ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕዉት ሚስዮናዊ እትዀነሉ መገዲ

ዕዉት ሚስዮናዊ እትዀነሉ መገዲ

መበል 126 ስነ-ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ

ዕዉት ሚስዮናዊ እትዀነሉ መገዲ

ኣዝዮም እተሓጐሱ ብዙሓት ሰባት ንሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ተኣኪቦም ነበሩ። ከመይሲ፡ ቀዳም 14 መጋቢት 2009 ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 126 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ዚግበረላ መዓልቲ እያ ነይራ። እቶም ተመረቕቲ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ናብ 22 ሃገራት ኪለኣኹ ተዳልዮም ነበሩ።—ማቴዎስ 24:14

እቶም ተመሃሮ ዕዉታት ክርስትያን ሚስዮናውያን ንኪዀኑ ዚሕግዞም ሓሙሽተ ወርሒ ዚወስድ ጽዑቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገበሩ። መዓልቲ ምረቓ ኸኣ ነዚ ሸቶ እዚ ብኸመይ ኪወቕዕዎ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር፡ ብሓባር ኰይኖም ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ዚሰምዑላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እያ።

እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነን ኣቦ መንበር እቲ መደብ ዝነበረን ኣንቶኒ ሞሪስ፡ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብ1943 ሚስዮናውያን ኬሰልጥን ከም ዝጀመረ ገለጸ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ እቶም ተመረቕቲ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዓብዪ ጽልዋ ገይሮም እዮም።

እቲ ተዛራባይ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንሃዋርያት የሱስ ከም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ገይሮም እኳ እንተ ረኣይዎም፡ እቶም ሃዋርያት ብትብዓት ኪዛረቡ ዝኸኣሉ ምስ የሱስ ስለ ዝነበሩ ምዃኖም ከም ዝኣመኑ ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) እቶም ተመሃሮ ዝረኸብዎ ስልጠና ብትብዓት ንኺዛረቡ ይሕግዞም እዩ።

እቲ ኣብ ኮሚተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣካል ዚሕግዝ ሮበርት ሲራንኮ፡ “ገጽ ርኢኹም ኣይተዳልዉ” ዚብል መደረ ኣቕረበ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቶም ተመሃሮ ምስ እተፈላለየ ባህልን ልምድን ዘለዎም ሰባት ከም ዚራኸቡ ገለጸ። ኰይኑ ግን፡ ኣረኣእያ የሆዋ እንተ ስዒቦም፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምስባኽ ኣየጸግሞምን እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 10:34 ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ፡ ኣምላኽ ገጽ ርእዩ ኸም ዘየዳሉ እያ እትገልጽ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሌላን ጕሌላን ኣይገብርን እዩ። እወ፡ “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ” ዚበሃል የልቦን። (ግብሪ ሃዋርያት 10:35) ሓው ሲራንኮ፡ “ኣረኣእያ ኣምላኽ እንተ ስዒብኩም ከምኡውን ኵሉ እቲ ኣብ ምድብኩም እትረኽብዎ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ከም ዝዀነ ጌርኩም እንተ ርኢኹምዎ፡ ዕዉታት ሚስዮናውያን ክትኰኑ ኢኹም” በሎም።

“ንኽትዕወቱ ዜኽእለኩም ሒዝኩም ኣለኹም”

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሳሙኤል ሀርድ፡ “ገሊኦም ሰባት ንገመል ከም ግናይ ፍጥረት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ምድረ በዳ ኽትነብር እትኽእል እንስሳ እያ” በለ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደቡሉ ኽልታት ንኺዕወቱ ዜኽእሎም ነገራት ሒዞም እዮም። ሓሙሽተ ነገራት ከኣ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።

1. ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ። (ማቴዎስ 22:37, 38) እቶም ተመሃሮ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ኸም ዝቘረጹ ድሮ ኣርእዮም እዮም።

2. ዕቑር ፍልጠት ቃል ኣምላኽ። ገመል ኣብ መንጕዳኣ እያ ምግቢ እትኽዝን። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ዝኸዘነቶ ምግቢ ጥራይ ብምትእምማን ምብላዕ ኣይተቋርጽን እያ። ሚስዮናውያን እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ኻብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ጥራይ ኪምርኰሱ የብሎምን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ኺምገቡ ኣለዎም።

3. ንሰባት ዘላቶም ፍቕሪ። (ማቴዎስ 22:39) እቶም ተመሃሮ ንሰባት ድንጋጽ ኣለዎም።

4. ናይ ፍቓደኛነት መንፈስ። (መዝሙር 110:3) ሓደ ሚስዮናዊ ሓይሉ ኺጽንቀቕ ከሎ፡ የሆዋ የበርትዖ እዩ።—ኢሳይያስ 40:29

5. ጕብዝና። ልክዕ ከምቲ ገመል ንሓደ ተጓዓዛይ ብምድረ በዳ ተሰኪማቶ እትኸይድ፡ ሓደ ሚስዮናዊ እውን መንፈሳዊ ጸገም ንዘጋጠሞ ክርስትያን ብጻዩ “ኺስከሞ” የድሊ ይኸውን። እዚ ብዙሕ ሓይሊ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ሚስዮናውያን ገና ኣጕባዝ ስለ ዝዀኑ፡ ብቐሊሉ ኸምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ካልእ ክፋላት እቲ መደብ

ማይክል በርነት ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር፡ ለውዚ ሓደ ኻብቲ ያእቆብ ከም ህያብ ገይሩ ናብ መራሒ ግብጺ ዝለኣኾ ነገራት ከም ዝነበረ ጠቐሰ። (ዘፍጥረት 43:11) ሓንቲ ንእሽቶ ጥማር ለውዚ እውን ከይተረፈት ተጽግበካ እያ። እቶም ተመሃሮ ኺስልጥኑ ኸለዉ ብዙሕ መንፈሳዊ ለውዚ በሊዖም እዮም። ሚስዮናውያን ነቲ ብመሰናድዎታት የሆዋ ኺዓግቡን ንኸባቢኦም ኪፈትዉዎን ከም ዘለዎም እተማህርዎ ትምህርትታት ወትሩ ኺዝክርዎ ኣለዎም።

ማርክ ኑማር ዚበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር፡ ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ‘ብጥበብ’ ዝመልአ ማህደር ምዃኑ ገለጸ። (እዮብ 28:18) ነዚ ማህደር እዚ ኸፊትና ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ክንጥቀመሉ ኣሎና። እቶም ተመሃሮ፡ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ከምቲ ዝሓሰብዎ እንተ ዘይኰይኑሎም፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኪዝክርዎ ይኽእሉ እዮም። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንትሽዓተ ዓመት ናብታ እተወልደላ ኸተማ ለኣኽዎ። “ሕሩይ ኣቕሓ” ኸም ምዃኑ መጠን ኣብ ካልእ ቦታ ኼገልግል ከም ዘለዎ ገይሩ ኣብ ክንዲ ዚሓስብ፡ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ብትግሃት ይዓዪ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:15, 28-31) ንምርጫታት የሆዋ ምኽባር ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዮናታን ንምርጫታት የሆዋ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። ንዳዊት ብየሆዋ እተመርጸ ንጉስ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ይድግፎ ነበረ።

ኣብቲ “ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብትብዓት ይዛረቡ” ዘርእስቱ መደብ፡ እቶም ተመሃሮ ኣብ ዕዮ ስብከት ኪካፈሉ ኸለዉ ንዘጋጠሞም ተመክሮ ብመርኣያ ኣቕረቡ። መብዛሕትኦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚሮም እዮም። ቀጺሉ፡ “ብውድብ የሆዋ እተዳለዉ” ዘርእስቱ መደረ ቐረበ፣ ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ሰለስተ ሚስዮናውያን ድማ ቃለ-መጠይቕ ተገብረሎም። ምስ ውድብ ኣምላኽ ኪተሓባበሩ ብዛዕባ ዚኽእልሉ መገዲ ኸም ዝሰልጠኑ ኸኣ ገለጹ።

“ሕጉሳት ሚስዮናውያን ኩኑ”

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ገራት ሎሽ፡ ነቲ “ሕጉሳት ሚስዮናውያን ኩኑ” ዚብል ቀንዲ መደረ እቲ መደብ ኣቕረበ። መብዛሕትኡ “ዜዘናግዕ” ዚበሃል ንጥፈታት፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዘየምጽእ ከኣ ገለጸ። (ምሳሌ 14:13፣ መክብብ 2:10, 11) ነባሪ ሓጐስ ኪርከብ ዚከኣል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር እዩ፣ እዚ ግን ኵሉ ግዜ ቐሊል ኣይኰነን። እቲ ኣብ ጊልዓድ ዚወሃብ ስልጠና፡ ከቢድ ዕዮ እኳ እንተ ዀነ፡ ዓብዪ ዕግበት እዩ ዜምጽእ።

ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ሕጉሳት ዚገብሮም ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ነቲ ሕጉስ ኣምላኽ እዮም ዜምልኹ። (መዝሙር 33:12፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) ኣብ መንፈሳዊ ገነት እዮም ዚነብሩ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን እዛ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ይመባጻዕ እዩ። ንየሆዋ ስለ ዜገልግልዎን ስለ ዚውድስዎን፡ ህይወቶም ዕላማ ኺህልዋ ኽኢሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋን የሱስን የፍቅርዎም እዮም።

እቲ ተዛራባይ፡ “በቲ ዘሎካ ምዕጋብ እንተ ተማሂርኩም፡ ሕጉሳት ሚስዮናውያን ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። ንኻልኦት ምፍቃርን ብእኦም ተፈቃሪ ምዃንን ካልእ ንሓጐስ ኣገዳሲ ዝዀነ ረቛሒ እዩ። ስለዚ፡ ካልኦት ንዚገብርዎ ጌጋታት ኣብ ክንዲ ምጕላሕ፡ ሸፍኑሎም። ጽቡቕ ግበሩ፡ ንድኹማት ሓግዝዎም፡ ጽቡቕ ተመክሮታት ድማ ኣካፍሉ። (መዝሙር 41:1, 2፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ኣብ ዕዮ ስብከት ብምክፋል እውን ሓጐስ ኪርከብ ይከኣል እዩ።—ሉቃስ 11:28

ሓው ሎሽ፡ “መጠኑ ብዝሓለወ መገዲ እናተዘናጋዕኩም፡ ነቲ ሕጉስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ምውዳስን ንኻልኦት ሕጉሳት ከም ዚዀኑ ኣብ ምግባርን ብምትኳር፡ ሕጉሳት ሚስዮናውያን ኴንኩም ተመላለሱ” ኢሉ መደረኡ ዛዘመ።

ኣንቶኒ ሞሪስ ነቲ ኻብ እተፈላለያ ሃገራት እተላእከ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ነቶም ተመሃሮ ዲፕሎማኦም ዓደሎም። ድሕሪኡ፡ ተወካሊ እታ መበል 126 ክፍሊ ናብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተጻሕፈት ደብዳበ ኣንበበ፣ ኣብታ ደብዳበ እቶም ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብምክፋሎም ሞሳኦም ገለጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ንብዘሎ ስጋ ዜተሓሕዞ “ጅማትን መፈላልዮን፡” ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንህዝቢ የሆዋ ንምምጋብን ንምምራሕን ዚጥቀመሉ መሰናድዎ ዜመልክት ምዃኑ እቲ ኣቦ መንበር ገለጸ። (ቈሎሴ 2:18, 19፣ ማቴዎስ 24:45) ተመረቕቲ ጊልዓድ ምስቶም ኣምላኽ ዝሸሞም ተወከልቲ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተሓባቢሮም፡ ኣገልግሎቶም ኪምልኡ እዮም።—2 ጢሞቴዎስ 4:5

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት፦ 6

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት፦ 22

ቍጽሪ ተመሃሮ፦ 56

ቍጽሪ ሰብ ሓዳር፦ 28

ገምጋም ዕድመ፦ 32.8

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት፦ 17.9

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት፦ 13.5

እተመደቡለን ሃገራት

እቶም ተመረቕቲ ናብዘን ዚስዕባ ሃገራት እዮም ተመዲቦም፦ ሆንዱራስ፡ ላይበርያ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክ፡ ሩማንያ፡ ሰራልዮን፡ በኒን፡ ቡልጋርያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ቦሊቭያ፡ ቶጎ፡ ኒከራግዋ፡ ኡጋንዳ፡ ካመሩን፡ ኬንያ፡ ኮስታ ሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጋና፡ ጓተማላ፡ ፐሩ፡ ፓራጓይ፡ ፓናማ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 126 ክፍሊ ተመረቕቲ

ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ፡ ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ካትሪን ኪርኮፍ፣ ክሪስቲን ኒኮላስ፣ ያረሊ ጉስማን፣ ሃይዲ ኮሊ፣ ኦንሊ ቤከር፣ ኣንቶኔላ ዳ ሴሞና። (2) ኣዣ ማንሳናረስ፣ ኢሊስ ቡቬ፣ ጆደን ፐድል፣ ሃዝል መይሰን፣ ጀርሊን ብራስ። (3) ጄኒ ሊ፣ ኣና ፎርተ፣ ታንያ ቡሼ፣ ኣኒካ ማርሽ፣ ሶፊ ለተን፣ ሚሸል ግሎቨር። (4) ሃሊ ካምባክ፣ ትዋና ጆንስ፣ ኣድሪያ ፈሬራ፣ ጃኒስ ሞራለስ፣ ስተፋን ቸካስ፣ በታሪክስ ደቪስ፣ ኢለና ዶርማናን። (5) ብራየን ዶርማናን፣ ጀረሚ ኒኮላስ፣ ቲፈኒ ፓቾ፣ ሉቺና ቲትማስ፣ አሪክ ቡቭየ፣ ኣንዲ ኪርኮፍ። (6) ጋይ ለተን፣ ኣንቶኒ ፓቾ፣ ቤታኒ ቫን ካምፐን፣ ኣርቱሮ ማንሳናረስ፣ ኦትምን ሪቫርድ፣ ዮን ሊ፣ ሉካስ ቲትማስ። (7) ማርክ ቡሼ፣ ኬቨን ኮሊ፣ ቸሰሪ ማርሽ፣ ጆሹዋ ጉስማን፣ ዊል ጆንስ፣ ጆኤል ካምባክ። (8) ኣዳም ግሎቨር፣ ጆርጅ ፈሬራ፣ ኢልየት መይሰን፣ ዳንየላ ፎርተ፣ ናትናኤል ደቪስ፣ ኦስካር ቸካስ፣ ዮኣን ሪቫርድ። (9) ዳን ብራስ፣ ዳን ቫን ካምፐን፣ ኣቤል ሞራለስ፣ ማርኮ ዳ ሴሞና፣ ማርኮ ቤከር፣ ድዌይን ፐድል።