ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ እተረኽበ ዓወት

ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ እተረኽበ ዓወት

ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ እተረኽበ ዓወት

11 ጥሪ 2007: እቲ ኣብ ስትራዝቡግ: ፈረንሳ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ: ነቲ ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጻር ፈደረሽን ሩስያ ዘቕረብዎ ጕዳይ: ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚድግፍ መገዲ ብምሉእ ድምጺ በየነሎም። እቲ ብይን ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ሃይማኖታዊ ናጽነትን ጕዳዮም ብዘይ ኣድልዎ ኺስምዓሎም ዘለዎም መሰልን ዚድግፍ ነበረ። ናብዚ ጕዳይ እዚ ዝበጽሐ ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ኣብ ከተማ ቸልያቢስክ: ሩስያ እትርከብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መብዛሕትኦም ጽሙማን ውልቀ-ሰባት ዚእከቡላ እያ። እቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ሓደ ኮለጅ መሰልጠኒ ሞያ ዚርከብ ኣዳራሽ ተኻርዮም ይእከቡ ነበሩ። ሰንበት 16 ሚያዝያ 2000: ሓንቲ ኣደ መንበር ወይ ኮሚሽነር ዞባዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምስ ክልተ ላዕለዎት ኣባላት ፖሊስን ምስ ሓደ ሲቭላዊ ኽዳን እተኸድነ ፖሊስን መጺኣ: ነቲ ኣኼባኦም ኣቋረጸቶ። ብፍላይ እታ ኮሚሽነር ቄናን ኣረኣእያ ስለ ዝነበራ: ብዘይ ሕጋዊ መሰረት ኣኼባታት ጌርኩም ብዚብል እተማህዘ ኽሲ እቲ ኣኼባ ተቛረጸ። ካብ 1 ግንቦት 2000 ኣትሒዙ ድማ እቲ ውዕል ክራይ ኣዳራሽ ተሰረዘ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥርዓኖም ናብቲ ኣኽባር ሕጊ ኸተማ ቸልያቢስክ ኣቕረቡ: እዚ ግን ፍረ ኣየፍረየን። ቅዋም ሩስያ ኸምኡውን ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነታትን ንምሕላው እተገብረ ውዕል: ሃይማኖታዊ ናጽነትን ናይ ምእካብ ናጽነትን ከም ዘሎ ውሕስነት ዚህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ: ስዒቡ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ጥርዓን ቀረበ። ኣቐድም ኣቢሉ: ብ30 ሓምለ 1999: እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ካልእ ጕዳይ: “ብመሰረት እቲ ንናይ ሕልናን ሃይማኖታዊ ማሕበራትን ናጽነት ዚምልከት ሕጊ ሩስያ: እታ ‘ብዘይ ዕንቅፋት’ እትብል ሓረግ: ኣብቲ [ነቲ ዕላማ እቲ] ዝቐረበ ቦታታት ሃይማኖታዊ ጽምብላት ንምግባር ካብ ዓለማውያን ሰበ-ስልጣን ፍቓድ ምሕታት ከም ዘየድሊ እትሕብር ምዃና” በይኑ ነይሩ። (ሓጹር ናታቶም እዩ።) ይኹን እምበር: እቲ ናብ ኣብያተ-ፍርዲ ኣውራጃን ዞባን ዝቐረበ ጥርዓን ኣይተሰምዐን።

ብ17 ታሕሳስ 2001: እቲ ጕዳይ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ቐረበ። ብ9 መስከረም 2004 ከኣ ተሰምዐ። ገለ ኻብቲ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መወዳእታ ዝሃቦ ብይን ቀጺሉ እንሆ:-

“እዚ ቤት ፍርዲ እዚ ብ16 ሚያዝያ 2000 ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንሃይማኖታዊ ኣኼባ እቶም ኣመልከትቲ ቕድሚ ግዜኡ ኸም ዚቋረጽ ምግባሮም: ሃይማኖታዊ ናጽነት እቶም ኣመልከትቲ ኸም እተጣሕሰ ፈሊጡ ኣሎ።”

“ነቲ ዕላማ እቲ ተባሂሉ ብሕጋዊ መገዲ ኣብ እተኻረይዎ ህንጻ ዚግበር ዝነበረ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ንምቍራጽ ዜኽእል ዜዕግብ ሕጋዊ መሰረት ኣይቀረበን።”

[እዚ ቤት ፍርዲ] ነቲ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ንምግባር ካብ ሰበ-ስልጣን ኣቐዲምካ ፍቓድ ምሕታት ወይ ከተፍልጦም ከም ዘየድሊ ዚገልጽ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሩስያ ዝበየኖ ብይን ኣስተብሂሉሉ እዩ።”

“ስለዚ: ብ16 ሚያዝያ 2000 እታ ኮሚሽነርን ደገፍታን ነቲ ሃይማኖታዊ ኣኼባ እቶም ኣመልከትቲ ብምቍራጾም: ኣብቲ ውዕል ዚርከብ ዓንቀጽ 9 [ናጽነት ሃይማኖት] ተጣሒሱ እዩ።”

“እዚ ቤት ፍርዲ እዚ: እተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚርከባ ኣብያተ-ፍርዲ . . . ንኽልቲኡ ወገን ብፍትሓውን ብማዕረን ብምስማዕ ዝመጸ ግቡአን ከም ዘይፈጸማ ፈሊጡ ኣሎ። . . . ኣብቲ ውዕል ዚርከብ ዓንቀጽ 6 [ብፍትሓዊ መገዲ ንኽትስማዕ ዘሎ መሰል] ተጣሒሱ ኣሎ።”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ዓወት ብምርካቦም ንኣምላኽ የመስግንዎ እዮም። (መዝሙር 98:1) እቲ ኣብቲ ቤት ፍርዲ እተገብረ ብይን ክሳዕ ክንደይ ዚኣክል ሰፊሕ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧ ጆሴፍ ከይ. ግረቦስኪ ዚበሃል ፕረዚደንት ትካል ሃይማኖትን ህዝባዊ ፖሊሲን ከምዚ በለ:- “እዚ ነቲ ኣብ ብዘላ ኣውሮጳ ዘሎ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዚጸሉ ኻልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብይን እዩ: ከመይሲ እዚ ብይን እዚ ኣብ ኵለን እተን ነቲ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ዚምእዘዛ ሃገራት ጽልዋ ኺህልዎ እዩ።”