ምኽሪ መጽናዕቲ

ነቲ መስትያት ብግቡእ ተጠቐመሉ

ነቲ መስትያት ብግቡእ ተጠቐመሉ

ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ሓደ ንውሽጣዊ ስብእናና ኽንርእየሉ እንኽእል መስትያት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ያእ. 1:22-25) እሞ ደኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርና ኢና ኸም መስትያት ብግቡእ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧

ተጠንቂቕካ ኣንብቦ። ገዛእ ርእስና ኣብ መስትያት ንሓጺር ህሞት ቍሊሕ ኢልና ጥራይ እንተ ርኢና፡ ጕድለትና ኸይርኣየና ይኽእል እዩ። ቈላሕታ ዜድልዮ ውሽጣዊ ስብእናና ምእንቲ ኺርኣየና ኸኣ፡ ናብ ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንጥምት፡ ማለት ነቲ ቓል ተጠንቂቕና ኸነንብቦ ኣሎና።

ንኻልኦት ዘይኰነስ፡ ንርእስኻ ጠምት። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ መስትያት ናይ ካልኦት ጕድለት ኪርኣየና ይኽእል እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ እውን ናይ ካልኦት ጕድለት ንምርካብ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። እዚ ግና ጕድለትና ኽንእርም ኣይሕግዘናን እዩ።

ሚዛናዊ ኹን። ኣብቲ ኣብ መስትያት እንርእዮ ጕድለታትና ጥራይ እንተ ኣተኲርና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከለና፡ ካብቲ የሆዋ ዚጽበየና ንላዕሊ ኻብ ርእስና ብዘይምጽባይ ሚዛናውያን ክንከውን ኣሎና።—ያእ. 3:17፡ እ.ጽ.።