ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ነሓሰ 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 29 መስከረም ክሳዕ 26 ጥቅምቲ 2014 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

‘ምግቢ በብግዜኡ’ ትረክብዶ ኣሎኻ፧

ሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱል ኰይኑ ንኺነብር፡ ንዅሉ እቲ በቲ እሙን ባርያ ዚዳሎ ጽሑፋት ግድን ኪረኽቦ ኣለዎ ማለት ድዩ፧

ኣንስቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ እንታይ ግደ ኣለወን፧

እቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልወት፡ ንሰብኡትን ንኣንስትን እንታይ ከም ዘስዓበሎም ፍለጥ። ብዛዕባ ተመክሮ ጥንቲ ዝነበራ ገሊአን እሙናት ኣንስቲ መርምር። ብዘይካዚ፡ ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ኣንስቲ ንዕዮና እንታይ ኣበርክቶ ኸም ዚገብራ ርአ።

ንቓል ኣምላኽ ተጠቐመሉ—ህያው እዩ!

ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎቶም ውጽኢታውያን ኪዀኑ ይደልዩ እዮም። ነቲ ሓያል ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ምስ ትራክትታትና ተጠቒምና ምስ ሰባት ብኸመይ ዝርርብ ክንጅምር ከም እንኽእል ዜርኢ እተወሰነ ግብራዊ ርእይቶታት ርአ።

የሆዋ ብኸመይ ይቐርበና፧

ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኪህልወና ኣለዎ። በጃን መጽሓፍ ቅዱስን፡ የሆዋ ናብኡ ኺስሕበና ኸም ዚደሊ ዜርኢ መርትዖ ዝዀነ ብኸመይ ምዃኑ ፍለጥ።

ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ፡ ድምጺ የሆዋ ስማዕ

ንድምጺ የሆዋ ምስማዕን ምስኡ ምዝርራብን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ፍለጥ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰይጣንን ሓጥእ ዝንባለታትናን ንድምጺ የሆዋ ኸም ዘይንሰምዖ ምእንቲ ኸይገብረና ብኸመይ ክንጥንቀቕ ከም እንኽእል ክትገልጸልና እያ።

‘ተመሊስካ፡ ንኣሕዋትካ ኣበራትዓዮም’

ቀደም ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓው፡ እንደገና ‘ሓላዊ ንኪኸውን ኪመጣጠር’ ይኽእል ድዩ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ፡ እቶም ዚትንስኡ፡ “ኣይምርዓዉ ኣይምርዓዋ” ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ ምድራዊ ትንሳኤ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

ካብ መዛግብትና

“ዩሬካ ድራማ” ንብዙሓት ሰባት ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺረኽቡዋ ሓጊዛቶም

እዛ እተወሰነ ኽፋል “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” እተጠቓልል ፊልም፡ ኣብ ርሑቕ ቦታታት እውን ከይተረፈ ብዘይ ኤለክትሪክ ትርአ ነበረት።