ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ተፈጥሩ

ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ተፈጥሩ

ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ተፈጥሩ

ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ኪዀኑ ወትሩ ሃንቀው ምስ በሉ እዮም። ምንጪ እዚ ድሌት እዚ ድማ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ: እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝነበረ ኣዳም በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ረኣየ። “ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት” ከኣ ገበረሉ።

የሆዋ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ፣ ብድሕሪኡ ኻብ መሰንገሊኡ ሓንቲ ዓጽሚ ወሲዱ “ሰበይቲ ገይሩ: ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ።” ኣዳም ምስዛ ምልክዕቲ ፍጥረት የሆዋ ብምርኻቡ ስለ እተሓጐሰ: “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ” በለ። እታ ፍጽምቲ ዝነበረት ሄዋን: በቲ ዝነበራ ኣንስታይ ባህርይ ብርግጽ ተፈታዊት እያ ነይራ። እቲ ፍጹም ዝነበረ ኣዳም እውን ተባዕታዊ ግርማ ስለ ዝነበሮ ኣኽብሮት ይግብኦ ነበረ። ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ድማ እዮም ተፈጢሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ: “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ዚብል።—ዘፍጥረት 2:18-24

ኣብዚ እዋን እዚ ግን ስድራቤታት ይበታተና እየን ዘለዋ: እቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ህስያ ዝመልኦን ብስስዐ እተሓጽረን እዩ ዀይኑ ዘሎ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዚርአ ናይ ምውድዳር መንፈስ: ምስሕሓብን ዘይምቅዳውን ከም ዚህሉ ገበረ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣምላኽ ንሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሮ ዕላማ ዚጋጮ እዩ። ሰብኣይ ኣብዛ ምድሪ ሓደ ዜደንቕ ግደ ኼማልእ እዩ ተፈጢሩ። ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ሰብኣይ ኰይና ፍሉይን ክብሪ ዚግብኦን ቦታ ኽትሕዝ እያ ተፈጢራ። ብሓደ ዀይኖም ድማ ተሰማሚዖም ኪዓዩ ነበሮም። ካብ ፍጥረት ሰብ ጀሚርካ: ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ የሆዋ ዝመደበሎም ግደ ንምምላእ ብተኣማንነት ዚከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ሓጐስን ዕግበትን ኣምጺኡሎም እዩ። እዚ ግደ እዚ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኸነማልኦ ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ክቡር ግደ ኸም ዚህልዎም ጌርካ እዮም ተፈጢሮም