ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተጸናኒዕካስ ኣጸናንዕ

ተጸናኒዕካስ ኣጸናንዕ

ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ኵላትና ንሓምም ኢና፣ ገሌና ኸኣ ከቢድ ሕማም ኢና ንሓምም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ፡ ብኸመይ ኢና ኽኢልናዮ ኽንነብር እንኽእል፧

ሓደ ኻብቲ ንኽንክእሎ ዚሕግዘና ነገር፡ ካብ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን እንረኽቦ መጸናንዒ እዩ።

ፈታዊና ብለውሃትን ብፍቕርን ተደሪኹ ዚዛረበና ቓላት፡ ከምቲ ንቝስልና ዜረስርሰልናን እፎይታ ዜምጽኣልናን ፈውሲ እዩ። (ምሳ. 16:24፣ 18:24፣ 25:11) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግና መጸናንዒ ኺውሃቦም ጥራይ ኣይኰኑን ዚጽበዩ። የግዳስ፡ ‘በቲ ኻብ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ምጽንናዕ፡ ኣብ ጸበባ ዘበለ ንዘለዉ ኼጸናንዑ’ ይጽዕሩ እዮም። (2 ቈረ. 1:4፣ ሉቃ. 6:31) ኣብ መክሲኮ ሓላው ኣውራጃ ዀይኑ ዜገልግል ኣንቶንዮ፡ ነዚ ኣብ ህይወቱ ተመኪርዎ እዩ።

ሊምፎማ ዚብሃል ሓደ ዓይነት መንሽሮ ደም ከም ዘለዎ ብምርመራ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ጐሃየ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣሉታዊ ስምዒታቱ ኺቈጻጸር ጸዓረ። ብኸመይ፧ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዝክር እሞ፡ ንቓላት እቲ መዝሙር ምእንቲ ኺሰምዖን ኬስተንትነሉን ኢሉ ኺዝምሮ ይፍትን ነበረ። ዓው ኢሉ ኺጽልን መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብን ከሎ እውን፡ ብዙሕ ይጸናናዕ ነበረ።

ይኹን እምበር፡ ኣንቶንዮ ሓደ ኻብቲ ዝረኸቦ ዓብዪ ሓገዝ፡ ካብ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ምዃኑ ተገንዘበ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኣነን ሰበይተይን ከም ዝኸበደና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ሓደ ሽማግለ ጉባኤ ዝዀነ ዘመድና መጺኡ ምሳና ኺጽሊ ንሓትቶ ነበርና። እዚ ኣጸናኒዑናን ኣህዲኡናን እዩ። ሳላ ደገፍ ስድራ ቤትናን መንፈሳውያን ኣሕዋትናን፡ ብተዛማዲ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ንኣሉታዊ ስምዒታትና ኸነሰንፍ ክኢልና ኢና።” ከምዚ ዝበሉ ፈቃራትን ሓለይትን ፈተውቲ ብምርካቡ፡ ብዙሕ እዩ ዜመስግን።

ኣብ እዋን ጭንቂ ዚሕግዘና ኻልእ ነገር፡ እቲ ቓል እተኣትወልና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ “ውህበት” ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 2:38) ብጰንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ብዙሓት በቲ መንፈስ እቲ ምስ ተቐብኡ፡ ብሓቂ ውህበት ምዃኑ ተራእዩ እዩ። ግናኸ፡ መንፈስ ቅዱስ ንዓና እውን ኪውሃበና ዚኽእል ውህበት እዩ። እዚ ውህበት እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ስለ ዝዀነ፡ ብብዝሒ ምእንቲ ኪውሃበካ ስለምንታይ ዘይትልምን፧—ኢሳ. 40:28-31

ነቶም ዚሳቐዩ ኣጸቢቕካ ተገደሰሎም

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዙሕ ጸገማት ኣሕሊፉ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እውን ምስ ሞት ተፋጢጡ እዩ። (2 ቈረ. 1:8-10) ኰይኑ ግና፡ ምእንቲ ህይወቱ ኣመና ኣይፈርህን እዩ ነይሩ። ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ምፍላጡ፡ የጸናንዖ ነበረ። “እቲ ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን ዝዀነ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ። . . . ንሱ ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ” ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 1:3, 4) ጳውሎስ እናኣስቈርቈረ ኣይኰነን ዚነብር ነይሩ። የግዳስ፡ እቲ ዘሕለፎ ፈተናታት ርሕራሐ ኸም ዜማዕብል ገበሮ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካልኦት ኪሽገሩ ኸለዉ ንምጽንናዕ ብዝያዳ ድሉው ነበረ።

ኣንቶንዮ ኻብ ሕማሙ ምስ ሓሾ፡ ናብ ዕዮ መገሻ ኺምለስ ክኢሉ እዩ። ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቱ ይግደሰሎም ነይሩ እዩ፣ ሕጂ ግና፡ ንሱን ሰበይቱን ንሕሙማት ንምብጻሕን ንምትብባዕን ፍሉይ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣንቶንዮ ንሓደ ኸቢድ ሕማም ዘለዎ ክርስትያን ድሕሪ ምብጻሑ፡ እቲ ሓው ናብ ኣኼባታት ኪኸይድ ከም ዘይደሊ ፈለጠ። ኣንቶንዮ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንየሆዋ ወይ ንኣሕዋት ስለ ዘየፍቅሮም ኣይኰነን። እቲ ሕማም ግና ንስምዒታቱ ኣመና ስለ ዝጸለዎ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰሚዕዎ ነበረ” በለ።

ሓደ ኻብቲ ኣንቶንዮ ነቲ ዝሓመመ ሓው ንምትብባዕ ዝገበሮ ነገር፡ ኣብ ቀረባ ኣብ እተገብረ ሓደ ምትእኽኻብ፡ እቲ ሓው ኪጽልየሎም ምዕዳሙ እዩ። እቲ ሓው ብቑዕ ከም ዘይኰነ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዖ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ዕድመ ተቐበሎ። ኣንቶንዮ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ጽቡቕ ጸሎት ኣቕረበ፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ፈጺሙ ተቐየረ። ዚረብሕ ከም ዝዀነ፡ ከም ብሓድሽ ኪስምዖ ጀመረ” በለ።

እወ፡ ይንኣስ ይዕበ፡ ኵላትና ገለ ዓይነት መከራ ነሕልፍ ኢና። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ግና፡ እዚ ንኻልኦት ኣብ እዋን ሽግሮም ንምጽንናዕ ኬዳልወና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ክርስትያናት ብጾትና ዜሕልፍዎ ስቓይ ይሰምዓና፡ ምንጪ ምጽንናዕ ብምዃን ድማ ንየሆዋ ኣምላኽና ንምሰሎ።