልጽ ትምህርቲ ምስ ተመሃርኩ ድማ፡ ዝያዳ ኣፍቀርክዎ። ለውጥታት ክገብር ምእንቲ ኽሕግዘኒ፡ ናብ የሆዋ ጸለኹ፡ ንሱ ኸኣ ሓገዘኒ። ንሓቅነት እተን ኣብ እብራውያን 4:12 ዚርከባ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ዚብላ ቓላት ርእየዮ እየ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ምስ ጀመርኩ፡ እተፈልዩ ኸም ዝዀኑ ተረዳእኩ። ኣብ ህይወተይ ንፈለማ እዋን፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብተግባር ረኣኹ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ትርአ እያ። ቀናኣት ወለንተኛታት ንምሾት እቶም ተኣከብቲ ኢሎም ንዚዓይዎ ዕዮ ምስ ረኣኹ፡ ኣዝየ ተተንከፍኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሳላ ሓገዝ የሆዋ፡ ሕጂ ሕርቃነይ ክቈጻጸር ክኢለ እየ። ፈታው ርእሱን ትዕቢተኛን ድማ ኣይኰንኩን።

ነቲ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ንእተወሰነ እዋን እናፍቖ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሕጂ ግን ከምኡ ኣይሰምዓንን እዩ። ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት እዩ ዘለኒ። ሕጂ ብዛዕባ ድሕንነት ካልኦት ክግደስ እመሃር ምህላወይ ኣዝዩ እዩ ዘሐጕሰኒ።

ንኻልኦት ምሕላይ ዜምጽኦ ባህታ አስተማቕሮ ኣለኹ።”—ጀፍሪ ኖብል

ዕድመ፦ 59

መበቈል ሃገር፦ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ታሪኽ፦ ሃይማኖታዊ ዀነ መንግስታዊ ስልጣን ዘይቅበል

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ሸቃሎ ብብዝሒ ዚነብሩላን ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ እትርከብን ከተማ ኢፕስዊች፡ ማሳቹሰትስ እየ ዓብየ። ኣብ ዕድመ ዀተቴ ምስ በጻሕኩ፡ ኣብ ገጠራት ቨርሞንት ክነብር ወሰንኩ። ምስ ኣነባብራ ሰሜን ኣመሪካ ኺወዳደር ከሎ፡ ኣነን እታ ምሳይ እትነብር ዓርከይን ዳርጋ ህይወት መናን ኢና ንነብር ኔርና። ኤለክትሪክ ስለ ዘይነበረና፡ ካብ ጫካ ብዝኣከብናዮ ዕንጨይቲ ጌርና ገዛና ነምውቕን ምግብና ንሰርሕን ነበርና። ኣብ ግዳም ኢና ደገ ንወጽእ ኔርና፡ ኣብ ዓመት ድማ ንእተወሰነ እዋን ጥራይ ኢና ማይ ቡንባ ንረክብ ኔርና። ኣካላዊ ትርኢትና፡ ካብቲ ሕብረተሰብ ርሒቕና ኸም እንነብር ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ጸጕረይ ኣይተመሸጥኩን።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ቬትናም ይዋጋእ ነበረ። እዚ ኸኣ ነቲ ንስልጣን ዝነበረኒ ኣረኣእያ ጸለዎ። ነቲ መንግስቲ ዀነ ሃይማኖት ዘርእይዎ ዝነበሩ ግብዝና ምስ ረኣኹ፡ ኣብዚ ትካላት እዚ መልሲ ኸም ዘይርከብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ቅኑዕን ጌጋን ብዚምልከት ባዕሉ ኺውስን ከም ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዓኒ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ስርቂ ጌጋ ዀይኑ ኣይረኣየንን እዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኣነን ዓርከይን መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ እኳ እንተ ጀመርና፡ ፈጺሙ ኺርድኣና ኣይከኣለን። ነቲ ዝነበረኒ ወልፊ ሓሽሽ ክሓድጎ እጽዕር ነበርኩ። ዓርከይ ድማ ክንምርዖን ቈልዑ ኽንወልድን ደለየት። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ቤትና መጺኣ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረትልና።

ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸናሕኩ፡ ነቲ ሕማቕ ኣመላተይ ክሓድጎ እኳ እንተ ኸኣልኩ፡ ንስልጣን ዘሎኒ ኣረኣእያ ኸተዓራሪ ግን ከበደኒ። ንዅሉ ነገር ዝጠራጠርን ከም ድላየይን ኰይነ ስለ ዝዓበኹ፡ ብናይ ካልእ ሰብ መምርሒታት ምምልላስ ኣዝዩ ኸበደኒ።

ኵሉ ግዜ ኣብ ፈጣሪ እኣምን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብዛዕባኡ ዘይንጹር ሓሳብ እዩ ነይሩኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽናዕኩ ግን፡ ባህርያት የሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ጋህዲ ዀነለይ። እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ብንጹር ከም ዝነገረኒ ተረዳእኩ። ከማልኦ ዚደልየኒ ብቕዓት ፈጺሙ ኣየማትእን እዩ። ብዘይካዚ፡ ንምድሪ ናብ ገነት ዚቕይረሉ ንጹር ዕላማ ኸም ዘለዎ ተመሃርኩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ሓቅታት እዚ ኸኣ፡ ንዕኡ ናይ ምግልጋል ብቕዓት ምእንቲ ኸጥሪ፡ ለውጢ ኽገብር ደረኸኒ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውግእ ዘይካፈሉ ምዃኖም ኣዝዩ እዩ ተንኪፉኒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መትከል ዘለዎ ኻልእ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት የልቦን።

ንየሆዋ ኸገልግሎ እንተ ዀይነ፡ ትርኢተይ ክቕይር ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነበርኩ። ኣብ ፈለማ፡ ምስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚስዕብዎ ንኣከዳድና ዚምልከት ስርዓት ምስምማዕ ከቢዱኒ ነበረ። ኣነን ኣዕሩኸይን፡ ምስ ምሉእ ክዳን ዚግበር ካምቻን ስረን ጫማን ኣይነበረናን። ኣነ እሞ ኸኣ ክራቫታ እውን ኣይነበረንን! ኰይኑ ግን፡ ጸጕረይ ቈሪጸ፡ ትርኢተይ ኣመሓየሽኩ። ነታ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከገልግል ዝኸድኩላ መዓልቲ ኣይርስዓን እየ። ኣብ መስትያት ነቲ ሓድሽ መልክዐይ ምስ ረኣኽዎ፡ ‘እንታይ ደኣለይ ገይረ፧’ ኢለ ንርእሰይ ሓተትኩ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ሓድሽ ትርኢተይ ፈተኽዎ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ንዓርከይ ተመርዓኽዋ፡ ክሳዕ ሕጂ ኸኣ ተሓጒስና ብሓንሳእ ንነብር ኣለና። ንሰለስቲኦም ውሉዳትና ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ከም ዜገልግልዎን ጌርና ኸነዕብዮም ከኣልና። ኣነ ድማ ነቲ ንህይወተይ ዝቐየሮ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ናይ ምምሃር ኣጋጣሚ ረኸብኩ።

ቀደም፡ ነቲ ኻልኦት ዚሓስብዎ ግዲ ዘይገብረሉ ምንባረይ፡ የዅርዓኒ ነበረ። ሕጂ ግን፡ ንኻልኦት ምሕላይ ዜምጽኦ ባህታ አስተማቕሮ ኣለኹ፡ ካልኦት እውን ንዓይ ይሓልዩለይ እዮም።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ካብ ማሪዋና እተሰርሐ ሽጋራ ንምርካብ፡ ብእግረይ ነዊሕ ኪሎ ሜተራት እጐዓዝ ነበርኩ”

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ህይወት ንዝነበረኒ ኣረኣእያ ቐየሮ”

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ምስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚስዕብዎ ንኣከዳድና ዚምልከት ስርዓት ምስምማዕ ከቢዱኒ ነበረ”